ኣብ መላእ ብሪጣንያ፡ ኣንጻር ሓተትቲ ዕቑባ ዝጸንሑሎም ሆቴላት ሰልፊታት ተቓውሞ ይካየዱ

ኣብ መላእ ዓዲ ኢንግሊዝ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ሆቴላት ሓተቲ ዑቕባ ተቓውሞታት ተኻይዱ።
ሰልፈኛታት ኣብ ብሪስቶል፡ ሊቨርፑልን ለንደንን ሓዊሱ ኣብ ገለ ክፋል ዓዲ እንግሊዝ ከምኡ'ውን ኣብ ዌልስ -ሞልድ፡ ኣብ ስኮትላንድ - ፐርዝን ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ-ካውንቲ ኣንትሪምን ተኣኪቦም።
ፖሊስ፡ ኣብቶም ጸረ ዓሌትነት ዝቃለሱ ጸረ ሰልፍታት ኣብ ዘካየዱሉ ቦታታት ተቓወምቲ ጒጅለታት ንምፍልላይ ኣብ መንጐ ክኣትው ተራእዮም።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ኤሰክስ ዝርከብ ኤፒንግ ሆቴል ንሓተትቲ ዑቕባ ከየተኣናግድ ድሕሪ ምዕጋቱን ገለ ሰበስልጣን ከባቢ ዓዲ እንግሊዝ ሕጂ ሕጋዊ ብድሆታት ኣብ ግምት ከም ዘእቱ ድሕሪ ምግላጾምን እዩ።
ፖሊስ ኣብ ብሪስቶል ካስል ፓርክ ፡ ኣማኢት ጸረ ዓሌታውነት ሰልፈኛታት ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ምስ ካልኦት ሰልፈኛታት ንከይሕወሱ ክከላኸሉ ተራእዮም።
ምምሕዳር ከተማ ብሪስቶል፡ መንግስቲ ኣብታ ከተማ ንዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ ንምጽናሕ ዝጥመሎም ሆቴላት ንምኽልካል መደብ ከም ዘይብሉ ገሊጹ።
ኣብ ሊቨርፑል ልዕሊ 400 ሰባት፡ ሰልፊ ናጽነት ዓባይ ብሪጣንያ (UKIP) ኣብ ዝጸውዖ ስደተኛታት ክስጐጕ ዝጽውዕ ሰልፊ ተረኺቦም።
ካብ 'ስታንድ ኣፕ ቱ ረሲዝም' ከምኡ'ውን ካብ 'መርሲሳይድ ጸረ ፋሽሽታዊ መርበብ' ዝተዋጽኡ ውሑዳት ኣማኢት ሰልፈኛታት ድማ ነዚ ተቓዊሞም።
ፖሊስ መርሲሳይድ ከም ዝሓበሮ፡ 11 ሰባት ስኽራንን ስርዓት ኣልቦነትን፡ መጥቃዕትን ምትህልላኽን ሓሰሱ ብዝተፈላለዩ ገበናት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።
ኣብ ሳሪ ኣብ ኤክስተር፡ ታምዎርዝ፡ ካኖክ፡ ኑኒኣተን፡ ዌክፊልድ፡ ኒውካስልን ሆርሊን እውን ተቓውሞታት ተኻይዱ።
ኣብ ስኮትላንድ ኣስታት 150 ሰልፈኛታት ኣብ ፐርዝ ተኣኪቦም "ኣውጽእዎም" ዝብል ጭርሖ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ድምጺታት ተቓውሞ የስምዑ ነይሮም።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ልዕሊ 200 ሰባት ኣብ ስግር ጽርግያ ኣብ ዝተኻየደ ጸረ ተቓውሞ ተሳቲፎም፡ "ኣይፋል ዓሌታውነት"ን "ስደተኛታት እንቋዕ ደሓን መጻእኩም"ን ዝብል መልእኽቲታት ሒዞም ነይሮም።
ኣስታት 300 ሰባት ኣብ ሞልድ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ተጸንቢሮም፤ እዚኦም ንሓተቲ ዑቕባ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ መንበሪ ገዛውቲ ክወሃቡ ዝጠልብ ውጥን ዝቃወሙ'ዮም።
ኣብ ካውንቲ ኣንትሪም ኣስታት 40 ሰባት ኣብ ኣፍ ደገ ሓተትቲ ዑቕባ ንምዕቃብ ዝውዕል ሆቴል ተኣኪቦም። ቤት ምኽሪ ከባቢ ኣንትሪምን ኒውታውን ኣቢን ብዛዕባ ሕጋዊ ውጥን ዘለዎ ኵነታት መርመራ ጀሚሩ ኣሎ።
