ኣገዳሲ ጥንቃቐ! ማይ እንሕዘሉ ጥርሙዝ ብዝግባእ'ዶ ነጽርዮ?

ምስሊ ጥርሙዝ

ምንጪ ስእሊ, Gorka Olmo/ BBC

ማይ ካብ እንሕዘሉ ጥርሙዝ ወይ ጎማ ሓንቲ ምዕጎ ብዝመዓጕና ቁጽሪ ኣብ ውሽጥና ባክተርያ ንእክብ ምህላውና ንፈልጥ'ዶ ንኸውን?

እቲ ዘሰንብድ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ እቶም ባክተርያታት ብሚልዮናት ክራብሑ ምኽኣሎም እዩ። ኣብዚ ጉዳይ እንታይ ክንገብር ከምዘለና ተመራመርቲ ማዕዳ ኣለዎም።

ካርል ቤንከ፡ እቲ ዳግማይ ዝጥቀመሉ መትሓዚ ማይ ክሳብ ክንደይ ጽሩይ ምዃኑ የተሓሳስቦ ነይሩ። ልስሉስ ወረቐት ናብ ውሽጢ ብምእታው ንዙርያኡ ጸሪጉ ምስረኣዮ ከኣ ሰንበደ።

"ነቲ ወረቐት ክሳብ ዘውጽኦ ጽሩይ እዩ ነይሩ" ይብል እቲ ኣብ ኢንዲያና ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ፐርዱ ክኢላ ድሕነት መግቢ ዝኾነ ቤንከ።

"ኣብ ውሽጢ እቲ ጥርሙዝ ዝተሰምዓኒ ለመጽመጽ ዝብል ስምዒት ብሰንኪ ዓይነት እቲ ኣቕሓ ዘይኮነስ ብሰንኪ ምትእኽኻብ ባክተርያታት ምዃኑ ተረዲኡኒ" ይብል

ቀጺሉ ዝወሰዶ ስጉምቱ መጽናዕቲ ንምክያድ ውጥን ምሕንጻጽ እዩ ነይሩ። ቤንከን መሳርሕቱን ኣብ ሓደ መገዲ ደው ኢሎም ንዝሓልፉ ሰባት ጠጠው እናበሉ 'ጥርሙዝ ማይካ ክንሪኦ ፍቓድካ ድዩ?' እናበሉ ክሓቱ ጀመሩ።

ነዚ ዝገበሩ ድማ ጥርሙዝ ማይ ናይቶም ፍቓደኛታት ዝኾኑ ሓላፍቲ መገዲ ክሳብ ክንደይ ጽሩይ ምዃኑ ከም ኣካል መጽናዕቶም ንምርኣይ ነበረ።

"ሓደ ካብቶም ነቲ ፕሮጀክት ፍሉይ ዝገብርዎ ነገራት እንተሃለወ፡ ቁጽሪ ናይቶም ውጽኢት መትሓዚ ማዮም ክፈልጡ ዘይደለዩ ሰባት ብዙሓት ምዃኖም'ዩ" ይብል ቤንከ።

ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ድማ እቶም ጠራሙዝ ብባክተርያ ከም ዝመልኡ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ውሽጢ'ቶም ንጥቀመሎም መትሓዚ ማይ ዘሎ ነገር ብልክዕ እንታይ እዩ?

ማይ ኣብ ጥርሙዝና ንገለ መዓልታት ምግዳፍ ባክተርያ ንኽዓብዩ ምቹእ ኩነታት ከምዝፈጥር ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዩኒቨርሲቲ ሌስተር ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ክሊኒካዊ ማይክሮባዮሎጂ ፕሪምሮዝ ፍሪስቶን ትዛረብ።

ረኽሲ ደቂ ሰባት ከስዕቡ ዝኽእሉ ባክተርያታት ኣብ ከባቢ 37C (98F) ከምዝራብሑ እተረድእ ፍሪስቶን፡ ኣብ ብመጠን ናይ ገዛ ሙቐት ማለት ከባቢ 20C (68F) እውን ክበዝሑ ይኽእሉ።

"ኣብ ጥርሙዝ ዘሎ ማይ ኣብ ናይ ክፍሊ ሙቐት ብዝተዓቀበ መጠን ባክተርያታት ብዝያዳ ይዓብዩ" ትብል።

ኣብ ሲንጋፖር ዝተኻየደ ካልእ መጽናዕቲ'ውን፡ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ጥቕሚ ኣብ ዝውዕል ጥርሙዝ ማይ ብዝሒ ባክተርያ ብቕልጡፍ ክዓቢ ከምዝኽእል ኣረጋጊጹ'ሎ።

