ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ምስጢር ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን ጥሮታ ዝወጸሉ ኣገባብ

ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን ከም ኣሰልጣኒ ጋንታኡ ናይ መወዳእታ ጸወታ ኣንጻር ዌስትብሮም ኣካይዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን ከም ኣሰልጣኒ ጋንታኡ ናይ መወዳእታ ጸወታ ኣንጻር ዌስትብሮም ኣካይዱ

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ሰኑይ 8 ግንቦት 2013 ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ዘሰንብድ ዜና ተጋዊሑ፤ እታ ጋንታ ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን ጥሮታ ከም ዝወጽእ ኣረጋጊጻ።

ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት፡ ማንቸስተር ዩናይትድ ንፈርጉሰን ብምስኣና ክሳዕ ሕጂ ኣይሓወየትን ክበሃል ይከኣል።

ኣብቲ ስራሕ ንኣስታት 27 ዓመታት ዝጸንሐ ስኮትላንዳዊ ኣሌክስ ፈርጉሰን፡ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ብሪጣንያ ዝያዳ ዝተሰለመ ኣሰልጣኒ’ዩ።

ሕጂ ወዲ 81 ዓመት ዝዀነ ፈርጉሰን ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ፡ 13 ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ፡ 5 ኤፍኤ ካፕ፡ 4 ሊግ ካፕ፡ 2 ሻምፕዮንስ ሊግ፡ 1 ዋንጫ ተዓወትቲ ዋንጫ ኤውሮጳ፡ 1 ዋንጫ ሱፐር ካፕ ኤውሮጳ፡ 1 ዋንጫ ኢንተርኮንቲነንታልን ዋንጫ ዓለም ፊፋ ክለባትን ተዓዊቱ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ከም ኣሰልጣኒ ኣበርዲን፡ 3 ሻምፕዮና ስኮትላንድ፡ 4 ዋንጫታት ስኮትላንድ፡ 1 ዋንጫ ሊግ ስኮትላንድ፡ 1 ዋንጫ ተዓወትቲ ዋንጫ ኤውሮጳን 1 ሱፐር ካፕ ኤውሮጳን ከም ዝተዓወተ ይፍለጥ።

ፈርጉሰን፡ ኣብታ 'ኣሌክስ ፈርጉሰን' እትብል ታሪኽ ህይወቱ፡ ንምንታይ ጥሮታ ክወጽእ ከም ዝወሰነ ይዝርዝር።

ብመሰረት ምስታ ክለብ ዝነበሮ ውዕል፡ ክሳዕ 31 መጋቢት ከም ዝለቅቕ ከፍልጥ ግዴታ ከም ዝነበሮ ፈርጉሰን ይገልጽ።

ቢቢሲ ስፖርት ነቲ መስርሕ ንምርዳእ ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ከባቢ ዩናይትድ ንዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ምንጭታት ኣዘራሪቡ።

ኣሌክስ ፈርጉሰን፡ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ብሪጣንያ ዝያዳ ዝተሰለመ ኣሰልጣኒ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣሌክስ ፈርጉሰን፡ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ብሪጣንያ ዝያዳ ዝተሰለመ ኣሰልጣኒ’ዩ

ፍንጪ ሪያል ማድሪድ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ መጀመርታ 2013 ፈርጉሰን ንዋና ኣካያዲ ስራሕ ዩናይትድ ዴቪድ ጊል ብዛዕባ መደብ ጥሮታኡ ገሊጹሉ።

ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ምስ ፈርጉሰን ብቐረባ ዝሰርሐ ጊል፡ ንፈርጉሰን ዝጸውዖ ንሱ ባዕሉ ክወጽእ ከም ዝዀነ ክነግሮ’ዩ ነይሩ።

