ዘስካሕክሕ ታሪኽ ብጥንቃቐ ዝተሰነደሉ ቤተ መዘክር ምጽናት ዓሌት ሩዋንዳ

ስእሊ ግዳያት

ምንጪ ስእሊ, AFP

ስም፡ ኡሙቶኒ ኣሪዬነ

ዕድመ፡ 4

እትፈትዎ መግቢ፡ ኬክ

እትፈትዎ መስተ፡ ጸባ

ኣማውታ፡ ኣብ ዓይናን ርእሳን ብበሊሕ ነገር ተወጊኣ

ዓቢ ስእሊ ኡሙቶኒ ኣብ መንደቕ ተሰቒሉ ኣሎ። ዛንታኣ ዝተሓትመሉ ንእሽቶ ኣትሮነስ ድማ ኣብ ትሕቲ ስእላ ደው ኢሉ’ሎ።

ወለዳ ንጽርየታ ኣዝያ እትግደስ ቈልዓ ከም ዝነበረት ይዛረቡ።

እዚ ኣብ ቤተ-መዘክር ምጽናት ዓሌት ኪጋሊ (ኪጋሊ ጄኖሳይድ ሚሞሪያል) ካብ ዘለው ሰነዳት'ዩ።

ሁቱ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ቱትሲን ዘይኣኽረርቲ ሁቱን ዝፈጸምዎ ምጽናት ዓሌት ሩዋንዳ ብንጹር ዝረኣየሉ ቦታ።

እዚ ቦታ ናይ ኡሙቶኒ ኣሪዬነ ሓዊሱ ኣስከሬናት 250 ሽሕ ሰባት ዓሪፍሉ ኣሎ።

ናብቲ ቤተ መዘክር ዝኸድኩሉ መዓልቲ ሓጋይ እኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሎሚ ዝዝከረኒ ግን እቲ ድብን ዝበለ ሰማይ እዩ።

ንቤተ-መዘክር ምጽናት ዓሌት ኪጋሊ ንፈለማ እዋን እየ ዝርእዮ ዘለኹ።

ኣብ ሩዋንዳ ንኽልተ ሰሙን እኳ እንተጸናሕኩ፡ናብቲ ቤተ መዘክር ንምኻድ ግን ሰሙን ወሲዱለይ።

ንኣዕሩኽተይን ቤተሰበይን ከይደ ክርእዮ ከም ዝደሊ ክነግሮም እንከለኹ "በይንኻ ክትከይድ?" ይብሉኒ።

እዚ ሕቶኦም ድማ ዘይፈልጦ ፍርሒ ኣሕዲሩለይ።

ሓደ ሓሙስ ንግሆ ግን ክኸይድ ወሰንኩ። ንሓደ መሳርሕተይ “ሓቢርና ንኺድ” ምስ በልክዎ፤ "ቅድሚ ሕጂ ርእየዮ እየ። ዳግማይ ክርእዮ ኣይደልን" ኢሉኒ።

"ግዳስ ኣብቲ ናይ ቈልዑ ቦታ ምስ በጻሕካ ንስምዒትካ ክትቆጻጸር ፈትን" ዝብል ምኽሪ መሳርሕተይ እዩ ነይሩ።

ካሜራ፡ መቕረጺ ድምጽን ካልእ ቪድዮ ኰነ ድምጺ ዝቐድሕ መሳርሒታት ሒዝካ ምእታው ከም ዘይፍቀድ ስለ ዝፈለጥኩ ናይ መዘክር ጥራዘይ ጥራይ ሒዘ እየ ወጺኤ።

እቲ ፈተሻ ጽኑዕ እዩ ነይሩ።

ብእኡ ሓሊፈ ናብቲ መቐበሊ ኣጋይሽ ኣምራሕኩ፤ መእተዊ ብነጻ እዩ።

ሓገዝ ክገብሩ ንዝደልዩ ግን ሳንዱቕ ተቐሚጡ ኣሎ። ከም ኣማራጺ ድማ ብመስምዒ ድምፂ (‘ኢርፎን’) መብርሂ እናተወሃቦም ነቲ ቤተ መዘክር ክርእዩ ዝደልዩ ሰባት ነቲ መሰርሒ ድምጺ ክካረይዎ ይኽእሉ።

ሓንቲ ካብተን ኣሳሰይቲ ናበይ ቀረበት።

“ሩዋንዳዊ ዲኻ?”