ኣብ ውሽጢ'ቶም ኣባጽሕ ሰባት ዝጥቀሙሎም መትሓዚ ማይ [ጠርሙዝ ወይ ጎማ]፡ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ ሓደ ሚሊ-ሊተር ዝነበሩ ኣስታት 75 ሽሕ ባክተርያታት፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ናብ ልዕሊ ካብ 1-2 ሚልዮን ከም ዝበጽሑ ርኽበት እቲ መጽናዕቲ የመልክት።

ሓደ ካብቲ ንዕብየት ባክተርያ ንምቁጽጻር ዝሕግዝ መንገዲ፡ ጥርሙዝካ ኣብ መንጎ ነብሲ ወከፍ ምዕጎ ኣብ ፍሪጅ ምዕቃብ'ዩ ትብል ፍሪስቶን። እዚ ግን ጠቕሊሉ ነቶም ባክተርያታት ካብ ምርባሕ ዝዓግቶም ኣይኮነን።

ብኽለት ዘርእይ ጥርሙዝ

ምንጪ ስእሊ, Gorka Olmo

ገለ ካብቲ ናይ ጥርሙዝ ማይ ባክተርያዊ ንጥፈታት ካብቲ ማይ ባዕሉ ዝመጽእ ክኸውን ከሎ፡ መብዛሕትኡ ብከላ ግን በቲ ሰታይ እዩ ዝኣቱ። ጥርሙዝና ናብ ስራሕ፣ ናብ ጂምናዝየም፣ ወይ ድማ ኣብ ገዛ ኣቐሚጥካዮ'ውን ደጋዊ ኣካሉ ብዙሓት ተሃዋስያን ምሓዙ ኣይተርፍን።

ብቐጻሊ ኣእዳዎም ዘይሕጸቡ ተጠቀምቲ ጥርሙዝ ማይ፡ እቲ መትሓዚ ማዮም መዐንደሪ ከም 'ኢ-ኮላይ' [E. coli] ዝበሉ ባክተርያታት ከምዝኸውን ፍሪስቶን ተረድእ።

"ከም ኢ.ኮላይ ዝኣመሰሉ ምስ ሰገራ ዝተኣሳሰሩ ባክተርያታት መዕረፊኦም ካብ ኣእዳውና ናብ ከንፈርና ክኸውን ይኽእል'ዩ" ትብል።

ሰባት ብሓፈሻ ካብ 500 ክሳብ 600 ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ባክተርያ ኣብ ኣፍና ከም ዝነብሩ ፍሪስቶን ትዛረብ።

"ረኽሲ ተሰኪምና ዘይክንግንዘቦ ንኽእል ኢና፤ ምኽንያቱ እቲ ዘለና ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ንሕማማት ኣብ ምምካት ኣዝዩ ብርቱዕ ስለዝኾነ" ክትብል ትውስኽ።

ካልእ ኣብ ጥርሙዝና ንዝምዕብል ዕብየት ባክተርያታት ዘቀላጥፍ መገዲ፡ ካብ ጽሩይ ማይ ወጻኢ ካልእ ነገር ናብ ውሽጢ'ቲ መትሓዚ ማይና ምእታው እዩ። ንኣብነት ዝኾነ ሽኮር ዘለዎ መስተ ኣብ ጥርሙዝና ንዘሎ ዝኾነ ዓይነት ባክተርያ ወይ ስየሐ/ሰበባ ብዝያዳ ንኽራባሕ ክገብሮ ይኽእል'ዩ" ትብል ፍሪስቶን።

"ካብ ማይ ወጻኢ ዝኾነ ነገር ናብቲ መትሓዚ ማይና እንትእቲና ንባክተርያን ፋንጋስን ከም መንግስተ ሰማይ'ዩ" ትብል።

እዚ ባክተርያ እዚ ብኸመይ ክጸልወና ይኽእል?

ኩላትና ኣብ ሓመድ፣ ኣየርን ኣብ ኣካላትናን ብባክተርያ ዝተኸበብና ኢና፤ እንተኾነ ግን መብዛሕትኦም ባክተርያታት ዘይጎድኡ ወይ'ውን ጠቐምቲ ምዃኖም ምዝካር የድሊ።

ብከም ኢ.ኮላይ ዝኣመሰሉ ባክተርያ ዝተበከለ ማይ ተምላስ ከስዕብ ይኽእል እዩ፤ እዚ ግን ኩልግዜ ዘጋጥም ኣይኮነን።

ኢ.ኮላይ ልሙዳት ተፈጥሮኣዊ ነበርቲ መዓንጣ ወዲ ሰብ እዮም። እቶም ባክተርያ ረኽሲ ዘስዕቡ ምስ ዝኾኑ ጥራይ፤ ብኻልእ ኣዘራርባ ገለ ጎዳእቲ ዝገብሮም ባህርያት ምስ ዘማዕብሉ እዮም ሰባት ዝሓሙ።

