እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝወጠነቶ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ብኸመይ ተቓሊዑ?

መራሕቲ ኣመሪካን እስራኤልን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣመሪካ እቲ እስራኤል ንኢራን ከተጥቅዕ ዝወጠነቶ መደብ ዝሓዘ ምስጢራዊ ሰነዳት ብኸመይ ልሒዅ ከምዝወጽአ ትምርምር ምህላዋ ኣፈኛ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ማይክ ጆንሰን ኣረጋጊጹ።

እቶም ሰነዳት ዝሓለፈ ሰሙን ብኢንተርነት ዝተዘርግሑ ኰይኖም፡ እስራኤል ነቲ ብ 1 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ኢራን ሕነ ንምፍዳይ፡ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ከተዳሉ ከላ ዘርኢ ምስሊ ሳተላይት ዝገልጹ ምዃኖም ይንገር።

እቶም ‘ልዑል ምስጢር’ ዝብል ምልክት ዘለዎም ሰነዳት፡ ኣብ መንጎ እተን ‘ኪዳን ስለያ ሓሙሽተ ዓይኒ’ ብዝብል ዝፍለጣ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ካናዳ፡ ኒውዚላንድን ኣውስትራልያን ዝዝርግሑ ምንባሮም ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ጸብጺቡ።

እስራኤል ንመጥቃዕቲ ሚሳይል ኢራን ብኸመይን መዓስን ሕነ ክትፈዲ ከምዘለዋ ንሰሙናት ክትሓስበሉ ምጽንሓ ይፍለጥ። እቲ ግብረ-መልሲ “ኣዝዩ ሓደገኛ፣ ዒላማ ዝነጸረን ሃንደበታውን” ከምዝኸውን ድማ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

እቶም ክልተ ሰነዳት ምስ ሃገራዊ ትካል ስለያ ጂኦስፓስያልን ትካል ሃገራዊ ድሕነትን ኣመሪካ ከምዝተሓሓዙ ዝግለጽ ኰይኑ ብዓርቢ ኣብቲ ምስ ኢራን ምትእስሳር ዘለዎ ኣካውንት ቴሌግራም ከምዝተዘርግሑ ተሓቢሩ።

ኣፈኛ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ማይክ ጆንሰን ትማሊ ሰንበት ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ምልሓዅ ኣዝዩ ዘሻቕልዩ" ኢሉ።

"ገለ ከበድቲ ክስታት ይቐርቡ ኣለዉ፤ መርመራ ይካየድ ኣሎ። ድሕሪ ገለ ሰዓታት ድማ ብዛዕባ እዚ ሓበሬታ ክረክብ እየ" ኢሉ እቲ ኣባል ባይቶ።

ፔንታጎን (ምክልኻል ኣመሪካ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብዛዕባ እቶም ሰነዳት ዝዝርጋሕ ዘሎ ጸብጻባት ከምዝፈልጥ’ኳ እንተረጋገጸ ተወሳኺ ርእይቶ ግን ኣይሃበን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ምስዚ ጉዳይ ዝተኣሳሰሩ ትካላት ኣመሪካ ከምኡ’ውን መንግስቲ እስራኤል ብዛዕባ’ቲ ልሒዅ ዝወጽአ ምስጢራዊ ሰነዳት ወግዓዊ ርእይቶ ኣይሃቡን።

ንምልሓዅ እቲ ሰነድ ፈለማ ዝጸብጸባ ሲኤንኤንን ኣብ ኣመሪካ እትርከብ መርበብ ዜና ኣክሲዮስን፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ናይ ቀረባ መሓዛኣ እስራኤል ከም እትስሊ ደጊሙ ከምዘረጋግጽ ኣመልኪተን።

ሓደ በዓል ስልጣን ስለያ ኣመሪካ ነበር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ብዘይፍቓድ ዝተፈነወ ጥቡቕ ምስጢራዊ ሰነድ ምናልባት ንዓቐን ዝተሓሰበ ስጉምቲ ሕነ ምፍዳይ ንምቅላዕ ዝግበር ፈተነ ወይ ምናልባት ንዕኡ ንምትእጕጓል ዝተፈጸመ ክኸውን ከምዝኽእል ተዛሪቡ።

ኣመሪካ እቲ ሓበሬታ ኮነ ኢልካ ብስለያ ኣመሪካ ዝተፈነወ ድዩ ወይስ ብስምሰራ (ሃኪን) ዝተሰርቀ ምዃኑ ንምርግጋጽ ትምርምር ከምዘላ ሰበስልጣን ንኣሶሸይትድ ፕረስ (ኤፒ) ገሊጾም።

እቶም ክልተ ሰነዳት ካብ 15-16 ጥቅምቲ ኣብ ዝተረኽበ ሓበሬታ ሳተላይት ዝተመርኮሱ ይመስሉ።

እቲ ቀዳማይ "እስራኤል፡ ሓይሊ ኣየር ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ንምፍናው ምድላዋት ቀጺሉን ዓቢ ሓይሊ ዝተሳተፈሉ ካልኣይ ልምምድ ኣካይዱን" ዝብል ኣርእስቲ ከምዘለዎ ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት። ባሊስቲክን ካብ ኣየር ናብ መሬትን ዝትኰሱ ሚሳይላትን ድማ ይጠቅስ።

እቲ ካልኣይ ከኣ "እስራኤል፡ ሓይልታት ምክልኻል ዳርጋ ብርግጸኛነት ንኢራን ንምጥቃዕ ውሳኒ ምድላዋት ኣጽዋርን ሕቡእ ንጥፈታት ሰብኣልቦ ነፈርትን ምክያዱ ቀጺሉ ኣሎ" ዝብል ኣርእስቲ ኣለዎ። ብዛዕባ ምንቅስቓስ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እስራኤል እውን ይገልጽ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን እስራኤል እንታይ ትሓስብ ከምዘላ "ጽቡቕ ርድኢት" ከምዘለዎ ብዓርቢ ገሊጹ።

"እስራኤል ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ንምፍዳይ እንታይ ክትገብር ምዃና እኹል ርድኢት ኣለካ’ዶ? ብጭቡጥ መዓስ ምላሽ ከም ዝህቡኸ?" ክብል ሓደ ጋዜጠኛ ሓቲትዎ።

ባይደን ድማ "እወ " ክብል መሊሱሉ።

"ክትነግረና’ዶ ትኽእል?" ክብል መሊሱ ሓቲቱ እቲ ጋዜጠኛ።

ሓጺር መልሲ ባይደን "ኣይክእልን" ዝብል ነይሩ።

እስራኤል ብ 1ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ኢራን ተፈጺምዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images