ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ፡ 'ኣራዊት ኣይኰንኩን' ይብል

ኣቶ ሓዱሽ ኣብ ውሽጢ መኪና እንከሎ ዘርኢ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, CPS

ንሓንቲ ጓል 14 ዓመት ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ተባሂሉ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተኸሰሰ ኢትዮጵያዊ፡ ኣብ ቤትፍርዲ ቃል ኣብ ዘስመዓሉ፡ "ኣነ ኣራዊት ኣይኰንኩን፡" ኢሉ።

እቲ ሓዱሽ ቅባቱ ዝተባህለ ሓታቲ ዕቝባ፡ ብዕለታት 7ን 8ን ሓምለ ኣብ ኤፒንግ - ኤሰክስ ክልተ ሳዕ ምስታ ጓልን መሓዛኣን ኣብ ዝተራኸበሉ፡ "ንፍዕቲ ሰበይቲ ምዀንኪ፡" ከም ዝበላ ትኸስስ።

ኣቶ ሓዱሽ ብፖሊስ ድሕሪ ምእሳሩ፡ ኣብቲ ምስ ከምኡ ዝኣመሰሉ ስደተኛታት ዘዕቘብሉ ሆቴል ዘ ቤል፡ ተቓውሞታት ጸረ-ስደተኛታትን ኣንጻር እቲ ሰልፍን ተለዓዒሉ።

ክልተ ክሲታት - ንወሲባዊ ንጥፈታት ምዕዳምን ምግፋዕን - ዝቐረብሉ ኰይኖም፡ ኣይተቐበሎምን።

ኣብ ቤትፍርዲ ኮልቸስተር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እታ ጓል፡ ጓለይ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ኣዝያ ንእሽቶ እያ፡" ኢሉ።

"ኣነ እንስሳ ዘገዳም ኣይኰንኩን። ንሰን ቈልዑ እየን፣ መጻኢ ጽባሕ ዝዀና ሓድሽ ወለዶ እየን፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣቶ ሓዱሽ ብዛዕባ ሕቶ ዕቝባኡን ውጽኢት ፍርዱ ኣብ ልዕሊ ብጾቱ ስደተኛታት ብዛዕባ ዝህሉዎ ጽልዋን ከም ዝተጨነቐ ገሊጹ።

ነተን ኣዋልድ 'ቈልዓ ክወልደለን' ከም ዝደሊ ነጊሩወን ድዩ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ "ብፍጹም፡" ክብል ብምንጻግ፡ ኣብ ኢትዮጵያ መምህር ስፖርት ምንባሩ ሓቢሩ።

ሓደ ብዛዕባኡ ምስክርነት ዝሃበ፡ ካብ ኣፍሪቃ ምዃኑን ብንእሽቶ ናይ "ጎማ ጃልባ" ገይሩ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምእታው 2,500 ኤሮ ከም ዝኸፈለ ክዛረብ ከም ዝሰምዑን ገሊጹ።

እቲ ክሲ፡ ብ7 ሓምለ ኣብ ማእከል ከተማ ኤፒንግ ፒዛ ንዝበልዓ ዝነበራ ክልተ ኣዋልድ ከም ዝቐረበን "ዘይግቡእ ርእይቶታት" ከም ዝሃበንን እዩ ዝገልጽ።

ምስተን ክልተ ኣዋልድ ዝነበረ ወዲ ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ኣቶ ሓዱሽ፡ "ብቐንዱ ንኽልተአን እዩ ዝግደሰለን ነይሩ - ኣዋልድ ስለ ዝዀና፡" ኢሉ።

እቲ ሓታቲ ዕቝባ፡ "ናብ ኣፍሪቃ እንተ ትምለሳ፡ ንፉዓት ኣንስቲ ምዀንክን፡" ክብለን ከም ዝሰምዖ ተዛሪቡ።

ንጽባሒቱ ነታ ጓልን መሓዝኣን ዳግማይ ከም ዝረኸበንን ኢዱ ኣብ ምዕጕርታ ኣንቢሩ ክስዕማ ምፍታኑን ተኸሲሱ።

ሽዑ በቲ ፍጻመ ከም "ዝቐዘዘት" ንፖሊስ ገሊጻ። ነቲ ሓታቲ ዕቝባ፡ "ኣይፋል፣ ጓል 14 ዓመት እየ፡" ከም ዝበለቶን "ዕድመ ኣገዳሲ ኣይኰነን፡" ከም ዝበላን ሓቢራ።

ታቤላ ናይቲ ሆቴል፡ ክልተ ፖሊስን ናይ ፖሊስ መኪናን ኣብ ጐደና ይርኣዩ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ወነንቲ ናይቲ ሆቴል፡ ድሕሪ ደጊም ሓተትዕ ዕቝባ ከም ዘይቅመጡዎ ገሊጾም

ኣብቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ ቀዳማይ መስርሕ ፍርዲ፡ "ዝሓመምኩ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ሓደ እኹል ሰብኣይ ከምኡ ክገብር ጽቡቕ ኰይኑ ይስምዖ እዩ ኢለ ኣይሓስብን ነይረ፡" ክትብል ገሊጻ።

ኣቶ ሓዱሽ ብታሕሳስ 1986 ከም ዝተወልደ ንቤትፍርዲ ገሊጹ፣ በዚ ድማ ዕድመኡ 38 ምዃኑ እዩ። መዛግብቲ ቤትፍርዲ ግን ዕድመኡ 41 ምዃኑ ይሕብሩ።

እተን ኣዋልድ ንኣቶ ሓዱሽ ገዲፈንኦ ክኸዳ ዝኸኣላ፡ሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባ 'ዝርዝር ተመኵሮኡ' (CV) ኣብ ዕላል ምስ ኣእተወቶ እዩ።

ብረቡዕ 27 ሓምለ ኣብ ዝወዓለ መጋባኣያ፡ኣቶ ሓዱሽ ብኢዱ ኣብ ምዕጕርታ ምስ ተንከፋ ከም ዝሰንበደትን ጽቡቕ ከም ዘይተሰምዓን ገሊጻ።

እታ ሰበይቲ፡ ኣቶ ሓዱሽ ምስተን ደቂ 14 ኣዋልድ ክዛረብ ምስ ርኣየቶ ድሕሪ ቅሩብ ደቓይቕ ናብ ፖሊስ ደዊላ።

ቅዳሕ ናይቲ ምስ ፖሊስ ዝገበረቶ ጻውዒት ኣብቲ ቤትፍርዲ ተወሊዑ፡ "ኣትን ቈልዑ ካብኡ ርሓቓ፡" ክትብል ተሰሚዓ።

ኣቶ ሓድሽ ንኽልተኡ ዝቐረበሉ ክሲ ነጺጉዎ እዩ።

እቲ ፍርዲ ናብ 4 መስከረም ተናዊሑ ኣሎ።