ኣብ መቐለ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተፈጸመ ተገሊፁ

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ቀፅሪ ዓዲ ሓቂ

ምንጪ ስእሊ, PROFESSOR KINDEYA TWITTER/SOCIAL MEDIA

ኣብ መቐለ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ፡ ሎሚ ንግሆ ሰሉስ፡ 13 መስከረም 2022 መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተፈጸመ ተሓቢሩ።

ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ትግራይ ዝርከቡ ሓይልታት፡ “መንግስቲ ፌደራል ኣብ ርእሰ ከተማ መቐለ ሓድሽ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ -ድሮን ፈጺሙ” ክብሉ ከሲሶም።

እዚ ድማ መራሕቲ ትግራይ ንቕልጡፍ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ድልዋት ምዃኖም ብወግዒ ድሕሪ ምግላጾም ኣብ ካልኣይ መዓልቱ ዝፍጸም ዘሎ እዩ።

ሜዲካል ዳይረክተር ዓይደር መወከሲ ሆስፒታል፡ ዶክተር ክብሮም ገብረስላሴ፡ “ኣብ መቐለ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ መጥቃዕቲ ድሮን ተፈጺሙ” ክብል ንቢቢሲ ኣፍሊጡ።

እቲ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ወጋሕታ ሰዓት 6:18 ን 6:41ን [ብኣቈጻጽራ ሰዓት 'ታ ሃገር -12፡18 ን 12፡41] ከምዝተፈጸመ ዝሓበረ ዶክተር ክብሮም፡ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ቀፅሪ ዓዲሓቂን ከባቢ መደብር ቴሌቪዥን ድምጺ ወያነን ዒላማታት ከምዝነበሩ ኣመልኪቱ።

መጠን ዝወረደ ጉድኣት ዛጊት ብንጹር ክፈልጥ'ኳ እንተዘይተኻእለ፡ ሓደ ኣብ ርእሱ ከቢድ ዝወረዶ ግዳይ መጥቃዕቲ ድሮን ግን ድሮ ናብቲ ሆስፒታል ኣትዩ ከምዘሎ፡ ዶ/ር ክብሮም ይጠቅስ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ነዚ ክስታት ምላሽ ኣይሃበን።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ካልእ ነባሪ እታ ከተማ፡ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ፡ ክልተ ግዜ ሓያል ድምጺ ከምዝሰምዑ ሓቢሩ።

እቶም ክልተ ግዜ ዝተሰምዑ ድምጺታት ኣብ ሰዓታት ንግሆ ምዃኖምን ናይ ኣስታት 15 ደቓይቕ ፍልልይ ከምዝነበሮምን እቲ ነባሪ ወሲኹ የረድእ።

እቲ ድምጺ፡ ከቢድ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ኣብ ስድራኡ ከቢድ ስንባደን ፍርሕን ከም ዝፈጠረ'ውን ጠቒሱ።

እቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ተጣሒሱ ዳግማይ ኲናት ካብ ዝውላዕ፡ ድሮ ሰለስተ ሰሙን ክመልኦ ቀሪቡ’ሎ።

ዩኒቨርስቲ መቐለ ቀፅሪ ዓዲሓቂ ዒላማ ናይቲ ሎሚ ሰሉስ ተፈጺሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝዀነ ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ትግራይ ዝዀነ ኣቶ ጌታቸው ረዳ እውን ብትዊተር ኣፍሊጡ'ሎ።

ኣቶ ጌታቸው ምስ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ኣብቲ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝካየድ ልዝብ ክሳተፉ ብሓይልታት ትግራይ ተሸይሞም ምህላዎም ይፍለጥ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ሸውዓተ ኣባላት ዝሓዘ ጕጅለ ተላዘብቲ ከም ዘቘመ ወግዓዊ'ኳ እንተገበረ፡ ነቲ ብወገን ትግራይ፡ “ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝመርሖ መስርሕ ልዝብ ተቐቢልናዮ ኣለና” ብዝብል ንዝተወሃበ መግለጺ ግን ዛጊት ብዕሊ ዝሃቦ መልሲ የለን።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣሜሪካን ነቲ ብሓይልታት ትግራይ ንዝተወሃበ መግለጺ ብሓጐስ ከምዝተቐበልዎ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ዩኒቨርሲቲ መቐለ - ቀፅሪ ዓዲ ሓቂ

ምንጪ ስእሊ, PROFESSOR KINDEYA TWITTER/SOCIAL MEDIA

ኣብ መንጐ ፌደራላዊ መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኲናት ዳግማይ ድሕሪ ምውልዑ፡ ኣብ መቐለ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ክልተ ግዜ፤ ሓደ ኣብ መዋእለ ህጻናት፡ እቲ ካልኣይ ድማ 'ሓሚዳይ' ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ግዝያዊ መዕቈቢ ተመዛበልቲ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝተኻየደ ዝዝከር እዩ።

በቲ መጥቃዕቲ፡ ህጻናትን ኣደታትን ዝርከብዎም ሓያለ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ከም ዝቘሰሉን ተሓቢሩ እዩ።