ኣብ መቐለ ብዝተፈጸመ ራብዓይ ዙር መጥቃዕቲ ድሮን፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ፡ ብዙሐት ቆሲሎም

ምንጪ ስእሊ, DW
ናብ ሎሚ ዘጽብሕ ሰዓት 11፡00 [ግእዝ] ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ሓደ ሰብ ህይወቱ እንትስእን ካልኦት ድማ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከምዝበጽሖም ነበርትን ሰብ ሞያ ሕክምናን ንቢቢሲ ገሊጾም።
ዳይሬክተር፡ ሆስፒታል ዓይደር መቐለ፡ ዶክተር ክብሮም ገብረስላሰ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ ደስታ ሆቴል ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ'ዩ ተፈጺሙ።
ካብቲ ከባቢ ናብ ስርሑ ዝወፍር ዝነበረ ሰላማዊ ሰብ ሓደጋ በጺሕዎ፡ ሬስኡ ናብ ሆስፒታሎ ከምዝመጽአ ዶ/ር ክብሮም ተዛሪቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝበሎ የለን።
ቅድም ኢሉ ግን፡ ኣብ ወሃደራዊ ናቑጣታት ዒላማ ገይሩ መጥቃዕቲ ከምዝፍጽምን፡ ነበርቲ ንነፍሶም ካብ ከምዚ ዓይነት ከባብታት ከርሕቑን ኣጠንቂቑ ነይሩ'ዩ።
እዚ መጥቃዕቲ ድሮን፡ እቲ ኲናት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዳግማይ ካብ ዝጅመር፡ ራብዓይ ዙር ዝካየድ ዘሎ ዀይኑ፡ መውዓሊ ህጻናት፣ ድምጺ ወያነ፣ ዩኒቨርሲቲ መቐለን መንበሪ ኣባይትን ግዳይ እቲ መጥቃዕቲ ምዃኖም ጸብጻበት ይሕብሩ።
ቴሌቪዥን ትግራይ፡ እቲ ግፍዒ ነበርቲ ደቂሶም ኣብ ዝነበርሉ እዋን ከምዝተፈጸመን ኣብ ልዕሊ ህይወት ንጹሃትን ንብረቶምን ዓቢ ኪሳራ ከምዝበጽሐ ጸብጺባ ኣላ።
ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት መብራህቲ ሓይሊ’ውን ዕንወት ከምዝበጽሐ ጸብጻባት የመልክቱ።

ምንጪ ስእሊ, DW
መሰኻኽር ዓይኒ እንታይ ይብሉ?
ቢቢሲ ዘዘራረቦ፡ ኣብ ቀብሪ እቲ ነባሪ ዝተሳተፈ ውልቀሰብ ከምዝብሎ እቲ ግዳይ ወዲ 61 ዓመት እንትኸውን፡ ጸባ ብምሕላብን ብምፍራይን መዓልታዊ ስራሕ ዝናበር ከምዝነበረ ተዛሪቡ።
“ኣብ ደስታ ሆቴል ኣከባቢ፡ መንበሪ ኣባይቲ እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ። እቶም ዝተወቕዑ ሰብኣይ ናብ ስረሖም ክኸዱ እንተለዉ፡ ካብ ሰፈሮም ርሕቕ ኢሎም እዮም ተወቒዖም” ኢሉ።
ካብ ለይቲ ጀሚራ ዝርብሽ ድምጺ ናይታ ነፋሪ [ድሮን] ይስማዕ ከምዝነበረን፡ ኣስታት 11 ሰዓት አካባቢ፡ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመትን ወሲኹ ሓቢሩ።
ሓይልታት ትግራይ ይትኩሱላ ምንባሮም ዝገለጸ እቲ ነባሪ፡ እቲ ሓደጋ፡ መጥቃዕቲ ድሮን ምዃኑ ከምዝተገንዘበ ተዛሪቡ።
“ከይደ ርእየ እየ። ሕዚ ድሕሪ ሰዓት ድማ ቀብሪ ነይሩ። ሕዚ ሰብ ቀብሪ ወዲኡ ነናብ ገዝኡ ይምለስ ኣሎ” ብምባል ዝተመልከቶ ወሲኹ ገሊጹልና።
ኣብቲ ከባቢ ደስታ ሆቴል ዝኾነ ወተሃዳራዊ ዒላማ ኣሎ ድዩ ኢልና ዝሓተትናዮ፡ እቲ ነባሪ፡ “ሙሉእ ንሙሉእ መንበሪ ገዛውቲ እዩ። ዝኾነ ወተሃደራዊ ዒላማ የብሉን" ዝብል ምላሽ ሂቡና።
እዚ ብተደጋጋሚ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ድሮን ነቲ ሕብረተሰብ የሸብሮ ከምዘሎ ድእእማ ይገልጽ።
“ኣነ ከምዝመስለኒ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝኾነ ወተሃደረዊ ዒላማ መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ እቲ ሕብረተሰብ ጸቕጢ ንምፍጣር ይመስል። ክትዘውር እንተላ ድመጻ ይርብሽ። ሰዓት 9 ናይ ለይቲ ጀሚራ እያ ትዘውር ነይራ። ብድምጻ፡ ‘ትድብድ’ዶ ትኾን’ ብዝብል እቲ ሰብ ይርበሽ። እቲ ትትኩሶ መሳርሒ’ውን ኣዝዩ እዩ ዝርብሸካ። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕበረሰብ ናይ ስነ ልቦና ቅልውላው ንምፍጣር እዩ ዝመስል”።
ኣብ ከተማ መቐለ ብረቡዕ 14 መስከረም 2022 ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ብውሑድ 12 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሜዲካል ዳይሬክተር ሆስፒታል ዓይደር ሓቢሩ።
ነዚ ስዒቡ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮን]፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምጻእ ዘሎ ተስፋ ዳግም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ብምባል ምኹናኑ ዝዝከር እዩ።
እቲ ኲናት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዳግም ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ሓያሎ ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተዋደደ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝተኸፍቶም እንተገለጹ'ኳ፡ ዛጊድ ካብ ክልቲኦም መንግስታት ዝተውሃበ መብርሂ የለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