"ኣይኮንኩን"

"ሕራይ፤ ካበይ ኢኻ መጺእካ?”

"ካብ ኢትዮጵያ!"

ቤተመዘክር ምጽናት ዓሌት ሩዋንዳ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቀዳማይ ምዕራፍ ናይቲ ዑደት ኣብቲ ጥቓ መቐበሊ ኣጋይሽ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ክፍሊ ኰፍ ኢልካ ሓጺር ቪድዮ ትርኢ።

እቲ ቪድዮ፡ እቲ ቤተ መዘክር ንምንታይ ከም ዝተመስረተ ይገልጽ። ኣብቲ ጃምላዊ ቅትለት ፈተውቶምን ኣዝማዶምን ዝሰኣኑ ሩዋንዳውያን ብዙሕ ግዜ ናብቲ ቤተ መዘክር ከም ዝበጽሑ ብንብዓት ተሰንዮም የረድኡ።

ነቲ ቪድዮ ድሕሪ ምርኣይና ናብቲ ካልኣይን ቀንዲን መቐበሊ ኣጋይሽ ኣቕናዕና።

ኣብቲ ቀንዲ መቐበሊ ኣጋይሽ ምስ በጻሕካ ብዙሓት ተቐበልቲ ኣጋይሽ ይፅበዩኻ። እቲ ቤተ መዘክር ኣበይ ከም ዝጅምርን ዝውዳእን ንምግላጽ ብጥንቃቐ ደው ዝበሉ እዮም።

እንታይ ከም ዝጽበየኒ ኣይፈልጥን እየ። ብርዐይን መዘክር ደብተረይን ሒዘ ናብ ውሽጢ ኣምራሕኩ። ቀዳማይ ክፍሊ ቁጽሪ 15 እዩ።

"ቅድሚ እቲ ምጽናት ዓሌት" [“Before the Genocide”] ይብል። ቅድሚ እቲ ሓያሎ ትንፋሳት ዘጥፍአ ምጽናት ዓሌት ዝነበረ ታሪኽ ዝትንትን ክፍሊ እዩ።

ሩዋንዳ ብ1899 እያ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጀርመን ኣትያ። ብድሕሪኡ ኣብ 1919 ብመሰረት ውሳነ ሊግ ኦፍ ኔሽንስ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ቤልጅየም ክትከውን ተወሲኑ።

ህዝቢ ሩዋንዳ ቅድሚ እቲ ምጽናት ዓሌት ብኸመይ ብመግዛእትን ዝተፈላለዩ ካልኦት ምኽንያታትን ከም ዝተመቓቐለ ዝገልጽ ዛንታታት ኣብ መናድቕ እቲ ቤተ-መዘክር ተጠቂዑ ይረአ።

85 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ሩዋንዳ ዓሌት ሁቱ እኳ እንተዀኑ፡ቱትሲ ግን ንዘመናት ልዕልና ተቘጻጺሮም እዮም ነይሮም።

ኣብ 1959 ሁቱ ንመግዛእቲ ቱትሲ ኣልዮም ስልጣን ምስ ሓዙ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ቱትሲ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ሃዲሞም።

ብድሕሪኡ ኣብ ስደት ዝነብሩ ዝነበሩ ቱትሲ፡ ‘ሩዋንዳን ፓትሪዮቲክ ፍሮንት’ [አርፒኤፍ] ዝበሃል ግንባር ተቓለስቲ መስሪቶም ኣብ 1990 ንሩዋንዳ ወሪሮምዋ።

ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመት ግጭት ከኣ ስምምዕ ሰላም ተበጺሑ።

ብ6 ሚያዝያ 1994 ኣብ ሰዓታት ምሸት ንፕረዚደንት ጁቬናል ሃብያሪማናን ምስ ብሩንዳዊ መዘናኡ ሳይፕሪየን ንታርያሚራ ዝጸዓነት ነፋሪት ተሃሪማ ወደቐት።

ክልቲኦም ፕረዚደንታት ተወለድቲ ሁቱ እዮም ነይሮም። ክልቲኦም ኣብ ሓንቲ ምሸት ተቐቲሎም።

ድሕሪ'ዚ ክስተት እዩ ነይሩ እቶም ኣኽረርቲ ሁቱ ‘ነዚ ዝፈጸመ ‘ሩዋንዳን ፓትሪዮቲክ ፍሮንት’ [አርፒኤፍ] እዩ’ ብዝብል ንቱትሲ ካብ ምድረ-ገጽ ንምጥፋእ ዝዓለመ ጨፍጫፍ ዝጀመሩ።

ግንባር ሓርበኛታት ሩዋንዳ ግን “እታ ነፋሪት ብሁቱ እያ ተሃሪማ፤ ነዚ ዝብሉ ዘለዉ ምጽናት ዓሌት ምኽኑይ ንምግባር እዩ” ይብል።

ዝርዝር ኣስማት ተቓወምቲ መንግስቲ ነቶም ጠበንጃን ካላሽኒኮቭን ዝተዓጠቑ ምልሻታት ተዋሃቦም።

ሽዑ እቶም ምልሻታት ናብቲ ዝተዋህበ ኣድራሻ ብምኻድ ነቶም ተቓወምትን ስድራቤቶምን ብዘይ ምሕረት ጨፍጨፍዎም።

ጐረቤት ንጐረቤቱ ቀቲሉ። ገሊኦም ሁቱ ‘ውን ነተን ቱትሲ ኣንስቶም ቀተልወን።

‘እንተ ዘይቀቲልናኩም ክንቅተል ኢና’ ዝብል እዩ ነይሩ ምኽንያቶም። ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋውያንን ከይተረፉ ግዳይ ጐዞሞን ጥይትን ኣኽረርቲ ሁቱ ኰኑ። እዚ ክስተት ካብ ዘጋጥም ድሮ 30 ዓመት ገይሩ።

ኣብቲ እዋን ዜግነት ኣብ ወረቐት መንነት (ታሴራ) ይጥቀስ ስለ ዝነበረ እቶም ምልሻታት ክሳድ መንገዲ ዓጽዮም ንቱትሲ ብጎዞሞ ይሓርዱ ነበሩ።

ብኣሽሓት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ ቱትሲ ከኣ ተጨውየን ከም ባሮት ጾታዊ ርክብ ተትሓዛ።

ኣብቲ ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት 800 ሽሕ ቱትሲን ኣኽረርቲ ዘይነበሩ ሁቱን እዮም ተቐቲሎም።

ኣብ ቤተ-መዘክር ምጽናት ዓሌት ኪጋሊ ጥራይ ኣስከሬን 250 ሽሕ ሰባት ዓሪፉ ኣሎ።

ኣብቲ ቤተ መዘክር፡ ኣስክሬን ግዳያት ብኸምዚ ይርኣዩ

ምንጪ ስእሊ, GILLES PERESS / MAGNUM PHOTOS

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ቤተ መዘክር፡ ኣስክሬን ግዳያት ብኸምዚ ይርኣዩ

እተን ኩርሲታት

እቲ ቤተ መዘክር ነዚ ዅሉ ታሪኽ ብስእልን ቪድዮን ሰኒዱዎ ኣሎ።

ሓሓሊፉ ብቆርበት ዝተሰርሑ ኩርሲታት ይረኣዩ። ረብሓ ናይቶም ኩርሲታት ዝተገንዘብኩ ሓንቲ ምዕራባዊት በጻሒት ንገጻ ብመንዲል ሸፊና ኮፍ ኢላ ኣምሪራ ክትበክን ምስ ረኣኹ ነይሩ።

ዘድክም’ዩ፣ ኣዝዩ እዩ ዘደክም።ጉልበትካ ዘይኰነ ነብስኻ እያ ትደክም። ንጭካነ ደቂ ሰባት ብቕሉዕ እናረኣኻ ከመይከ ነብሲ ዘይትደክም?