ፖሊስ ሳሪ ኣብ ኣፍ ደገ ሓተትቲ ዕቑባ ዝጸንሕሉ ሆቴል ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ - ክልተ ብጥሕሰት ሰላም፡ ሓደ ድማ ቅድመ ኵነት ናይ ማሕበረሰብ ሓለዋ ምልክታ ብምጥሓስ።
ኣብ ገለ ክፋል ዓባይ ብሪጣንያ ሎሚ ሰንበት ተወሳኺ ተቓውሞታት ክካየድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።
እዚ ትማሊ ቀዳም ዝተኻየደ ሰልፊታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ተቓውሞታት ቀጺሉ ከካየድ ዘሎ'ዩ።
ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ፡ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ኣብ ከባቢ ኤፒንግ ዝርከብ 'ቤል ሆቴል' ብዝብል ዝፍለጥ ሆቴል፡ ግን ናብ ዕግርግር ዝተቐየሩ ተቓውሞታት ተኻይዶም'ዮም።
እዚኦም፡ ኣብቲ ሆቴል ዝነብር ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉን ድሒሩ ድማ ኣብታ ከተማ ንሓንቲ ጓል 14 ዓመት ቈልዓ ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻሙ ድሕሪ ምኽሳሱን ዝስዓቡ'ዮም።
እቲ ውልቀሰብ፡ ነታ ቈልዓ ክስዕም ፈቲኑ ብዝብል እዩ ዝኽሰስ ዘሎ። ንሱ፡ ብ17 ሓምለ 2025፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ነቲ ክሲ ነጺጕዎ እዩ።
እቲ ብሰሉስ ዝወጽአ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ድማ፡ ቤት ምኽሪ ኤፒንግ፡ መንግስቲ ሰባት ኣብቲ ሆቴል ምቕማጥ ደው ከብል ግዝያዊ ትእዛዝ ሂቡ።
እቲ ሆቴል ኣጠቓቕምኡ ብምቕያር ንናይቲ ከባቢ ውጥን ቁጽጽር ከም ዝጠሓሰን ብግዲኡ ንህዝባዊ ድሕነት ሓደጋ ዝዀኑ ፍጻመታት ከም ዘስዓበን ተማጒቱ ነይሩ።
መንግስቲ ነቲ ብይን ይግባይ ናይ ምባል መሰል ይሓትት ኣሎ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ሕቶ ዑቕባኦም ውሳነ ክወሃብ እናተጸበዩ፡ ብኻልእ ኣገባብ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ዘይብሎም ሓተትቲ ዑቕባ መንበሪ ገዛ ክትህብ ብሕጊ ግዴታ ኣለዋ።
ጸሓፊት ውሽጣዊ ጕዳያት ኢቨት ኩፐር፡ መንግስቲ ንዅለን ሆቴላት ዑቕባ ንምዕጻው ቃል ከም ዝኣተወ እኳ እንተገለጸት፡ እዚ ግን "ብግቡእ ብዝተመሓደረ መገዲ" ክኸውን ከም ዘለዎ ገሊጻ።
መንግስቲ ብሓሙስ ዘውጽኦ ኣሃዛት ከም ዘመልክቶ፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ሆቴላት ዝቕመጡ ሓተትቲ ዑቕባ 32,059 በጺሑ - እዚ ድማ ሰልፊ ዕዮ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣብ ዝነበረ ዓመት ብሸሞንተ ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።
እንተዀነ፡ እዚ ካብቲ ኣብ 2023 ዝነበረ ብዝለዓለ ደረጃ ጐዲሉ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