እንተዀነ ጊል፡ ፈርጉሰን ኣብቲ እዋን ዝነበረ ዓመተ ውድድር ከም ኣሰልጣኒ ናይ መወዳእታ ዓመቱ ምዃኑ ምስ ሰምዐ ተገሪሙ።

እቲ ዜና ንኣዋርሕ ምስጢር ኰይኑ ጸኒሑ።

እታ ከፍልጠሉ ዝግብኣላ መዓልቲ 31 መጋቢት ሓሊፋ ንነዊሕ ግዜ ብዘይካ ወነንቲ ዩናይትድ ዝርከብዎም ሒደት ሰባት ጥራይ፡ ዓለም ፈርጉሰን ከም ዝለቅቕ ኣይፈለጠትን ነይራ።

ይኹን’ምበር፡ ንድሕሪት ተመሊስና እንተሓሲብና ሓደ ዓቢ ፍንጪ ነይሩ።

ብ5 መጋቢት ዩናይትድ ብኣካታዒ መንገዲ ኣንጻር ርያል ማድሪድ ተሳዒራ ካብ ሻምፕዮንስ ሊግ ተባሪራ። ኣብቲ ጸወታ፡ ናይ ክንፊ ኣጥቃዓይ ናኒ ብቀይሕ ክባረር ከሎ ዩናይትድ መሪሕነት ሒዛ ነይራ። ስለዚ ፈርጉሰን ኣዝዩ ተቖጢዑ።

ቢቢሲ ብዛዕባ ጄሰን ዝተበሃለ ወዱ ክትዕ ዝፈጠረ ሰነዳዊ ፊልም ድሕሪ ምስርሑ፡ ፈርጉሰን ን7 ዓመታት ምስ ቢቢሲ ድሕሪ ጸወታ ዝግበር ቃለ መሕትት ኣየካይድን ነይሩ። ኣብ ክንድኡ ተሓጋጋዚኡ ማይክ ፌላን እዩ መግለጺ ዝህብ።

ፈርጉሰን ድሕሪ ጸወታ መግለጺ ዝህብ ዝነበረ ጸወታታት ኤውሮጳ ጥራይ እዩ፤ ንሱ’ውን ከምኡ ክገብር ውዕላዊ ረቛሒ ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ዩ።

ኣንጻር ርያል ማድሪድ ዝነበረ ጸወታን ዓቢ ትኹረት ዝተወሃቦ እዩ፣ ብተወሳኺ ፈርጉሰን ኣብ ድሕሪ ጸወታታት ኤውሮጳ መግለጺ ክህብ ግዴታኡ እዩ። እዚ እናሃለወ ግን ኣብቲ እዋን መግለጺ ዝሃበ ፈርጉሰን ዘይኰነስ ፌላን’ዩ ነይሩ።

ፈርጉሰን ኣብ ቅድሚ ሚድያ ዝዀነ ዝጣዓሰሉ ነገር ከይዛረብ ዝተገብረ ጥንቃቐ እዩ።

ፌላን ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፈርጉሰን "ተጨኒቑ" ከም ዘሎን መግለጺ ንምሃብ "ኣብ ምቹእ ኵነታት ከም ዘይኰነን" ሓቢሩ።

ፈርጉሰን፡ ዋንጫ ሻምፕዮንስ ሊግ ዳግማይ ክዕወት ዕቱብ ትምኒት ነይርዎ፤ ኣብቲ እዋን ዩናይትድ ብማድሪድ ተሳዒራ ካብቲ ውድድር ተባሪራ ማለት ድማ ትምኒት ፈርጉሰን ክፍጸም ኣይክእልን፤ እቲ ኣሰልጣኒ ነታ ኣዝዩ ዝምነያ ዋንጫ ዳግማይ ንምልዓል ዝረኸቦ ናይ መወዳእታ ዕድል ከም ዝተዛዘመ ዘመልክት እዩ።

ኣብ ብቕዓት ቱርካዊ ዳኛ ኩኔት ካኪር ዘርኣዮ ውህደት ቁጥዐን ዘይምእማንን ዝያዳ ዝተጋደደ፡ ፈርጉሰን ነዚ ዕድል ዳግማይ ክረክብ ከም ዘይኽእል ብምፍላጡ እዩ።

