ቅልውላው ትግራይ፡ ሆስፒታል ዓይደር ኣገልግሎት ምሃብ ኣቋሪጹ

ሆስፒታል

ምንጪ ስእሊ, AYDERE HOSPITAL

ኣብ ትግራይ እቲ ዝዓበየ 'ሪፈራል' ሆስፒታል ዓይደር፡ ብሰንኪ ስእነት መድሓኒትን ምቁራጽ መብራህትን ስሩዕ ስርሑ ጠጠው ከም ዘበለ፡ ቴክኒካል ሜዲካል ዳይሬክተር ዶክተር ክብሮም ገብረስላሰ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝዓበየ ሆስፒታል፡ ብሰንኪ እቲ ልዕሊ ዓመትን መንፈቕን ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ትግራይ፡ ኣገልግሎት ኣብ ዘይህበሉ ብርኪ በጺሑ ከም ዘሎ'ውን ሓቢሩ።

እቲ ሆስፒታል ብሰንኪ ስእነት መድሃኒትን እታወታት ሕክምናዊ ናውትን ኣገልግሎቱ ብኣግባቡ ንምሃብ እናተቛረጸ ከም ዝጸንሐ ዝገለጸ እቲ ዳይሬክተር፡ "ካብ ቀረባ ግዜ ናብዚ ድማ መደንዘዚ ዝኸውን መድሃኒት ስ ለዘየለ፡ ንሃንደበታዊ ሓደጋታት ጥራሕ እናሰራሕና ጸኒሕና" ኢሉ።

"ሕዚ ድማ ኣብ መላእ ትግራይ መብራህቲ'ውን ስለ ዘየለ ኦክስጅን ኣፍርዮም ዝህቡና ዝነበሩ፡ ስራሕ ጠጠው ኣቢሎም እዮም። ኣብ'ቲ ሆስፒታል ዝወሃብ ዝነበረ ኣገልግሎት ኦክስጅን ድማ ካብ ዝበላሾ ሓደ ዓመት ሓሊፍዎ" ከም ዘሎ ገሊጹ።

ነዳዲ'ውን ብዘይምህላዉ ንተሓከምቲ ረድኤት ክህቡ ዘይምኽኣሎም ዶክተር ክብሮም ንቢቢሲ ወሲኹ ኣረዲኡ።

ቅድም ክብል፡ ዶኳትር እቲ ሆስፒታል ንልዕሊ ሓደ ዓመት መሃያ ከይተኸፍሎም ከም ዝሰርሑን ንርእሶም ኰነ ንስድርኦም ምድጋፍ ብዘይምኽኣሎም ናብ ልመና ከም ዝኣተውን ንገለ ኣባላት እቲ ሆስፒታል ጠቒስና ጸብጺብና ምንባርና ዝዝከር እዩ።

ብፍላይ ድማ ኣብ ወርሒ ዝሓለፈ ዓመት ሰነ፡ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ካብ ዝቆጻጸሩ ጀሚሩ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝብሎ፡ እቲ ክልል ኣብ ዘይእውጅ ዕጽዋ ዝርከብ ኰይኑ፡ ብዙሓት ሕክምና ዘድልዮም ሰባት ሰኣን መድሃኒት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ መብዛሕትኦም ማእከላት ጥዕና እቲ ክልል ዓንዮምን ኣገልግሎት ክህብሉ ኣብ ዘይኽእሉ ብርኪ ከም ዝበጽሑ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ካልእ'ኸ እንታይ ኢሉ ?

