ሩስያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ንኻልኣይ ግዜ መጥቃዕቲ ሚሳይል ኣካይዳ

ብዩክሬናዊ በዓል ስልጣን ሰርሂይ ሊሳክ ዝተዘርገሐ ምስሊ

ምንጪ ስእሊ, SERHIY LYSAK

መግለጺ ስእሊ, ብዩክሬናዊ በዓል ስልጣን ሰርሂይ ሊሳክ ዝተዘርገሐ ምስሊ

ሩስያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ቅድሚ ሰኑይ ወጋሕታ ኣብ ዘካየደቶ ካልኣይ መጥቃዕቲ ኣብ ከተማታት ዩክረይን ተኸታተልቲ ሚሳይላት ተኲሳ።

ዩክረይን እቲ ትጽቢት ዝተግበረሉ ጸረ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምጅማራ፡ ኣብ ጥቓ ማእከላይ ከተማ ድኒፕሮ ኣብ ዝርከብ ማእከል ሎጂስቲክስ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖ ይግለጽ።

ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ዓቢ ባርዕ ሓዊ ከጋጥም እንከሎ፡ ዓሰርተታት ኣባይቲ ዓንዮም፡ 34 ሰባት ድማ ቆሲሎም እዮም።

ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር መጠንቀቕታ ደብዳብ ኣየር ተዋሂቡ፡ ርእሰ ከተማ ኪቭ እውን ካብቶም ዒላማታት ሓንቲ ኰይና።

ሰራዊት ዩክረይን ካብቶም ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተተኮሱ 18 ክሩዝ ሚሳይላት 15 ከም ዘውደቐ ይገልጽ።

እታ ካብ ቅድመ ግንባር ኣስታት 110 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዩክረይን እትርከብ ፓቭሎህራድ፡ እቲ ዝዓበየ ዕንወት ዘጋጠማ ከተማ እያ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ስእልታት፡ ሰፊሕ ባርዕ ሓዊ ከም ዘጋጠመ የመልክቱ።

ኦልሃ ሊትቪነንኮ ዝተበሃለት ነባሪት፡ ካብ ገዝኣ ክትወጽእ ክዳውንታ እናተኸደነት ከላ፡ "ክልቲኡ ማዕጾታት በቲ ማዕበል ነትጒ ተሰባቢሩ" ኢላ።

"ጎይየ ናብ ደገ ወጺአ፡ እቲ ጋራጅ’ውን ከም ዝዓነወ ርእየ። ኩሉ ነገር ይነድድ ነይሩ፡ ኣብ ኩሉ ቦታ ስብርባር ጠርሙስ ነይሩ። ኣብ ደገ እንተንኸውን ነይርና ምተቐትልና" ብምባል ነቲ ኵነታት ገሊጻ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዩክሬናዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ድኒፕሮፔትሮቭስክ፡ "ዘሕዝን ለይትን ንግሆን" ብምባል ሓደ ኢንዱስትርያዊ ቦታ ከም ዝተሃርመ ገሊጹ።

ብተወሳኺ 19 ብርክት ዝበሉ ኣፓርታማታት፡ 25 ናይ ብሕቲ ገዛውቲ፡ ሽዱሽተ ኣብያተ ትምህርትን መዋእለ ህጻናትን ከምኡ’ውን ሓሙሽተ ድኳናትን ከም ዝተሃስዩ ወሲኹ ሓቢሩ።

ብሩስያ ዝተመዘዘ በዓል ስልጣን ቭላድሚር ሮጎቭ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንመሰረተ ልምዓት ባቡርን መኽዘናት ነዳዲን ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ዘመልክት ዝተዘርገሐት ዓባይ ኣጻብዕቲ ዘለዎ መልእኽቲ ኣብ ቴሌግራም ዘርጊሑ።

ገለ ሰዓታት ድሕሪ እቲ ኣብ ኪቭ ዝተወሃበ መጠንቀቕታ፡ ደብዳብ ኣየር ንኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ተሰሚዑ።

ወተሃደራዊ ምምሕዳር ድኒፕሮፔትሮቭስክ፡ ኩሎም ናብ ርእሰ ከተማ ኪቭ ዝቐንዑ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከም ዝዓነዉ ሓቢሩ።

ሩስያ ኣብቲ ክሳዕ ሕጂ ብኸፊል እትቆጻጸሮ ዞባ ኼርሰን እውን 39 ሚሳይላት ከም ዝተኮሰት ዩክሬናውያን ሰበስልጣን እቲ ዞባ ገሊጾም።

እቶም ኣጽዋር ካብ መሬት፡ ከምኡ’ውን ካብ ነፈርትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ዝተተኮሱ ምዃኖም ዝገለጹ ሰብመዚ፡ ሓደ ሰብ ከም ዝተቐትለ ሓቢሮም።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ኣብ ዩክረይን ካብ ቅድመ ግንባር ዝረሓቑ ቦታታት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። ብዓርቢ ኣብ ማእከላይ ከተማ ኡማን 23 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ዝዝከር’ዩ።

ዩክረይን፡ ምዕራባውያን ሃገራት ብዘቕረብዎ ኣጽዋርን ወተሃደራዊ ናውትን ተሓጊዛ እቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ዝተገብረሉ ጸረ መጥቃዕቲ ክትፍጽም እትገብሮ ምድላዋት ተጻፍፍ ከም ዘላ ገሊጻ እያ።

ሩስያ ብወገና፡ ካብ ዩክረይን ንዝመጻ ሓይሊ ክትምክት ተዳልያ’ያ፡ ኣብ ዝተጎበጠ መሬት ድማ መርገጺኣ ኣደልዲላ ኣላ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ሃገር ካብ ዝተረኣዩ ለውጥታት፡ ንሎጂስቲክስ ዕጡቓት ሓይልታት ንክከታተል ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ዝተመዘዘ ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ጀነራል ሚኻኤል ሚዚንስተቭ፡ ካብ ስርሑ ተባሪሩ ኣሎ።

ወተሃደራት ቅድመ ግንባር እኹል ወተሃደራዊ ናውቲ ኣይረኽቡን፣ ሕጽረት መግብን ዩኒፎርምን የጋጥሞም ኣሎ ዝብሉ ቅሬታታት ክግለጹ ጸኒሖም እዮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሓደ በዓል ስልጣን ዩክረይን ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ንሓይልታት ሩስያ ካብ ገለ ቦታታት እታ ንኣዋርሕ ኣብ ከበባ ዝጸንሐት ምብራቓዊት ከተማ ባክሙት ከም ዘውጽአ ገሊጹ።

ኣዛዚ ምድራዊ ሓይልታት ጀነራል ኦሌክሳንድር ሲርስኪ፡ እቲ ኵነታት "ኣዝዩ ከቢድ" ምዃኑ ኣብ ቴሌግራም ገሊጹ።

እንተዀነ ግን "ጸላኢ ነታ ከተማ ክቆጻጸራ ኣይከኣለን" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።