ውጥን ምትዕርራይ

ኣብ ሚያዝያ እቲ ሚስጥር ናብ ካልኦት ሰባት በጺሑ።

ሽዑ እውን እንተዀነ፡ እቶም ብስርሒታዊ ምኽንያት ክፈልጡ ዝነበሮምን ብቐንዱ ክእመኑ ዝኽእሉን ሰባት ጥራይ እዮም ተነጊርዎም።

ኣብ 22 ሚያዝያ ሮቢን ቫን ፐርሲ ኣብ ልዕሊ ኣስቶንቪላ ሃትሪክ ብምምዝጋብ ዩናይትድ 3ብ0 ተዓዊታ። ሽዑ ዋንጫ ፕሪሚየር ሊግ ከም እትዓትር ኣውሒሳ።

ኣብቲ እዋን ዩናይትድ ነቲ ዋንጫ ንምጽንባል ኣብ ክፍትቲ ኣውቶቡስ ምርኢት ከተዳሉ ምዃና ኣይተፈልጠን ነይሩ።

ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ኣብ 2008 ፕሪሚየር ሊግን ሻምፕዮንስ ሊግን ድሕሪ ምዕዋታ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዝቕጽል ዓመተ ውድድር ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ ዓቲራ ናብ ፍጻመ ሻምፕዮንስ ሊግ ክትሓልፍ ከላ ኣብ ክፍትቲ ኣውቶቡስ ብዝካየድ ምርኢት ናይ ምጽንባል ስርዓት ኣየካየደትን።

ይኹን’ምበር፡ ማንቸስተር ሲቲ ቅድሚ 12 ኣዋርሕ ብክፉት ኣውቶቡስ ናይ ገዛእ ርእሳ ዓወት ኣኽቢራ ስለዝነበረት፡ ዩናይትድ’ውን ከምኡ ክትገብር እንተደለየት ኣዝዩ ዝገርም ኣይኰነን።

እቶም ኣብታ ክለብ ዝነበሩ ወሰንቲ ህሞታት ናይ ምውዕዋዕ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ነቲ ውጥን ክደፍእሉ ተነጊርዎም። ንመበል 20 ግዜ ዝተረኸበ ዓወት’ዩ ተባሂሎም። ብድሕሪ’ዚ ድርኺት ግን ካልእ ዝፍለጥ ነገር ነይሩ፤ ናይ ፈርጉሰን ናይ መወዳእታ ዓመት እውን ነይሩ።

ሽዑ’ውን እንተዀነ ነቲ ክውንነት ዝፈልጡ ሒደት ነይሮም። ፈርጉሰን ጡረታ ከም ዝወጽእ ሮቡዕ 8 ግንቦት ንጉሆ ክግለጽ’ዩ መደብ ተታሒዙ።

ኣብ መንጎ ኣባላት እታ ጋንታ ወረ ተዘርጊሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መንጎ ኣባላት እታ ጋንታ ወረ ተዘርጊሑ

ሰሉስ ንግሆ ድማ ዝተፈላለዩ ኣባላት ሰራሕተኛታት ኣኼባ ተጸዊዖም።

ንጽባሒቱ ንግሆ ዕላዊ ንዝግበር ዓቢ መግለጺ ክዳለዉ ተነጊርዎም። ቃና ናይቲ ኣኼባ እቶም ሰራሕተኛታት ምስ ዝውውር ወይ ስፖንሰርሺፕ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ንክኣምኑ ምምራሕ’ዩ ነይሩ።

ግን፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኣኼባ፡ ሓደ ድምጺ "ንጉስ ሞይቱ፡ ንጉስ ንዘልዓለም ይነብር" ኢሉ ጨዲሩ። እቶም ነቲ ሚስጥር ዝፈልጡ ዝነበሩ ሰባት ደንጽይዎም።

ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ እቲ ወረ ተዘርጊሑ።

ግምታት እናተዘርገሐ ምስ ከደ፡ እቶም ዝፈልጡ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ምስጢሮም ይወጽእ ከም ዘሎ ተረዲኦም።

