ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ካብ ሓሳኹ ዝዳሎ ፓስታ

ኣብ ቤት ብልዒ ቱሪን እትምገብ ሰበይቲ
መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ፓስታ ሓሰኻ ዘቕርብ ቤት ብልዒ ቱሪን፡ ዓማዊል ካብ ዕንጭራር ዝዳሎ ፍርያት ንምጥዓም ይመጹ

ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ኣብ ሓደ ገዛ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዕንጭራር ዝመልኡ መትሓዚታት ኣብ ርእሲ ርእሲ ተደራሪቦም ይርኣዩ።

እቶም ዝዘሉን ብርቱዕ ድምጽን ዝገብሩ ዘለው ዕንጭራር፡ መግቢ ሰባት ክኾኑ ዝዳለው ዘለው እዮም።

እቲ መስርሕ ቀሊል እዩ፡ ናብ በረድ ከምዝቕየሩ ይግበር፡ ኣብ ዝፈልሐ ማይ ይጥጠቑ እሞ ይጠሓኑ።

ኣብቲ ኣብ ኢጣልያ ዝዓበየ ሕርሻ ዕንጭራር፡ ከባቢ ሓደ ሚልዮን ዝበጽሑ ዕንጭራር መዓልታዊ፡ ናብ እታዋት መግቢ ሰባት ይቕየሩ።

ነቲ ሕርሻ ዘካይድ ኢቫን ኣልባኖ፡ ንሓደ መትሓዚ ሓርጭ ክፍት ኣቢሉ፡ ኣብ ምስራሕ ፓስታ፡ ሕብስቲ፡ ኬክን ስፖርታዊ መስተን ዘገልግል ጽዕድው ዝበለ ሓርጭ ኣርእዩና።

ዕንጭራር፡ ጻጸን ሓሳኸዑን ምብላዕ ኣብ ከም እስያ ዝኣመሰሉ ክፋላት ዓለም ንኣሽሓት ዓመታት ዝጸንሐ ልምዲ እዩ።

ሕጂ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ፈለማ እዚ ዓመት፡ ሓሸራታት ሰባት ክምገብዎም ክሽየጡ ድሕሪ ምፍቃዱ፡ ሕጂ ኣብ ኣውሮጳ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ይመጽእ ዶ ይኸውን?

ብርግጽ ኣብ ጉዳይ ምምጋብ ሓሸራ ካብ መላእ ኣውሮጳ ከም ኢጣልያውያን ተሪር ተቓውሞ ዘርኣየ ህዝቢ ከምዘይነበረ ሓበሬታታት ‘ዩጎቭ’ የርኢ።

እቲ ተቓውሞ ከኣ ካብ ላዕሊ ዝመጸ እዩ ኔሩ። መንግስቲ፡ ሓሸራታት ኣብ ፒሳን ፓስታን ከይኣትው ከልኪሉ እዩ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ማቴዎ ሳልቪኒ ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ “ነዚ ንሕርሻናን ባህልናን ዝብርዝ ጽላለ ብዝከኣለና ኩሉ ክንቃወሞ ኢና፡” ኢሉ።

እንተኾነ ግና ሕጂ እዚ ይቕየር ዶ ይህሉ? ብዙሓት ኢጣልያውያን ኣፍረይቲ ናይ ዕንጭራር ፓስታ፡ ፒሳን ብሽኮቲን የዳልው ኣለው።

“ኣብዚ እነዳልዎ ዘላቕነቱ ዘተኣማምን እዩ፡” ይብል ኢቫን። “ሓደ ኪሎ ሓርጭ ዕንጭራር ንምድላው፡ 12 ሊትር ማይ ጥራሕ ኢና እንጥቀም፡” ብምባል ተመሳሳሊ መጠን ፕሮቲን ካብ ከብቲ ንምፍራይ ኣሽሓት ሊትር ማይ ከምዘድሊ ይጠቅስ።

ሓሸራታት ንምፍራይ ዘድሊ መሬት’ውን ካብቲ ጤለ በጊዕ ኮነ ከብቲ ንምፍራይ ዘድሊ መሬት ኣዝዩ ዝነኣሰ እዩ።

ነቲ ብኢንዱስትሪ ስጋን ፍርያት ጸባን ዝስዕብ ብከላ’ውን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓሸራታት ክሊማዊ ለውጢ ንምብዳህ ኣገደስቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ብዙሓት ተመራመርቲ ይኣምኑ።

