መግቢ፡ ብዙሕ ሃናጺ ትሕዝቶ ዘለዎ ድዱዕ ንምብላዕ ሸውሃትኩም ምተኸፍተ'ዶ?

ሉስየስ ካዎጎ
መግለጺ ስእሊ, ሓረስታይ ድዱዕ ሉስየስ ካዎጎ

ኣብ ሃገረ ታንዛንያ፡ ሓደ ሓረስታይ ፍልይ ዝበለን ሰብ ሰገረመን ሕርሻ ብምፍጣር ናብርኡ ከመሓይሽ ክኢሉ'ሎ።

እቲ ሕርሻ፡ ድዱዕ (እወ እዞም ኣብ ገዛውትኹም መከራ ዘጽገብኹም ባልዕ ገዛ) ዘፍሪ'ዩ።

ንቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ በቲ ሕርሻ ምፍራይ ድዱዕ ሓሊፍሉ ኣሎ።

"ዱዱዕ ከፍሪ ምስ ጀመርኩ፡ ሰባት ዝዓበድኩ'ዩ ዝመስሎም ነይሩ። ሕጂ ግን ጽቡቕ እቶት ክረኽበሉ ክኢለ ኣለኹ" ይብል ሓረስታይ ሉስየስ ካዎጎ።

በዚ ዝተላዕለ ድማ እዛ ምብራቓዊት ኣፍሪቃዊት ሃገር ብድዱዕ ተወሪራ'ላ ይብሃል ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓንቲ ወርይቲ ታንዛንያዊት ድምጻዊትን ሞደልን ሳውሙ ሃሚሲ፡ ድዱዕ ከተስተማቕር ምጅማራ ድሕሪ ምግላጻ ንህዝቢ'ታ ሃገር ዋዕዋዕ ኣቢላቶ ነይራ።

እታ 'ኡሚ ዶል' ብዝብል እትፍለጥ ስነ-ጥበባዊት ምስ ቢቢሲ ቋንቋ ስዋሂሊ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት፡ እቶም ዝበልዓቶም ድዱዕ ዓሳን ጻዕዳ ስጋን ከም ዝጥዕሙ ተዛሪባ ነይራ።

ዘይቲ ኮኮናት ብምሕዋስ፡ ጠቢሳ፡ ቆልያን ብመልክዕ 'ከባብን' ከም ዝኸሸነቶም'ውን ጠቒሳ።

ድምጻዊትን ሞደልን ሳውሙ ሃሚሲ
መግለጺ ስእሊ, ድምጻዊትን ሞደልን ሳውሙ ሃሚሲ

ብመፍረ ድዱዕ ዝሓለፈሉ ነጋዳይ ሓረስታይ ካዎጎ ብወገኑ፡ ካብ ታንዛንያ ወጻኢ ጠለባት ክቐርበሉ ከም ዝጀመረ'ዩ ዝገልጽ።

እንተኾነ ግን፡ ዝበዝሑ ታንዛንያዊውያን ጌና ሸውሃቶም ከም ዘይተኸፍተ'ዩ ዝዛረብ።

"ኣብ ሕርሻ ድዱዕ ዝተዋፈሩ ብዙሓት ሰባት እንተዝህልዉ ደስ ምበለኒ፡ ምኽንያቱ፡ ብብዝሒ ናብ ዕዳጋታት መቕረብና" ይብል።

ኣብታ ዝዓበየት ከተማ ዳሬሰላም ኣብ ዝርከብ ሙሂምቢሊ ሃገራዊ ሆስፒታል ዝሰርሕ ኪኢላ ከም ዝበሎ፡ ብቕኑዕ ኣገባብ እንተፈርዮም ድዱዕ ብዙሕ ትሕዝቶ ዘለዎ መግቢ ክህቡ ይኽእሉ'ዮም።

"ድዱዕ ልዑል መጠን ፕሮቲን፡ ስብሒ፡ ቪታሚን ቢ12 ከምኡ'ውን ዓቕሚ ምክልኻል ኣካላትና ዘዕቢ [ማዕድን] ዚንክን ኣለዎም" ክብል ኪኢላ ስነ-መግቢ ስኮላስቲካ ምሊንጋ ንቢቢሲ ስዋሂሊ ተዛሪቡ።

ድዱዕ

ምንጪ ስእሊ, Thinkstock

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ሆላንድ ኣብ ዝተገብረ ፈተነ፡ ድዱዕ ነቲ ሻቕሎት እናፈጠረ ዝኸይድ ዘሎ ውሕስነት መግቢ ኣብ ምቅላል ተራ ክህልዎም ከምዝኽእል ዝእምት'ዩ ነይሩ።

ምስ ኪሊማዊን ኣከባቢያዊ ለውጥን ብዝተሓሓዝ'ውን ሓደስቲ ምጭታት መግቢ ኣብ ምርካብ ሃሰው ዝብሉ ተመራመርቲ ምስዚ ኣብ ክሽነታትና ሞኽ ዘበለናን ከም ጸላኢ ዝረአን እንስሳ ርክብና እነመሓይሸሉ ኩነታት ንምፍጣር መጽናዕትታት ካብ ምግባር ኣይዓረፉን ዘለዉ።

ተዓጽዩ ዘሎ ሸውሃት ብዙሓት እንተተኸፊቱ ድማ፡ 'ዕምሩ ዝሓጸረት ድዱዕ ኣብ ክሽነ ይስዕስዕ' ዝብል ምስላ ከይተመሰለሎም ኣይተርፍን።