ኣመሪካ፡ ሕግታት ዝጠሓሱ ንምፍላጥ 55 ሚልዮን ቪዛታት ክትምርምር እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካ ንልዕሊ 55 ሚልዮን ወነንቲ ቪዛ ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ንምእታው ወይ ንምጽናሕ ዝሕግዝ ሕጊ ኣፍሪሶም እንተዀይኖም ንምፍላጥ መዝገባታ ትምርምር ኣላ።
ቪዛ ኣመሪካ ዘለዎም ሰባት ቀጻሊ መርመራ ክግበረሎም ምዃኑ ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።
ንገደብ ኣብታ ሃገር እትጸንሓሉ ግዜ ምንዋሕ፡ ገበን፡ ንድሕነት ህዝቢ ዘስግእ፡ ዝዀነ ይዅን ግብረሽበራዊ ንጥፈታት ወይ ንሓደ ግብረሽበራዊ ጕጅለ ምሕጋዝ ዝኣመሰሉ ምልክታት እንተ ተራእዩ፡ እቲ ቪዛ ክስረዝ ምዃኑ ሓደ ብዓል ስልጣን ገሊጹ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ካልኣይ እብረ ስልጣኑ፡ ንኢምግረይሽን ሓደ ካብ ቀንዲ ቀዳምነታቱ ገይሩዎ እዩ። እዚ ድማ ጃምላዊ ምስጓግ፡ ምእጋድ መገሻ ንገለ ሃገራት፡ ከምኡ'ውን ኣስታት 6,000 ናይ ተማሃሮ ቪዛ ምልጋስ ዘጠቓለለ እዩ።
ከም ኣካል ናይዚ ሰፊሕ ገምጋም፡ ኣብ ኣመሪካ ክመሃሩ ወይ ክበጽሑ ዝደልዩ ሰባት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘካይዱዎ ንጥፈታት'ውን ክምርመር እዩ። ሰበስልጣን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ ባህሊ፡ መንግስቲ፡ ትካላት ወይ መሰረታውያን መትከላት ኣመሪካ ዝዀነ ይዅን ምልክታት ጽልኢ እንተ'ልዩ ክፍትሹ እዮም።
ሰራሕተኛታት ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ንዝተወደቡ ናይ ወጻኢ ኣሸበርትን ንሃገራዊ ድሕነት ዘስግኡ ካልኦትን፡ ወይ ድማ ብሰንኪ ጸረ-ሴማውነት ንሰባት ዘሸግሩ ወይ ዝጐድኡ እንተዀይኖም ክከታተሉ ተነጊሩዎም ኣሎ።
ወሃቢ-ቓል ኣገልግሎት ዜግነትን ኢምግረይሽንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማቲው ትራጀሰር፡ "ኣመሪካ እትህቦ ረብሓታት ናብቶም ነዛ ሃገር ዝጸልኡን ጸረ ኣመሪካዊ ሓሳባት ዝዝርግሑን ክውዕል የብሉን፡" ኢሉ።
ኣገልግሎት ኢምግረይሽን፡ ጸረ ኣመሪካዊ ኣረኣእያታት ኣብ ዘወግድ ፖሊሲታት ኣተኲሩ ክሰርሕ ምዃኑ ሓቢሩ።
እዚ ዳሕረዋይ ምልክታ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ፡ ኣመሪካ ንመራሕቲ ናይ ጽዕነት መካይን ናይ ሰራሕተኛታት ቪዛ ምሃብ ንእለቱ ደው ከተብሎ ምዃና ድሕሪ ምግላጹ'ዩ።
"ኣብ ጽርግያታት ኣመሪካ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ዝዝውሩ ወጻእተኛታት መራሕቲ መካይን እናወሰኸ ብምምጽኡ ንህይወት ኣመሪካውያን ኣብ ሓደጋ የውድቕን ንስራሕ ኣመሪካውያን መራሕቲ መካይን ይጐድእን ኣሎ፡" ክብል ሩቢዮ ብሓሙስ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ትራምፕ ኣብ ጥሪ ፕረዚደንት ካብ ዝኸውን ንደሓር፡ ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲታት ኣመሪካ፡ እስራኤል ነቲ ኣመሪካ እትድግፎ ኲናት ቓዛ ብኸመይ ትመርሖ ኣላ ዝብል ተቓውሞ ተሳቲፎም ብዝብል ሓያሎ ወጻእተኛታት ተማሃሮ ተኣሲሮም ኣለዉ።
ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣመሪካ ካብ ማላዊን ዛምብያን ዝመጽኡ ዜጋታት ንበጻሕቲ ወይ ንግዳዊ ቪዛ 15,000 ዶላር ተቐማጢ ገንዘብ ከትሕዙ ከም ዘለዎም ገሊጻ ነይራ።
ትራምፕ ካብ 12 ሃገራት ዝመጽኡ ወጻእተኛታት ናብ ኣመሪካ ከይገሹ'ውን ኣጊዱ፣ ንኻልኦት 7 ድማ ብኸፊል ገደብ ኣቐሚጡ።
ኣብ ግንቦት ምምሕዳር ትራምፕ፡ ሕጋዊ ደረጃ ናይቶም ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ልዕሊ 500,000 ስደተኛታት ንግዜኡ ክስርዝ ተፈቒድሉ። መሰል ልደት ዜግነት (ኣብ ኣመሪካ ብምውላድካ እትረኽቦ) ከብቅዕ ከይተረፈ ቃል ኣትዩ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