እታ ቀጺላ ዝኣተኹላ ክፍሊ፡ ማእለያ ዘይብሎም ኣሳእል ሰባት ብገመድ ተንጠልጢሎም ዝተሰጥሑላ ክፍሊ እያ ነይራ።

እዞም ኵሎም ሰባት ብሰንኪ መንነቶም ጥራይ ህይወቶም ስኢኖም? ንላዕሊ ጠሚተ ጸሊም ናሕሲ እዩ ዝረኣየኒ።

ካብ ኩርናዓት እቲ ናሕሲ ናብ መንደቕ ዘነጻጸሩ ኣምፑላት ድኹም ብርሃን ይፍንዉ።

ናብ ታሕቲ እንተጠመትኩ ድኹም ሕብሪ ዘለዎ መንጸፍ ይረኣየኒ። ናብ ደገ ምውጻእ በሃግኩ።

'በርያል ቻምበር' [ክፍሊ መቓብር] ዝተበሃለ ክፍሊ ድማ ሽክና ርእሲን ኣዕጽምትን ደቂ ሰባት ተደራሪቡ ዝረኣየሉ ቦታ እዩ።

እዚ ክፍሊ ብቅርጺ ፍርቂ ወርሒ ዝተሰርሐ ስለዝኾነ፡ እቶም ነቲ ዘስካሕክሕ ትርኢት ክርእዩ ዘይደልዩ ብኽፋል ጥራሕ ቍሊሕ ኢሎም ክሰግርዎ ይኽእሉ።

ቀጺሉ ኣብ ዘሎ ክፍሊ ድማ እቶም በቲ ምጽናት ዝሃለቑ ሰባት ክቕተሉ ከለዉ ሒዞምዎም ዝነበሩ ውልቃዊ ንብረቶም ተሰቒሎም ይረኣዩ።

ማልያ፡ ህጻናት ተኸዲኖምዎም ዝነበሩ ማልያታት ዝተፈላለያ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ፡ ቁምጣ፡ ኣብ ኢድ ዝእሰሩ መመላኽዒታት፡ ናይ ክሳድ መስቀል፡ ጫማ፡ ቦርሳ፡ ቍልፊ፡ መፍትሕ፡ መለለዪ መንነት. .ወዘተ. . .

ፍራንሲን፡ በርናርዲን፡ ደቪድ፡ ፊደል፡ ሻነል፡ ኣርዬን፡ . . ናብቲ ዝፈራሕክዎ ክፋሊ በጺሐ። መሓዛይ ዘጠንቀቐኒ ብዘይምኽንያት ኣይነበረን።

እዚ ክፍሊ 'ዝጠፍአ ጽባሕ' ‘Lost Tomorrow’ ዝብል ስም ኣለዎ። ስእልን ዛንታን ገለ ካብቶም ኣብቲ ምጽናት ዓሌት ዝተቐትሉ ህጻናት ጐሊሑ ዝረኣየሉ እዩ።

ዘመድ ኣዝማድ፣ በጻሕቲ ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤተዘመክር ኣብ ዝርከብ መካነ መቓብር ሕቑፊ ዕምበባ የቐምጡ
መግለጺ ስእሊ, ዘመድ ኣዝማድ፡ በጻሕቲ ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤተዘመክር ኣብ ዝርከብ መካነ መቓብር ሕቑፊ ዕምበባ የቐምጡ

ስም፡ ኢንጋቢሬ ፊደል

ዕድመ፡ 9

ዝፈትዎ ስፖርት፡ ኩዕሶ እግሪ

ዝፈትዎ መግቢ፡ ዝተጠበሰ ድንሽ

ጠንቂ ሞት፡ ኣብ ርእሲ ብጥይት ተሃሪሙ

ኮፍ ክብል ብሂገ። ብቆርበት ዝተሰርሐ ኩርሲ ሃሰስ በልኩ። ኣብቲ ብሕብሪ ኣራንሺ ዝተቐብአ ክፍሊ ግን የለን። ገለ ነገር ዝዕፍነኒ ዘሎ ኰይኑ ተሰምዓኒ፣ ግድን ክወጽእ ኣለኒ።