ኣብ ከባቢ ቱሪን ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ብልዒ ዝኽሽን ሲሞን ሎዶ ነቲ 15% ካብ ዕንጭራር ብዝዳሎ ሓርጭ ዝስራሕ ፓስታ ክጥቀም ካብ ዝጅምር ጸኒሑ እዩ።

ብርቱዕ ጨና እዩ ዘለዎ።

ገለ ካብ’ቶም ክድረሩ ዝመጹ ዓማዊል ነቲ ናይ ዕንጭራር ታልያቴሊ (ዓይነት ፓስታ) ክፍትንዎ ኣይደልዩን፡ እቶም ዝጠዓምዎ ግና በቲ መቐረቱ ከምዝተደነቑ ይዛረቡ።

ታልያቴሊ ዕንጭራር
መግለጺ ስእሊ, ታልያቴሊ ዕንጭራር ምስ ዙኪኒ፡ ስጋ ሓሰማ፡ ፎርማጆን ሪሓንን ዝተዳለወ

ሓርጭ ዕንጭራር፡ ኪንዮ እቲ መቐረቱ፡ ብዙሕ ትሕዝቶ ቪታሚናት፡ ፋይበር፡ ሚነራላትን ኣሚኖ ኣሲድን ኣለዎ።

እዚ ነቶም ዝወሓደ ስጋ ክምገቡ ዝደልዩ ሰባት ጽቡቕ ኣማራጺ ዶ ይኸውን? እቲ ቀንዲ ጉዳይ ግና ዋግኡ እዩ።

“ካብ ዕንጭራር ዝተዳለወ መግቢ ክትዕድግ እንተኴንካ ዝያዳ ክትከፍል ኢኻ ትግደድ፡” ይብል ኢቫን። “ሓርጭ ዕንጭራር ነቶም ተድላ ዝመርጹ እዩ። ንሓደ ኪሎ ከባቢ 65 ዶላር ትኸፍል። ንኣብነት ፓስታ ዕንጭራር እንተወሲድና፡ ሓንቲ ጥማር ክሳዕ 9 ዶላር ትሽየጥ።”

እዚ ካብቲ ካልእ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ፓስታ ብሸሞንተ ዕጽፊ ዝኸበረ እዩ።

ንግዚኡ፡ ሓረስቶት፡ ፍርያት ደርሆን ከብትን ብዝሓሰረ ዋጋ ክሸጡ ስለዝኽእሉ፡ ካብ ሓሸራታት ዝዳሎ መግቢ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ከም መጋየጺ ክጸንሕ እዩ።

ኣብ ጥቓ ሮማ ሓደ ሕርሻ ዝውንን ክላውድዮ ላውተሪ፡ “እቲ ኣነ ዘፍርዮ ስጋ ካብ ሓርጭ ዕንጭራር ኣዝዩ ዝሓሰረ፡ ብሉጽን እዩ፡” ይብል።

እቲ ቀንዲ ዛዕባ ግና ዋጋ ዘይኮነ ኣብቲ ማሕበረሰብ ተቐባልነቱ እዩ።

ኣብ መላእ ኢጣልያ ብዝሒ ክሳዕ 100 ዓመትን ልዕሊኡን ዝነብሩ ሰብ ጸጋ ዕድመ ብቕልጡፍ ኣብ ምውሳኽ ይርከብ። ናይዚ ምኽንያት፡ ኣብታ ሃገር ዝዝውተር ኣመጋግባ ምዃኑ ብዙሓት ይዛረቡ። “ኢጣልያውያን ንዘመናት ስጋ ክበልዑ ጸኒሖም ኣለው። ንጥዕና ጽቡቕ እዩ፡” ይብል ክላውድዮ።

ካብ ሓሸራታት ዝዳሎ መግቢ ንባህላዊ ክሸና ኢጣልያ ስግኣት ምዃኑ ይኣምን።

“እዞም ፍርያት ጓሓፍ እዮም፡ ኣይለመድናዮምን፡ ኣካል ኣመጋግባና ኣይኮኑን። ምብልዖም ንኣካላትና ዘምጽኦ ሳዕቤን ኣይንፈልጦን ኢና ስለዚ ንሰባት ስግኣት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም” ይብል።

ክላውድዮ ላውተሪ
መግለጺ ስእሊ, ክላውድዮ ላውተሪ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ኣውሮጳ ሕርሻ ሓሸራ እናወሰኸ እኳ እንተመጸ ኣንጻሩ ዝወሃብ ርእይቶ’ውን ማዕሪኡ እዩ ወሲኹ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ምብላዕ ሓሳኹ ድሕሪ ምፍቃዱ፡ ሕሉፍ የማናዊ መርገጺ ዘለዎ ገዛኢ ሰልፊ ኢጣልያ “ጽላለ” ክብል እዩ መሊሱ።

