ኣብ መቐለ ብመጥቃዕቲ ድሮን ብውሑድ 10 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብ-ሞያ ሕክምና ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ከተማ መቐለ ሎሚ ረቡዕ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ብውሑድ 10 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሜዲካል ዳይሬክተር ሆስፒታል ዓይደር ሓቢሩ።
ዶክተር ክብሮም ገብረስላሴ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንጉሆ ሰዓት 01፡30 (7፡30ቅቀ) ኣቢሉ ዳግም ኣምሳል ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተፈጸመ ገሊፁ’ሎ።
ክልተ መጥቃዕቲታት ድሮን ከምዝተፈጸሙ ዝሓበረ እቲ ሜዲካል ዳይረክተር፡ ዛጊድ 10 ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት ልዕሊ 10 ሰባት ድማ ጉድኣት ከምዝበፅሖምን ኣረዲኡ።
ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ነቲ ክሲ ምላሽ ኣይሃበሉን፡ ኣቐዲሙ፡ ህዝቢ ካብ "ወተሃደራዊ ዕላማታት" ክርሕቕ ኣጠንቂቑ ኔሩ።
ሰለስተ ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ "ብሰንኪ ዝበፅሖም ከቢድ ጉድኣት ቅልጡፍ ሕክምና መጥባሕቲ የድልዮም” ዝበለ እቲ ዶክተር፡ ሕፅረት መድሓኒትን ኦክስጅንን ብምህላዉ ግና ነዚ ኣፀጋሚ ከምዝገብሮ ሓቢሩ።
ካልእ ዶክተር ሆስፒታል ዓይደር ዝኾነ ዶክተር ፋሲካ ዓምደስላሴ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ካልኣይ መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ልዕሊ ብፈላማይ መጥቃዕቲ ጉድኣት ንዝበፅሖም ዝኣልዩ ዝነበሩ ሰባት ዝተፈጸመ ምዃኑ ጠቒሱ።
ቁሱላትን ዝሞቱን ግዳያት መጥቃዕቲ፡ ናብ ሆስፒታሎም ከምዝመፅኡ ዝሓበረ ዶክተር ፋሲካ፡ ካብ ሞንጎ ግዳያት ሓደ ኣቦ ክሞቱ እንከለዉ ወዶም ሕክምናዊ መጥባሕቲ ከምዘድልዮ ኣመልኪቱ።
ናብ ሆስፒታል መቐለ ጥራሕ ሓሙሽተ ሬሳታት ከምዝተወሰዱ እውን ወሲኹ ገሊፁ።
ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ "ድሮናት ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ብዝፈጸምኦ መጥቃዕቲ ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎምን ቆሲሎምን" ክብል ኣፍሊጡ'ሎ።
ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነዚ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ዝተወሃበ መግለፂ የለን።
ብሰሉስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ
ብሰሉስ 13 መስከረም 2022 ኣብ ክልተ ከባብታት ከተማ መቐለ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተፈጸመ ተገሊፁ ምንባሩ ይዝከር።
እቶም መጥቃዕትታት ድማ ኣብቲ ዓዲ ሓቂ ብዝብል ዝፍለጥ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ህንፃ ቴሌቪዥን ድምፂ ወያነን ከምዝተኻየዱ ተፈሊጡ’ሎ።
ሜዲካል ዳይሬክተር ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ክብሮም ገብረስላሴ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ በቲ ትማሊ ኣብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ጉድኣት ዝበፅሖ ሓደ ሰብ ናብ ሆስፒታሎም ከምዝመፅአ ገሊፁ ነይሩ።
ድምፂ ወያነ እውን ኣብ ልዕሊ ህንፅኡ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተፈጸሞን ኣብ ልዕሊ ቴክኖሎጂ ፈነውኡ ጉድኣት ከምዝበፅሐን ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ኣፍሊጡ’ሎ።
ኣብ ልዕሊ ህንፃ እቲ ማእኸን ዜና ንዝበፅሐ ጉድኣት ዘርእዩ ስእልታት ኣሰንዩ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ብሰንኪ ዝበፅሐ ጉድኣት ካብ ፈነወ ክወርድ ከምዝተገደደ ኣረጋጊፁ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







