ሕዝቡላህ፡ ኣብ እስራኤል ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ድሮን ወተሃደራት ተቐቲሎም

ሕዝቡላሕ ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ድሮን፡ 4 እስራኤላውያን ወተሃደራት ተቐቲሎም ልዕሊ 60 ተጐዲኦም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ንዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ዒላማ ብዝገበረ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ኣርባዕተ ወተሃደራት ከም ዝተቐተሉን 58 ከም ዝቖሰሉን ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣፍሊጡ።

ካብ ደቡባዊ ሃይፋ 33 ኪሎሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ መደብር ሰራዊት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ካብቶም ዝቖሰሉ እቶም ሸውዓተ ወተሃደራት ኸቢድ ጉድኣት ከምዘበጽሖም ኣፍሊጡ።

ሕዝቡላሕ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ሓላፍነት ብምውሳድ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ቴልኣቪቭን ሃይፋን ዝርከብ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ብርጌድ ጎላኒ ዝስልጥነሉ መዓስከር ዒላማ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ።

ቤት-ጽሕፈት ሚድያ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፡ እቲ መጥቃዕቲ እስራኤል ብሓሙስ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስን ቤይሩትን ንዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዓጸፋዊ ምላሽ ከም ዝኾነ ገሊጹ።

ሕዝቡላሕ፡ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ዝርከብ መዓስከር “ሰብኣልቦ ነፈርቲ” ተጠቒሙ ዒላማ ከም ዝገበሮ ሓቢሩ።

ኣገልግሎት ኣምቡላንስ እስራኤል፡ በቲ መጥቃዕቲ 61 ሰባት ከም ዝተጐድኡን ሰለስተ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከም ዝርከቡን ገሊጹ።

ካብዚኦም እቶም 37 ናብ ሸውዓተ ዞባዊ ሆስፒታላት ብኣምቡላንስ ወይ ሄሊኮፕተር ከም ዝተወሰዱ ኣፍሊጡ።

ገለ መራኸብቲ ሓፋሽ እስራኤል፡ እቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ካብ ሊባኖስ ብዝተወንጨፈ ትሑት ደረጃ ብዘለዎ ድሮን ከም ዝተወቕዐ ኣቓሊሓን።

እዘን ሰብኣልቦ ነፈርቲ ዘይተራቐቐ ኣጽዋር ዝተዓጠቓ ብምዃነን፡ ቅድመ-መጠንቀቕታ ከይድወል ምኽንያት ከም ዝኾና እዩ ዝግለጽ።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ዜናታት ተሌቬዥን፣ መሕበራዊ ሚድያን፡ ሄሊኮፕተራት ሓዊሱ ነቶም ዝተጐድኡ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ናብ ዝርከቡ ሆስፒታላት እንተውስዳ ዘርእይ ምስልታት ዘርጊሖም።

ዝበዝሑ ዝተጐድኡ ኣብ ጥቓ ሃደራ ናብ ዝርከብ ማእኸል ሕክምና ሂሌል ያፈ፡ ካልኦቶም ድማ ኣብ ተል ሃሾመር፣ ሃይፋ፣ ኣፉላን ኔታንያን ናብ ዝርከቡ ሆስፒታላት ተወሲዶም።

ኣብዚ ፍጻመ ዝርዝር ሓበሬታ እኳ እንተዘይሃለወ፡ መብዛሕትኦም ግዳያት ኣብ ሓባራዊ ካፍቴርያ እንከለዉ ሃንደበት ዝተወቕዑ ይመስሉ።