ቁልፊ ሰራሕተኛታት መርበብ ሓበሬታ ንጽባሒቱ ንግሆ ሰዓት ኣብ ኦልድትራፎርድ ክርከቡ ተነጊርዎም።

እቲ መግለጺ

ኣብታ መዓልቲ ምሸት ግን ፈርጉሰን ከም ዝለቅቕ ዝሕብሩ ዛንታታት ኣብ ኢንተርነት ተዘርጊሖም።

ንጽባሒቱ ንግሆ እቲ ወረ ብራድዮን ቲቪን ይመሓላለፍ ነይሩ። ፈርጉሰን ኣይተሓጎሰን፤ ድልየቱ ነቲ ሓበሬታ ባዕሉ ክገልጽ’ዩ ነይሩ ።

እቶም ብቐረባ ምስኡ ዝሰርሑ ዝነበሩ ምስ መጹ፡ እቲ ሓበሬታ ብዝወጸሉ ኣገባብ ይቕሬታ ሓቲቱ፡ ሓቂ ከም ዝዀነ ድማ ኣረጋጊጹ።

ብድሕሪኡ ዝዀነ ነገር ከም ዘይተፈጠረ ነተን ናይ መወዳእታ ክልተ ጸወታታት - ኣንጻር ስዋንሲን ዌስትብሮምን - ምድላዋት ክግበር ጀሚሩ።

ድሕሪኡ ፈርጉሰን ናብ ተጻወትቱ ከይዱ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ እቲ ወግዓዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ይዳሎ ነይሩ። ካብቲ ቀጥታዊ ፈነወ ድማ 10 ደቓይቕ ጥራይ ኣኧዲሙ’ዩ ተዛዚሙ።

እቶም ተጻወትቲ ኣብ መወዳእታ ፈርጉሰን ክለቅቕ ምዃኑ ዝረኸብዎ እፎይታን ብዝዀነ ሓሳቡ ቀይሩ ዝመጽእ ዓመተ ውድድር ከም ዝምለስን ብዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ዋዛታት ግብረ መልሲ ሂቦም።

መርበብ ሓበሬታ ዩናይትድ ብዝሒ በጻሕቲ ክጻወሮ ስለዘይከኣለ ንእተወሰነ እዋን ስርሑ ተቛሪጹ ነይሩ።

እተን ናይ መወዳእታ ጸወታታት

ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ናይ መወዳእታ መደብ መዘኻኸሪታት ፈርጉሰን ተሓቲሙ።

"ትኽክለኛ ግዜ'ዩ" ኢሉ።

"እቲ ትካል ኣብ ዝበለጸ ብቕዓት እንከሎ ክለቕቕ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ፡ ከምኡ ከምዝገበርኩ ድማ እኣምን።"

ንበዓልቲ ቤቱን ስድርኡን፡ ተጻወትቱን ሰራሕተኛታቱን፡ ኣፈ ታሪኽን ዓርኩን ክለብ ሰር ቦቢ ቻርልተን፡ ጊልን ስድራቤት ግሌዘርን (ወነንቲ ማን ዩናይትድ) ኣመስጊኑ።

“ንክለብኩም ክመርሕ ዕድል ምርካበይ ክብርን ዓቢ ፍሉይ ዕድልን'ዩ፡ ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ኰይነ ዘገልገልኩሉ ግዜ ድማ የኽብሮ'የ" ብምባል ንደገፍቲ ኣመስጊኑ ዛዚሙ።

ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ናይ ፍራንክ ሲናትራ 'ማይ ዌይ' ከምኡ'ውን ናይ ናት ኪንግ ኮል 'ኣንፎርጌታብል' ዝብላ ደርፍታት ተሰሚዐን።

ኣብ ከባቢ ኦልድትራፎርድ ዝርከቡ ሸየጥቲ፡ ቅድሚ’ታ ናይ መወዳእታ ጸወታ ኣንጻር ስዋንሲ መዘከርታ ማልያታት ንምፍራይ ቅልጡፍ ስራሕ ሰሪሖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከባቢ ኦልድትራፎርድ ዝርከቡ ሸየጥቲ፡ ቅድሚ’ታ ናይ መወዳእታ ጸወታ ኣንጻር ስዋንሲ መዘከርታ ማልያታት ንምፍራይ ቅልጡፍ ስራሕ ሰሪሖም

ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ኣንጻር ዌስትብሮም ብሓቂ መወዳእታ ነይሩ።

ተጻወትቲ ዩናይትድ፡ ፈርጉሰን ዝተወልደሉ ዓመት ንምኽባር ናይ 1941 ሮሌክስ ሰዓት ሸሊሞሞ፤ ኣብ ዩናይትድ ዝነበረሉ ግዜ ዝገልጽ መጽሓፍ ስእልታት’ውን ሂቦሞ።

እታ ናይ መወዳእታ ጸወታ ምስ ተጀመረት፡ ማን ዩናይትድ ሮሜሉ ሉካኩ ብዘመዝገቦ ሃትሪክ 5 ን 2 እኳ እንተመርሐት፡ ዌስትብሮም ግን ተቓሊሳ ማዕረ ክትወጽእ ክኢላ። ኣብቲ እዋን ከምቲ ልሙድ፡ ፈርግሰን ብብስጭት ማስቲካ ክሓይኽ ተራእዩ። ይኹን’ምበር፡ እቶም ኣብ ቀረባ ዝነበሩ፡ እቲ ልሙድ ሕርቃን ፈርጉሰን ከም ዝንከየ ኣስተብሂሎም’ዮም።

መወዳእታ ዘመን

ንድሕሪት ተመሊስና ክንርእዮ ከለና፡ ዩናይትድ ብርክት ዝበሉ ጌጋታት ኣብ ምፍጻም እያ ነይራ።

ሽዑ ምሸት ፍርቂ ደርዘን ዝዀኑ ወሰንቲ ሰራሕተኛታት እታ ጋንታ ተኣኪቦም እናሰተዩ እንታይ ከም ዘጋጠመን ዩናይትድ ካብኡ ናበይ ከም እትኸደን ኣውጊዖም።

መጻኢ መደባት ንምዝርዛር ዝተወጠኑ ዓበይቲ ኣኼባታት ኣይነበሩን።

6 ንሽዱሽተ ዓመት ውዕል ናብ ኦልድትራፎርድ ዝመጸ ዴቪድ ሞየስ ድሕሪ 10 ኣዋርሕ ተባሪሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንሽዱሽተ ዓመት ውዕል ናብ ኦልድትራፎርድ ዝመጸ ዴቪድ ሞየስ ድሕሪ 10 ኣዋርሕ ተባሪሩ

ፈርጉሰን፡ ህላወኡ ንሞየስ ከም ዘይድርቶ ንምርግጋጽ፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ፤ ንምንታይ እዚ ከም ዝወሰነ ድማ ርዱእ እዩ።

እቲ ንምእማኑ ዘጸግም ዩናይትድ ንሞየስ ካብቲ ዝተረፈ ናይ ኤቨርተን ውዕሉ ኣይዓደገቶን። ካብቲ ናይ መወዳእታ ጸወታ ፈርጉሰን ድሕሪ ወርሕን ፈረቓን እዩ ስራሑ ብግቡእ ጀሚሩ።

እንተዀነ፡ ሽዑ ሞየስ ከርክብ ይጽዕር ብምንባሩ ተደላዲሉ ክሰርሕ ኣይከኣለን።

ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ ጊል፡ ስኮልስ፡ ፌላን፡ ሜውለንስቲን፡ ኣሰልጣኒ ሓላዊ ልዳት ኤሪክ ስቲል፡ ፈርዲናንድ፡ ቪዲችን ፓትሪስ ኤቭራን ኩሎም ካብታ ክለብ ወጺኦም። ጊግስ’ውን ጥሮታ ወጺኡ።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት፡ ኣሰልጣኒ ጋንታ መንእሰያት ፖል ማክጊነስን ዳይረክተር ኣካዳሚ ብራያን ማክሌርን እውን ወጺኦም።

ብሓቂ መወዳእታ ሓደ ዘመን’ዩ ነይሩ። ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ዳግማይ ከም ቀደሙ ዝዀን ነገር ኣይክህሉን።