ሕዝቡላሕ ንመንበሪ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ደብዲቡ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ንውልቃዊ መንበሪ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብሊባኖሳዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቡላሕ ከምዝተፈጸመ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እስራኤል ኣብ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ቂሳርያ ኣብ ዝርከብ ናይ ውልቀ መንበሪ ኔታንያሁ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ሰራዊት እስራኤል ካብ ሊባኖስ ሰለስተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘፍሸለ ድሕሪ ምግላጹ እዩ ተፈጺሙ።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ "ኔታንያሁ ይኹን በዓልቲ ቤቱ፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን፡ ኣብቲ ቦታ ኣይነበሩን፤ ከምኡ’ውን በቲ መጥቃዕቲ ዝተጐድአ ሰብ የለን" ኢሉ።
ኔታንያሁ ድሕሪ'ቲ ኣብ ናይ ብሕቲ መንበሪ ገዝኡ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ "ዝኾነ ንዜጋታት እስራኤል ክጎድእ ዝፍትን ኣካል ከቢድ ዋጋ ክኸፍል'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኤክስ ገጹ ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ፡ "ብኢራን ዝምወል ሕዝቡላሕ ንዓይን ንበዓልቲ ቤተይን ክቐትለኒ ዝገበሮ ፈተነ ዓቢ ጌጋ እዩ" ኢሉ።
መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢራን ‘ኢርና’፡ እቲ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብሕዝቡላሕ ዝተፈጸመ ምዃኑ ሓቢሩ።
ወኪል ኢራን ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ "እቲ ትዛረቦ ዘለኻ ስጉምቲ ብሕዝቡላሕ ኣብ ሊባኖስ ዝተወስደ እዩ" ክብል ምላሽ ሂቡ።
ሓደ ካብቲ ትማሊ ቀዳም ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ከተማ ቂሳርያ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ከምዝዀነ፡ ምስ ዕጡቕ ጉጅለ ሊባኖስ ኣብ ውግእ ዝርከብ ሓደ ኣባል ሰራዊት እስራኤል ሓቢሩ።
ይኹን እምበር መንግስቲ እስራኤል እቲ በታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዝተሃርመ ህንጻ ኣካል መንበሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ድዩ ኣይኮነን፣ ከምኡ ድማ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዘስዓቦ ጉድኣት ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ምዃኑ ኣይገለጸን።
ኣመሪካዊ ምንጪ ዜና ኢንተርኔት ኣክሲዮስ ከምዝሓበሮ፡ ብሕዝቡላሕ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣብ ገዛ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝዀነ ፀብፂቡ ኣሎ።
ቀዳም ንግሆ "ሰለስተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ካብ ሊባኖስ ተበጊሰን ናብታ ሃገር ኣትየን። ካብኣተን ክልተ ተወቒዐን፤ ሓንቲ ግና ነቲ ህንጻ ወቒዓ፤ እንተኾነ ዝኾነ ጉድኣት ኣይበጽሐን" ክብል ንሰራዊት እስራኤል ጠቒሱ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ኣብተን ሕጂ መጥቃዕቲ ዝበጽሐን ዘለዋ ከተማታት ቂሳርያን ኢየሩሳሌምን ክልተ ናይ ብሕቲ መንበሪ ኣባይቲ ኣለዎ።
ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ኣግዮን ዝበሃል ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ምሕዳስ ዝርከብ ገዝኡ እውን ይነብር።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ትማሊ ቀዳም ብሕዝቡላሕ ካብ ሊባኖስ ናብ እስራኤል ክሳብ 200 ሮኬታት ከምዝተወንጨፈ ሓቢሩ።
ብኣንጻሩ እስራኤል ምስ ሕዝቡላሕ ምትእስሳር ኣለዎም ተባሂሉ ኣብ ዝእመነሎም ዒላማታት ምጥቃዕ ቀጺላ ኣላ፡ ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ልዕሊ መንበሪኡ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ ንዕኡን ሃገሩን "ክሳብ ዓወት" ንሓማስ ካብ ምቅላስ ዝዓግቶ ነገር ከምዘየለ ገሊጹ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርገሖ ቪድዮ፡ "ነቲ ቀንዲ ቀዛፊ ያሕያ ሲንዋር ኣወጊድናዮ ኣለና። እቲ ነካይዶ ዘለና ኲናት ክሳብ መወዳእታ ክቕጽል'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ድሕሪ ቅትለት መራሒ ሓማስ ያሕያ ሲንዋር፡ ሕዝቡላሕ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሕነ-ንምፍዳይ ሓድሽን ከቢድን መጥቃዕቲ ከም ዝፍጽም ተሓንዩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