ንኢጣልያ “ብመግቢ ልዕለ ሓያል” ክትብል እትገልጽ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒ፡ ስልጣን ምስ ሓዘት ንባህሊ እታ ሃገር ንምሕላው፡ ኣብ ኢጣልያ ዝፈረየ ዝብል ሚኒስትሪ ኣጣዪሳ።

ሓሸራታት ምስ ኢጣልያዊ መግብታት ክተኣሳሰሩ ይኽእሉ እዮም ዝብል ሻቕሎት ኣብ ዝዓረገሉ እዋን፡ ሰለስተ ሚኒስትሪታት እታ ሃገር ስጉምትታት ክወስዳ ከምዝጀመራ ሓቢረን።

ሚኒስተር ሕርሻ ፍራንቸስኮ ሎሎብሪጊዳ “እዞም ሓርጭ ምስቲ ኣብ ኢጣልያ ዝፈሪ መግቢ ክደናገር የብሉን፡” ኢሉ።

ዛዕባ ምብላዕ ሓሸራታት ግና ኣብ ኢጣልያ ጥራሕ ኣይኮነን ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ።

ኣብ ፖላንድ፡ ቅድሚ እቲ ሎምዘበን ዝካየድ መረጻ፡ ቀንዲ መካትዒ ጉዳይ ኮይኑ ይርከብ።

ኣብ መጋቢት፡ ፖለቲከኛታት ናይተን ቀንዲ ሰልፍታት እታ ሃገር ዜጋታት ሓሸራ ክምገቡ ኣብ ዘስገድድ ፖሊሲታት ክወቓቐሱ ተራእዮም።

ኦስትርያ፡ ቤልጅየምን ሆላንድን ምብላዕ ሓሸራታት ዝተቐበልዎ ይመስሉ። ኣብ ኦስትርያ ዝደረቑ ሓሳኹ ከም መኽፈቲ ሸውሓት ክብልዑ እንከለው፡ ኣብ ቤልጅዩም ሓሳኹ ኣብ ወሃብቲ ሓይሊ መስተ፡ ስብቈን በርገርን ምሕዋስ ልሙድ እዩ።

ብዛዕባ ምባልዕ ሓሸራታት “ዝንቡዕ ሓበሬታ” ከምዘሎ ዝገልጽ ኣካያዲ ናይቲ ታልያቴሊ ዕንጭራር ዘዳሉ ቤት ብልዒ ዝኾነ ዳንኤል ስኮግናሚልዮ “ጸርፍን ነቐፌታን በጺሑኒ እዩ። ንብዙሓት ሰባት መግቢ ፍሉይ ነገር እዩ። ናይ ኣመጋግባ ልምዶም ክቕይሩ ኣይደልዩን እዮም፡” ይብል።

ብዝሒ ናይቶም ነቲ ካብ ዕንጭራር ዝዳሎ መግቢ ዝፍትንዎ ሰባት ይውስኽ ከምዘሎ ግና ይዛረብ።

ኣብዚ እዋን ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ልዕሊ ሸሞንተ ቢልዮን በጺሑ ብምህላው፡ ጸጋታት እዛ ፕላኔት ንናይ መግቢ ጠለብ ብዙሓት ሰባት ንምምላእ ክጽገም ከምዝኽአል ይስጋእ።

ብመሰረት ገምጋም ትካል መግቢን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፡ ሕርሻዊ ፍርያት ኣብ ዙርያ ዓለም ብ70% ክውስኽ የድልዮ።

ናብ ከም ሓሳኹ ዝኣመሰሉ ንከባቢ ጎዳእቲ ዘይኮኑ ፕሮቲናት ምቕያር ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ክሳዕ ሕጂ፡ ተኽእሎታት ካብ ሓሸራታት ዝዳሎ መግቢ ምፍራይን ናብ ዕዳጋታት ምቕራብን ድሩት እዩ ጸኒሑ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ነዚ ምጽዳቑ ግና ምስ ምስፋሕ እቲ ጽላት፡ ዋጋታት ክጎድል ትጽቢት ይግበር።

ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ብልዕን ዓበይቲ ድኳናትን ዝመጾ ጠለብ ድሮ ወሲኹ ምህላው ኢቫን ይዛረብ።

“እቲ ኣብ ልዕሊ ከባቢ ዘለዎ ጽልዋ ዳርጋ ዜሮ እዩ። ፕላኔትን ንምድሓን እጃምና ንገብር ኣለና፡” ይብል።