ኢራን ብተግባር ራዕዲ ንዝኸሰሰቶ ስዊድናዊ ትውልደ ኢራን ረሺና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢራን ኣብ 2018 ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ኣብ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ምርኢት ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣወሃሂዱ’ዩ ኢላ ንዝኸሰሰቶ ስዊድናዊ ትውልደ ኢራን ሓቢብ ቻብ ረሺናቶ።
ሓቢብ ቻብ መራሒ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢራን ናይ ዝርከቡ ብሄረ ዓረብ ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር ንምቛም ናይ ዝቃለሱ ተነጸልቲ ጉጅለ’ዩ።
ንሱ ኣብ 2020 ኣብ ቱርኪ ብኣባላት ስለያ ኢራን ክሳዕ ዝጭወ ንዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ስውዲን ይቕመጥ ከምዝነበረ ተፈሊጡ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስውዲን ቶብኣስ ቢልስትሮም፡ መንግስቲ ስውዲን ኢራን ንሓቢብ ቻብ ንይትርሽኖ ተማሕጺኑ ከምዝነበረ ኣፍሊጡ።
“እቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኢ-ሰብኣውን ዘይትካእን መቕጻዕቲ ስለዝኾነ ስውዲን ምስ ካልኦት ኣባል ሃገራት ኣውሮፓ ብምዃን ንተግባር ኢራን ንኹንን” ኢሉ።
ኢራን ንሓቢብ ቻብ ኣሕፋዝ ሓራ ንምውጻእ ናይ ዝቃለስ ዓረባዊ ምንቅስቓስ ዝመርሕ ሓራካት ኣል ኒዳል ስለ ዝመስረተ ብራዕዳዊ ጉጅለ ሰይማቶ እያ።
እታ ኣብ ደቡብ ምዕራባዊ ኢራን እትርከብ ግዝኣት ብሃብቲ ነዳዲ ዝሃብተመት ኮይና፡ ብብዝሒ ናይ ዓረብ ዘርኢ ዘለዎም ህዝቢ’ዮም ዝቕመጡላ።
ንሳቶም ብመንግስቲ ኢራን ኣድልዎ ከምዝበጽሖም ክገልጹ እንከለዉ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ግና ንክሲ እቶም ውሑዳን ህዝቢ ይነፅጎ።
እቲ ሓቢብ ቻብ ዝተኸሰሰሉ ተግባር ራዕዲ ኣብ 2018 ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ሓደ ዕጡቕ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ምርኢት ዘቕርቡ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ብዝኸፈቶ ተኹሲ፡ ንሰላማውያን ሰባት ሓዊስካ 25 ሰባት ተቐቲሎም።
ሓቢብ ቻብ ቅድሚ ብኣብ ቱርኪ ዝመደብሩ ስለያ ኢራን ተጨውዩ ናብ ኢራን ምውሳዱ፡ ኣብ ኢስታንቡል ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ክረክብ ከም ዝኸደ’ዩ ዝግለጽ።
ሰበ ስልጣን ኢራን ሓቢብ ቻብ ብኸመይ ከምዝተትሓዘ ዝሃብዎ እኹል መረዳእታ የለን።
ናብ ኢራን ምስ ተወሰደ ግና ሓንሳብ ኣብ መንግስታዊ ቴሌቭዥን ቀሪቡ እቲ ናይ 2018 መጥቃዕቲ ከምዝወዓሎ ክዛረብ ብቴሌቭዥን ተራእዩ ነይሩ።
ዓቀብቲ ሕጊ ኢራን፡ ሓቢብ ቻብ ካብ 2005 ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ትካላት ስለያ ስዊድንን እስራኤልን ኰይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ተግባራት መጥቃዕቲ ይሳተፍ ከምዝነበረ ገሊጾም።
እቶም ዓቀብቲ ሕጊ ወሲኾም፡ ካልኦት መራሕቲ ናይቲ ጉጅለ ኣብ ኔዘርላንድን ስውዲንን ማእኸል ገይሮም ይንቀሳቐሱ ከምዝነበሩን ስዑድ ዓረብ ድማ ብገንዘባዊ ሓገዛት ትምውሎም ከምዝነበረት ሓቢሮም።
ኢራን ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ንወዲ 61 ዓመት ብሪጣናያዊ ትውልደ ኢራን ዓሊረዛ ኣኽባሪ፡ ኣብ ኢራን ንዩናይትድ ኪንግደም ክስልል ረኺበዮ ብዝብል ከምዝረሸነቶ ይዝከር። ንሱ ግና እቲ ብኢራን ዝቐረበሉ ክሲ ኣይተቐበሎን ነይሩ።
ኢራን፡ በብዓመቱ ካብ ቻይና ቀጺላ ብዙሓት ሰባት እትርሽን ሃገር ከምዝኾነት ጸብጻብ ትካል ሰብኣዊ መሰላት የመልክት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