መብዛሕትኦም 'ማይክሮብ' ንደቂ ሰባት ጎዳእቲ ኣይኮኑን፤ እንተኾነ ግን ስርዓተ ምክልኻል ዓቕሞም ዝተዳኸመ ሰባት ንረኽሲ ዝያዳ ተቓላዕቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ፍሪስቶን ትዛረብ።

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ብሰንኪ ናይ ከብዲ ተሃዋስያን ምሕማም፡ ኣብ መዓንጣ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ለውጢ ክመጽእ ይኽእል'ዩ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ዝርከብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ጋዜጣ ዝተወስደ ቅምሶታት፡ ኣብ ውሽጢ መትሓዚ ማይ ጸረ-ነፍሳት ንዝጻወሩ ዓይነታት ባክተርያ ምቹእ መዕበዪ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣረጋጊጹ'ሎ። ተመራመርቲ፡ ኣብቲ ካብ ጥርሙዝ ማይ ዝተወሰደ ቅምሶ፡ 'ክለብሲኤላ ግሪሞንቲ' ዝበሃል ጸረ-ነፍሳት ዝጻወር መከላኸሊ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ዘለዎ ዓይነት ባክተርያ ረኺቦም።

ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ግን፡ ብሰንኪ ሰባት ዝጥቀሙሎም ጥርሙዝ ማይ ዝተረኽበ ኣብነታት ከቢድ ሕማም ኣብ ሳይንሳዊ ጽሑፋት ዘይምህላዉ እዩ። እዚ ማለት ግን ኣየጋጥሙን ማለት ኣይኮነን።

ንጥቀመሉ መትሓዚ ማይ ብኸመይ ከነጽርዮ ይግባእ?

ቤንከ፡ ንመትሓዚ ማዩ "ሓሓሊፉ ብውዑይ ማይ ይሕጸቦ ነይረ። ብሓቂ ካብዚ ንላዕሊ ዝኾነ ነገር ፈጺመ ኣይፈልጥን" ይብል።

ወረቀት ተጠቂሙ ኣብ መትሓዚ ማዩ ንዘካየዶ መበገሲ መርመራታቱ ስዒቡ ግን፡ እቲ ማይ ዝሕዘሉ ኣቕሓ ክሳብ ክንደይ ዝተበከለ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ንሱን መሳርሕቱን ዘካየድዎ መጽናዕቲ ንልምዲ ኣጠቓቕማ ጥርሙዝ ማይ ሰባት ብሰፊሑ ርእዩ።

ቤንከ ምስ ብጾቱ ኣብ ዘካየዶ ምጽናዕቲ ካብቶም ኣብ እዋን እቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ 90 ተሳተፍቲ፡ ልዕሊ ፍርቂ ዝኾኑ ጥርሙዞም ምስ ካልኦት ከም ዝካፈሉ ክዛረቡ ከለዉ 15 ምኢታዊት ድማ ጥርሙዞም ኣጽሪዮም ከም ዘይፈልጡ ገሊጾም።

ጥርሙዞም ብከም ብራሽ ዝኣመሰሉ ናውቲ ዝሓጸቡ ወይ መሕጸቢ ኣቑሑ ዝጥቀሙ ሰባት፡ ኣብ ውሽጦም ዝወሓደ ቁጽሪ ባክተርያ ክህልዎም ይኽእል። ቤከን መሳርሕቱን እውን ሳኒታይዜሽን ዘለዎ መሕጸቢ ኣቑሑ ምጥቃም እቲ ዝበለጸ ኣድማዒ ኣገባብ ክኸውን ከምዝኽእል ይሕብሩ።

ኣብ ፍሪጅ ዝኣተዉ ጠራሙዝ

ምንጪ ስእሊ, Gorka Olmo

ብተወሳኺ እቲ መፅናዕቲ ሻሂ፣ ቡን ወይ ፅማቝ ዝሓዘ ጥርሙዝ ካብቶም ማይ ጥራሕ ዝሓዙ ጥርሙዝ ዝያዳ ዝተበከሉ ምዃኖም ኣረጋጊፁ'ሎ።

ጥርሙዝ ማይና ብስሩዕን ብግቡእን ምጽራይ ጎዳእቲ ባክተርያታት ናብ ውሽጥና ነእትው ከምዘየለና ርግጸኛ ክንኸውን ንኽእለሉ እንኮ መገዲ እዩ።