ጽቡቕ ነገሩ ናብ ምዝዛም ገጸይ በጺሐ ኣለኹ። እቲ ቤተ መዘክር ንመምሃሪ ዕላማ ብዝብል ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተፈጸሙ ህልቂት ዘርኢ ክፍልታት’ውን ኣለዎ።

ኣብ እዋን መግዛእቲ ጀርመን ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ሄረሮን ናማን ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት፤ ናዚ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝፈጸሞ ምጽናት ዓሌት [ሆሎኮስት]፤ ምጽናት ዓሌት ካምቦድያ፡ ባልካንስ . . ካልኦት ምጽናት ዓሌታትን ንታሪኽ ተሰኒዶም ኣለዉ።

ሩዋንዳውያን ካብዚ ዘይርሳዕ ምጽናት ዓሌት ንምሕዋይ ነዊሕ መንገዲ ተጓዒዞም ኣለዉ። ግን ድማ ገና ነዊሕ መንገዲ ይተርፎም።

“ህይወት ድሕሪ ምጽናት ዓሌት ቀሊል ኣይኮነን። ብፍላይ ዋላ ሓንቲ ዘይብልካ በይንኻ ተሪፍካ . . ። ኵላትና ጽቡቕን ክፉእን ናይ ምግባር ዓቕሚ ኣለና። ክንፈቱን ክንጸልእን ንኽእል ኢና። ነየናይ ከም እንመርጽ እዩ እቲ ወሳኒ። ሓደ ሰብ ጽልኢ እንተመሪጹ ጽልኢ ይዓጽድ። ፍቕሪ እንተመሪጹ ከኣ ፍቕሪ ይዓጽድ" ትብል ካብቲ ምጽናት ዓሌት ዝተረፈ ካሬንዚ ቴዎኔስተ።

ዛንታ ናይቶም ውጻእ እቲ ጨፍጫፍ ዝዀኑ ካሬንዚ፡ ሁስ ኣኒ ሞኒክን ካልኦት ሩዋንዳውያንን ብቪድዮ ተቐዲሑ በጻሕቲ ክርእይዎ ተዳልዩ ኣሎ።

“ንጐረቤትካ ክትፈትዎ ኣለካ። ግዜ ድማ መምህር እዩ። ቀተልትና ዋላ ሓንቲ ከምዘየትረፉ ንርኢ ኣለና። ብሓባር ንነብር ኣለና" ትብል ሁስ ኣኒ ሞኒክ።

ድሕረ - ምጽናት ዓሌት

ኣብቲ እዋን ሕቡራት ሃገራትን ቤልጅምን ኣብ ሩዋንዳ ሰራዊት'ኳ እንተነበሮም፡ ነቲ ቅትለት ደው ናይ ምባል ዕማም ኣይተዋህቦምን።

10 ወተሃደራት ቤልጅም ምስ ተቐተሉ ሓይልታት ሕቡራት ሃገራትን ቤልጅየምን ካብ ሩዋንዳ ስሒቦም።

ፈታዊት መንግስቲ ሁቱ ዝነበረት ፈረንሳ ብወገና ዜጋታታ ከተውጽእ ፍሉይ ሓይሊ ልኢኻ ናይ ገዛእ ርእሳ መዓስከር'ኳ እንተመስረተት ኣብኡ ዝፍጸም ንዝነበረ ቅትለታት ደው ከተብል ብዘይምኽኣላ ትውቀስ።

