ብቝርዲድ ዝተጠቕዐ ስጋ ከብቲ ምብላዕ ጸገም ጥዕና የስዕብ ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካውያን ብቝርዲድ ዝተነኸሰ ስጋ ከብቲ ብምምጋብ ዝስዕብ ዘይልሙድ ዓይነት ነድሪ (‘ኣለርጂ’) ዘማዕብሉሉ መጠን እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ተመራመርቲ ኣፍሊጦም።
ዛጊት ልዕሊ 450 ሽሕ ሰባት ኣጥቂዑ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሮም።
ብሰንኪ እቲ ብቝርዲድ ዝተለኸፈ ስጋ ብምምጋብ ዝስዕብ ፀገም ጥዕና ‘ኣልፋ-ጋል ሲንድሮም’ ዘለዎም ሰባት ኣዝዩ ከምዝወሰኸ ማእከላት ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (Centers for Disease Control and Prevention (CDC)) ዘውጽኦ ሓድሽ መረዳእታ የመልክት።
እቲ ነድሪ ድማ ምስ ዝተፈላለየ ዓይነታት ስጋ ወይ ፍርያት እንስሳታት ዝተሓሓዝ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሳዕቤን የበግስ።
ኣመሪካውያን ተመራመርቲ ከምዝብልዎ ‘ኣልፋ-ጋል’ ምስ ጥፍጣፍ (ምራቕ) እቲ ‘ሎን ስታር ቲክ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓይነት ቍርዲድ ዝተሓሓዝ’ዩ።
እቲ ዓይነት ቍርዲድ በቲ ኣብ ሕቘኡ ዘሎ ጻዕዳ ነጥቢ ዝልለ ኰይኑ ኣብ ደቡባውን ምብራቓውን ክፋላት ኣመሪካ ብብዝሒ ይርከብ።
ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ግን ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም እናተዘርግሐ ይኸይድ ከምዘሎ ክኢላታት የጠንቅቝ።
ደም ንምምጣጥ ነቶም እንስሳ ድሕሪ ምንካሱ ዝዀነ ሰብ ድማ ስጋን ካልእ ፍርያትን እቶም እንስሳ ምስ ዝበልዕ ክሓምም ይኽእል።
ብ’ኣልፋ-ጋል ሲንድሮም’ ንዝሳቐዩ ሰባት ሓደገኛ ዝዀኑ መግብታት ድማ ስጋ ሓሰማ፡ ከብቲ፡ ማንትለ፡ ማሕስእ፡ ዓጋዜን ከምኡ’ውን ጸባ፡ ገለ ፍርያት ጸባን ዝተወሰኑ መድሃኒታትን ይርከብዎም።
ኣብዚ ገና ብዙሕ ዘይተፈለጠ ፀገም ጥዕና ዝረኣዩ ገለ ምልክታት ከም ቅርጸት፡ ተምላስ፡ ሕማም ቆርበትን ሕጽረት ትንፋስን ኰይኖም ንሞት ዘስዕብ ረኽሲ (‘ኣናፊላክሲስ - Anaphylaxis ) ከበግሱ ይኽእሉ።
ግብረመልሲ ‘ኣልፋ-ጋል ሲንድሮም’ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝተፈላለየ ኰይኑ ካብ ቀሊል ክሳብ ከቢድ ወይ እውን ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ክኸውን ከምዝኽእል ማእከል ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (CDC)) ይሕብር።
‘ኣናፊላክሲስ’ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ከእቱ ዝኽእል ግብረመልሲ ኰይኑ ብዙሕ ስርዓታት ኣካላት የጠቓልል፤ ህጹጽ ሕክምናዊ ክትትል ድማ ከድልዮ ይኽእል።
ግን ድማ ሰባት ን‘ኣልፋ-ጋል’ ኣብ ዝተቓልዑሉ ነድሪ መሳሊ ግብረመልሲ ክህልዎም ከምዘይክእል እቲ ማእከል ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ይሕብር።
ኣካላትና ንስጋ ቀስ ኢሉ ስለ ዘሕቕቖ ዝዀነ ምልክታት ንምርኣይ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል’ዩ።
ካብ 2010 ጀሚሩ ልዕሊ 110 ሽሕ እቲ ነድሪ ዘለዎም ሰባት ከምዝተረኸቡ ይግለጽ። ካብ 2017 ክሳብ 2021 ኣብ ዝነበረ እዋን ድማ ቍጽሪ ሕሙማት ዓመታት ክሳብ ኣስታት 15 ሽሕ ክውስኽ ተራእዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሓፈሻ ክሳብ 450 ሽሕ ኣመሪካውያን ብሰንኪ ኣልፋ-ጋል ነድሪ ስጋ ኣማዕቢሎም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ይግለጽ።
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ 1500 ሓካይምን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ዝተገብረ መጽናዕቲ 42 ሚእታዊት ካብኣቶም ብዛዕባ እቲ ጸገም ጥዕና ሰሚዖም ከምዘይፈልጡ ኣረጋጊጹ’ሎ።
ተመራመርቲ ኣሜሪካ መንሽሮ ንምፍዋስ ዝውዕል መድሃኒት ኣብ ዝምርምሩሉ እዋን ዘይተጸበይዎ ውጽኢት ድሕሪ ምርካቦም፡ እቲ ሲንድሮም ክሳብ 2008 ብኣጋጣሚ ኣይተረኽበን ጸኒሑ።
ሰባት ኣብ ደገ ንኣካላቶም ክሽፍኑን ብቝርዲድ እንተተነኺሶም ድማ ምርመራ ክገብሩን ክኢላታት የጠንቅቝ።
መንከስቲ ቍርዲድ ናብ ብዙሓት ሓደገኛ ሕማማት ከቃልዕ ይኽእል’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