ዋላ'ውን ኣብ ውሽጡ ዘሎ ማይ ጽሩይ እንተኾነ፡ ምራቕና ናብቲ ጥርሙዝ/ጎማ ስለዝኣትው እቶም ባክተርያታት ብሓጎስ ዝምገብዎ መኣዛታት በቲ ጥፍጣፍና ኣቢሉ ክበጽሖም ከምዝኽእል ፍሪስቶን ተረድእ።

ጥርሙዝና ብዝሑል ማይ ጥራይ ምሕጻብ እኹል ኣይኮነን ትብል ፍሪስቶን። ምኽንያቱ በዚ መገዲ ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ገጽ ጥርሙዝና ክእከብ ዝኽእል መንጸፍ ባክተርያ ክነወግዶ ስለዘይንኽእል። እዚ ድማ እቶም ባክተርያታት ንኽራብሑ ምቹእ ኩነታት ይፈጥረሎም።

ፍሪስቶን፡ ብቐጻሊ ንጥቀመሉ ጥርሙዝ ብውዑይ ማይ (60C (140F) - እዚ ሙቐት ንመብዛሕትኦም ረኽሲ ዘስዕቡ ባእታታት ስለዝቐትል)፡ ከምኡ'ውን መሕጸቢ ፈሳሲ ምጥቃም ትምዕድ።

ውሽጡ ብዝግባእ ክነጽርዮን ነቲ ጥርሙዝ ን10 ደቓይቕ ዘፍዚፍና ብምግዳፍ ብውዑይ ማይ ጽቡቕ ጌርና ክንሓጽቦን ትዛረብ።

ድሕሪኡ፡ እቲ ጥርሙዝ ብኣየር ክነቅጽ ምግባር። እዚ ኣብ ጥርሙዝና ባክተርያ ንኸይእከብ እቲ ዝበለጸ መገዲ እዩ፡ ምኽንያቱ እቶም ተሃዋስያን ርጥብ ዝበለ ከባቢ ስለዝመርጹ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጠቓቕማ መትሓዚ ማይና በዚ መንገዲ ከነጽርዮ ኣለና፤- ወይ ድማ እንተወሓደ፡ ኣብ ሰሙን ብተደጋጋሚ ትብል ፍሪስቶን። ክሳብ ኣብ ውሽጡ ለመጽመጽ ዝብል ነገር ምፍጣር ዝጅምር ፈጺምኩም ኣይትጸበዩ ክትብል ተጠንቅቕ።

"ጥርሙዝካ ክሽትት እንተጀሚሩ፡ ክትድርብዮ ኣብ ዝግበኣካ ደረጃ በጺሑ'ሎ ማለት እዩ" ትብል።

ክንጥቀመሉ ዘይግብኣና ዓይነት መትሓዚ ማይ ኣሎ ድዩ?

ገለ መጽናዕትታት፡ ጻዕቂ ባክተርያ ናይ ፕላስቲክ ጥርሙዝ ካብ ናይ ዘይምርት ሓጺን ጥርሙዝ ዝለዓለ ክኸውን ከም ዝኽእል እኳ እንተገለጹ፡ እቲ ዝዓበየ ለውጢ ከምዝጽእ ዝኽእል ግን ንጥቀመሉ ኣገባብ ጽሬት'ዩ።

ፍሪስቶን ንነፍሲ ወከፍ ክፋል ናይቲ ጥርሙዝ ማይ፡ እንተላይ ንደገ፡ መኽደኒኡን ካልእ ክፋሉን ምጽራይና ምርግጋጽ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ተዘኻኽር።

ይኹን እምበር ካብ ፕላስቲክ ንላዕሊ ካብ ሓጺን ዝተሰርሐ ንምምራጽ ካልእ ምኽንያት ክህሉ ይኽእል እዩ።

ኣብ ቀጠር ኣብ ዝርከብ ዌይል ኮርነል ሜዲሲን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ክሊኒካዊ ሳይንስ ጥዕና ማሕበረሰብ ኣሚት ካብ ብርጭቆ ወይ ካብ ዘይምርት ሓጺን ዝተሰርሑ መትሓዚ ማይ ውሑሳት ኣማራጺታት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይሕብር።

ዝኾነ ዓይነት ጥርሙዝ ማይ ንምረጽ ብዘየገድስ፡ እቲ ወሳኒ ነገር ዝኸውን እቲ እትሰትዮ ማይ ብጎዳእቲ ባክተርያ ከምዘይተመልአ ንምርግጋጽ፡ ጽቡቕ ልምዲ ጽሬት ምውናን መሰረታዊ ይኸውን።