እቲ ሆስፒታል፡ ንተሓከምቲ ብፍላይ ድማ፡ መዓልቶም ከይኣኸለ ንዝተወልዱ ህጻናት ሓገዝ ምሃብ ከም ዘይከኣሉ ዶ/ር ክብሮም ተዛሪቡ።

ሆስፒታል ዓይደር ልዕሊ 3600 ሰራሕተኛ ከም ዘለውዎ እውን ጠቒሱ።

እንተኾነ፡ እቲ ሰራሕተኛ ካብቲ ሆስፒታል ርሒቑ ዝነብር እኳ እንተዀነ፡ እቲ ሆስፒታል ኣገልግሎት መጓዓዝያ ክህብ ብዘይምኽኣሉ ግን ስርሑ ጠጠው ከብል ከም ዝተገደደ ኣብሪሁ።

"ናይ ባዕልቶም ጸገም'ውን ኣለዎም። ንልዕሊ ሓደ ዓመት መሃያ ተዋሂብዎም ኣይፈልጥን። ስለዚ እቲ ጸገም ዝተደራረበ እዩ" እዩ ኢሉ።

እቲ ሆስፒታል ስርሑ ጠጠው ቅድሚ ምባሉ፡ ንመንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት እኳ እንተኣፍለጠ ፍታሕ ክመጽእ ኣይክኣለን ይብል።

ብሰንኪ ሕፅረት መድሃኒትን እኹል ኣገልግሎት ሕክምናን፡ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር መዓልታዊ ካብ 4 ክሳብ 6 ሬሳታት ናብ ዘፋንወሉ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ሰብሞያ ሕክምና እቲ ሆስፒታል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

ሰኣን መድሃኒትን ግቡእ ኣገልግሎት ሕክምናን ንሞት ካብ ሞንጎ ዝተሳጥሑ ሰባት ድማ፡ ሰብሞያ ሕክምና እቲ ሆስፒታል ከም ዝርከብዎም ሓቢሮም።

ሓላፊ ኣገልግሎት ነርሲንግ ሆስፒታል ዓይደር ቴድሮስ ካሕሳይ እቲ ሆስፒታል ካብ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ንዝመጽኡ ተሓከምቲ ኣገልግሎት ይህብ ምንባሩ የዘኽኻር።

ሓገዝ ውድብ ጥዕና ዓለም

እቲ ቅድሚ ኲናት እኹልን ብቑዕን ኣገልግሎት ሕክምና ዝህብ ዓብዪ ሆስፒታል: ኣብዚ እዋን ግን ኣብ ዝተዳኸመ ዓቕሚ ይርከብ።

ንሓደ ዓመት ሙሉእ ብሙሉእ ብዘይበጀት ክሰርሕ ምጽንሑ ዝዛረብ ቴድሮስ፡ "ኣብዚ እዋን ኣስታት 30 ሚኢታዊት ብዝኸውን ዓቕሚ'ዩ ዝሰርሕ ዘሎ" ይብል።

ብሰንኪ እቲ ኲናት መጠን ዝተኸዘነ መድሃኒት ናብ 10 ሚኢታዊት ጥራሕ ወሪዱ ዝነበረ ኮይኑ፡ እቲ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝመጽአ መድሓኒት ተወሲኽዎ ነቲ ዕቑር መድሃኒት ናብ 20 ሚአታዊት ኣደይብዎ ነይሩ።

"ግን ድማ እቲ ንዓይደር ዝተወሃበና ኮታ ውሑድ ብምንባሩ እቲ መድሃኒት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ተወዲኡ። እቲ ዝኣተወ መድሓኒት ብመጠን ጥራሕ ዘይኮነስ ብዓይነት እውን ውሑድ'ዩ" ክብል ይዛረብ ሓላፊ ኣገልግሎት ነርሲን ሆስፒታል ዓይደር ቴድሮስ።

ወሲኹ፡ "ንኸም መንሽሮ፣ ጸቕጢ ደምን ካልኦት ሕዱር ሕማማት ዝበሃሉ መድሃኒትታት ምሉእ ብምሉእ ኣይኣተውን። ስለዚ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ምምሕያሽ ኣገልግሎት ተራእዩ'ኳ እንተነበረ፤ ኣብዚ እዋን ግን ናብቲ ዝነበሮ ተመሊሱ'ሎ" ኢሉ።