ማንቸስተር ሲቲ ንሪያል ማድሪድ ድሂኻ ናብ ፍጻመ ቻምፕዮንስ ሊግ ሓሊፋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ማንቸስተር ሲቲ ብዘደንቕ ብቕዓትን ዘተኣማምና ሽቶታትን ንሪያል ማድሪድ ድሂኻ ናብ ፍጻመ ቻምፕዮንስ ሊግ ብምሕላፋ፡ ምስታ ንኤሲሚላን ስዒራ ናብ ፍጻመ ሓሊፋ ኣብ ኢስታንቡል ትጽበያ ዘላ ኢንተር ሚላን ክትገጥም’ያ።
ማንቸስተር ሲቲ ቅድሚ ሕጂ ክልተ ግዜ ብሪያል ማድሪድ ኣብ ፍርቂ ፍጻም ተሳዒራ ምንባራ ዝዝከር ኰይኑ ትማሊ ግን ሕነ ዝፈደየትሉ ጸወታ’ያ ኣካይዳ።
ቀዳማይ እግሪ ጸወታ ኣብ ሜዳ ሪያል ማድሪድ ማዕረ ሓደ ብሓደ ዝተፈላለየት ማንቸስተር ሲቲ፡ ትማሊ ንሪያል ማድሪድ ኣብ ሜዳኣ ዓዲማ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ምሉእ ብምሉእ’ያ ዓብሊላታ።
ቅድሚ ዕረፍቲ ኣብ መበል 23 ከምኡ ከኣ 37 ደቂቕ ካብ ፖርቱጋላዊ በርናርዶ ሲልቫ ክልተ ሸቶታት ዝረኸበት ማንቸስተር ሲቲ፡ ድሕሪ ዕረፍቲ’ውን ብተመሳሳሊ ዕብለላ ኣብ መበል 76 ደቒቕ ካብ ማኑኤል ኣካንጂ ኣብ ተወሳኺ ግዜ ከኣ ካብቲ ተቐይሩ ዝኣተወ ጁልያን ኣልቫረስ ሓንቲ ሸቶ ብምርካብ ነታ ዝበዝሐ ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ዝዓተረት ሪያል ማድሪድ ብኣርባዕተ ሸቶታት ኣደንዚዛ ከምዘይነበረት ገይራታ።
ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ክልቲኡ እግሪ ብሓፈሻ 5 ን 1 ብምስዓር’ያ ናብ ዋንጫ ተማዕዱ ዘላ።
ማነቸስተር ሲቲ ኣንጻር ኢንተር ሜላን ኣብ ኢስታንቡል 10 ሰነ’ያ ክትገጥም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዙሓት ሰባት ነቲ ናይ ትማሊ ጸወታ ማንቸስተር ሲቲ ከምኡ'ውን፡ ኢንተርሚላን ኣንጻር ኤሲሚላን ዘርኣየቶ ድኹም ጸወታን ብምርኣይ እታ ዋንጫ ብዘይጥርጥር ማንቸስተር ሲቲ ከምእትዕወተላ ይገልጹ ኣለዉ።
ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ኣብ ዘሎ መውሃቢ ድምጺ’ውን 85 ሚእታዊት ካብቶም ድምጾም ዝሃቡ፡ እታ ዋንጫ ንማንቸስተር ሲቲ ሂቦማ ኣለዉ። ግምት ብዙሓት እንተስዒሩ ከኣ ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ታሪኻ ፈላመይቲ ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣብ ከብሓ ክትሰቅል'ያ።
ማንቸስተር ሲቲ ንሰለስተ ዋናጩ’ያ ተማዕዱ ዘላ፡ ንዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ፡ ንዋንጫ ፕሪምየር ሊግን ንኤፍ ኤ ካፕን።
ማንቸስተር ሲቲ ሰንበት ኣንጻር ቸልሲ ኣብ ዝህልዋ ጸወታ ፕሪምየርሊግ እንተተዓዊታ ቻምፒዮን ፕሪምየርሊግ ከምዝዀነት ከተረጋግጽ’ያ፡ 3 ሰነ ከኣ ኣንጻር ጓል ከተማኣ ማንቸስተር ዩናይትድ ንዋንጫ ኤፍ ኤ ካፕ መን ወሰደ ክትፋለም’ያ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ 14 ግዜ ብምዕዋት ኣብ ቅድሚተ እትስራዕ ማድሪድ፡ ካብ 2015 ኣትሒዛ ጥራይ፡ ነታ ዋንጫ ኣርባዕተ ግዜ ክትዕወተላ ክኢላ’ያ፤ ትማሊ ግን ነዚ ፍናን እዚ ዘዕኑ ስዕረት’ዩ ኣጋጢምዋ። ሕሉፍ ታሪኻ ካብ መሸንቦባ ሽቶታት ሲቲ ኣየዕቀላን።
ሪያል ማድሪድ እዛ ዓመት ኣይቀዳዊታን'ያ ክብሃል ይክኣል’ዩ፤ ብዘይካ'ዚ ትማሊ ዘጋጠመ ገዚፍ ስዕረት፡ ኣብ ላሊጋ’ውን ብባርሲሎና ብገፊሕ ተመሪሓ፤ ባርሴሎና ገና ኣርባዕተ ጸወታ ተሪፍዋ እንከሎ’ያ ዕውትቲ ላሊጋ ኰይና ዘላ።
ናይ ትማሊ ስዕረት ንወንበር ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ካርሎ ኣንቸሎቲ ዘነቓነቐ እዩ። ኣብ መዝነቱ ክጸንሕ ድዩ ኣይጸንሕን ብሕጂ ዝርአ ኰይኑ፡ ኣንቸሎቲ ቅድሚ ሕጂ ብዘመዝገቦ ዓወታት እቲ እንኮ ንዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣርባዕተ ግዜ ዝተዓወተሉ ኣሰልጣኒ ካብ ምዃን ግን ዝዓግቶ የለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