ኣሜሪካ ድማ ኣብ ሶማልያ ንዝበጽሓ ክሳራ ስዒቡ ኣብ ግጭታት ኣፍሪቃ ጣልቃ ንከይትኣቱ ዝወሰነትሉ እዋን እውን ነይሩ።

ብድሕሪ’ቲ ኵሉ፡ ሓርበኛዊ ግንባር ሩዋንዳ [አርፒኤፍ - RPF] ክሳብ ሓምለ 1994 ብሰራዊት ዩጋንዳ እናተሓገዘ ናብ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ገስገሰ።

ኣስታት ክልተ ሚልዮን ኣብቲ ምጽናት ዓሌት ዝተሳተፉን ዘይተሳተፉን ሁቱ ድማ ናብታ ሽዑ ዛየር ትበሃል ዝነበረት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ሃደሙ።

ካልኦት ከኣ ናብ ታንዛንያን ብሩንዲን ኣምርሑ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሓይልታት ሓርበኛዊ ግንባር ሩዋንዳ ናብ ስልጣን ምስ መጹ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሁቱ ከም ዝቐተሉ ይኸሱ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ሩዋንዳ ዝብል መስርሕ ፍትሒ ብምቛም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ ምጽናት ዓሌት ዓቢ ተራ ዝነበሮም ሰባት ክሲ መስረተ።

ኣብ ሩዋንዳ ድማ ‘ጋቻቻ’ ተባሂለን ዝጽውዓ ሃገር-ቦቆል ባይቶታት ቈይመን፡ ነቶም ኣብቲ ምጽናት ዓሌት ዝተሳተፉ ሰባት ክፍረዱ ተገይሩ።

ፖል ካጋመ፡ ድሕሪ እቲ ምጽናት ዓሌት ፕሬዝደንት ኰይኑ ነታ ሃገር ዘመሓድር ዘሎ መራሒ እዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፖል ካጋመ፡ ድሕሪ እቲ ምጽናት ዓሌት ፕሬዝደንት ኰይኑ ነታ ሃገር ዘመሓድር ዘሎ መራሒ እዩ

ፕረዚደንት ፖል ካጋመ ድሕሪ ምጽናት ዓሌት ነታ ንእሽቶ ሃገር ናብዚ ሎሚ ዘላቶ ደረጃ ብምብቃዕ ብዙሕ ናእዳ እዩ ዝቐረበሉ። ሩዋንዳ ብቝጠባ ክትምዕብል፣ ኣብ ጥዕና፡ ቴክኖሎጂን ቱሪዝምን ዝሓሸት ንክትኸውን ዝገበሮ ጻዕሪ ይዕወት ኣሎ።

ነቐፍቲ ግን ድምጺ ተቓወምቲ ይዕፍን እዩ ብዝብል ይኸስዎ።

ምጽናት ዓሌት ኣብ ሩዋንዳ ብጥንቃቐ ካብ ዝረኣዩ ተኣፈፍቲ ጉዳያት ሓደ እዩ። ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ብሄር ምዝራብ’ውን ብሕጊ ከቕጽዕ ይኽእል።

መንግስቲ እታ ሃገር “ከምዚ ዝገበርኩ ናይ ጽልኢ ዘረባን ደም ምፍሳስን ንምክልኻል እዩ” ይብል። ካልኦት ግን “እዚ ሓቀኛ ዕርቂ ንኸይፍጠር ዝገብር ክኸውን ይኽእል እዩ” ዝብል ስግኣት የልዕሉ።

ጸብጻብ ዩኒሴፍ ከምዘመልክቶ፡ ብሰንኪ ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት 95 ሽሕ ህጻናት ዘኽታማት ኰይኖም’ዮም።

ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ሩዋንዳ ካብ ዝፍጸም 30 ዓመት ኰይኑዎ ኣሎ። ካብቲ ኣረሜናዊ ቅትለት ዝደሓኑ ህጻናት ኣብዚ እዋን ኣብ ዕድመኦም 30 ዓመት ወሲኹ ኣሎ ማለት እዩ።

ገሊኦም ናብ ቤተ-መዘክር ምጽናት ዓሌት ኪጋሊ ንምእታው ይፈርሑ። እንታይ ከም ዘጋጥሞም ስለዘይፈልጡ።