ደብዳብ ነፈርቲ ዓዲ-ዳዕሮ ብሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Tigray TV/facebook
ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዘካየዶ ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
"ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ፡ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መሳርሒታትን ኣጽዋርን ህወሓት ዝርከበሎም ቦታታት ስጉምቲ ወሲዱ" ክብል ብመንገዲ 'ፋክት ቸክ' ዝብል ናይ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ።
ብሰሉስ ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ ዝተባህለ ከተማ ዝተኻየደ ደብዳብ ሓያለ ሳባት ከምዝቐተለን ከምዘቑሰለን ጸብጻባት ካብቲ ክልል ገሊጾም ነይሮም።
ሰብመዚ ትግራይ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ተፈጺሙ ዝበልዎ መጥቃዕቲ ብሓይሊ ኣየር ኤርትራ ዝተኻየደ'ዩ ክብሉ ከሲሶም ነይሮም።
ብወገን ኤርትራ ብዛዕባ'ቲ ክሲ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉን ሓያሎ ካልኦት ከምዝቖሰሉን ሓደ ሰራሕተኛ ዓለምለኻዊ ትካል ሰብኣዊ ረዲኤት ሓቢሩ ነይሩ።
ቴሌቪዥን ናይቲ ክልል ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ሬሳታት ካብ ዝዓነወ ህንጻታት ክወጹ ዘርኢ ኮይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከዘራርብ ቀንዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ሓደ ሰብ ክቕተል እንከሎ ሓያሎ ካልኦት ከምዝቖሰሉ ነበርትን ሰብ ሞያ ሕክምናን ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም። ኣብ ዝተፈላለዩ ካልኦት ከባብታት ደብዳባት ከምዝተኻየዱ'ውን ሰብመዚ ትግራይ ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, Ethiopia Current Issues Fact Check
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው እናቆልቀለ ምምጽኡ ከምዘሻቐሎ ኮሚሽነር ጉዳያት ቅልውላው ሕብረት ኣውሮጳ ገሊጹ።
ጃነዝ ሌናርቺክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ከም ብሓድሽ ዝተወልዐ ውግእ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዘፈናቐለ ብምጥቃስ፡ ኣብ ንብረትን ትሕተ-ቅርጽን ዕንወት ከምዘስዓበ ጠቒሱ።
"ውግእ ዳግማይ ምውልዑ ንንጥፈታት ምብጻሕ ሰብኣዊ ረዲኤት ኣዝዩ ዓንቃፊ'ዩ" ክብል እቲ ብዓልስልጣን ገሊጹ።
ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ተኻይዱ'ኳ እንተነበረ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ግን፡ ብዝተፈላለየ ኣንፈታት ውግእ ከምዝተወልዐ ይግለጽ።
ቢቢሲ ዳግማይ ምውላዕ ናይቲ ኲናት ዝእምት ዓቢ ወተሃዳዊ ምንቅስቓስ ዘርኢ ብናይ ሳተላይት ስእልታት ዝተሰነየ ጸብጻብ ኣውጺኡ'ሎ።
ኣብዚ ወርሒ’ዚ ዝተወስደ ስእልታት፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣንጻር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝገብሮ ዘሎ ኵናት ዝድግፍ፡ ኣብቲ ንኢትዮጵያን ንኤርትራን ዘዳውብ ቦታታት ዝተኣኻኸበ ሰራዊትን ወተሃደራዊ ነቑጣታትን የርኢ።
ኤርትራ ኣብ ቀረባ እዋን ዕቑር ሰራዊታ ከምዘኽተተት ይዝከር።
ዓለማዊ ፕሮግራም ምግቢ ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ’ዚ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ፡ ኣስታት 13 ሚልዮን ሰባት ረድኤት ከምዘድልዮም ይሕብር ።
ነቲ ሂወት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ቀዚፉ ዘሎ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ጭቡጥ ፍረ ኣየምጸአን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







