ጋና ንመጀመርታ ግዜ 'ዓለም ዝቕይር' ክታበት ዓሶ ኣጽዲቓ

ተመራማሪት

ምንጪ ስእሊ, UNIVERSITY OF OXFORD

ጋና ነቲ ብዘፍረይዎ ተመራመርቲ 'ዓለም ዝቕይር' ተባሂሉ ዝተሰምየ ክታበት ዓሶ ዝተቐበለት ቀዳመይቲ ሃገር እያ።

እቲ R21 ዝተባህለ ሓድሽ ክታበት ምስቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዕዳጋታት ዝወዓሉ ተመሳሳልቲ ክታበታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝያዶኦም ኣድማዒ እዩ።

በዚ ድማ ክፍሊ ቍጽጽር መድሃኒት ጋና፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ዛዕባ ድሕነትን ኣድማዕነትን እቲ ክታበት ዝምልከት ናይ ፈተነ መረዳእታ ብምግምጋም፡ ክጥቀሙሉ ወሲኖም ኣለዉ።

ውድብ ጥዕና ዓለም እውን ነቲ ክታበት ንምጽዳቕ ይሓስብ ኣሎ።

ሕማም ዓሶ ኣብ ዓመት ኣስታት 620,000 ሰባት ይቐትል፡ መብዛሕትኦም ድማ ንኣሽቱ ህጻናት እዮም።

ንኣካላትና ካብ ዓሶ ዝከላኸል ክታበት ንምምዕባል ንሓደ ክፍለ ዘመን ዝቐጸለ ዓቢ ሳይንሳዊ ስራሕ እዩ።

እቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ካብ ዝተኻየዱ መባእታዊ መጽናዕትታት ዝተረኽበ መረዳእታ ፈተነ ከምዘመልክቶ፡ እዚ ክታበት R21 ኣብ ስለስተ እብረ ምስ ተዋህበ ድሒሩ’ውን ኣብ ዓመት መሕደሲ ነቲ ክታበት ሓንሳብ ምስ ተዋህበ ክሳብ 80% ውጽኢታዊ ምዃኑ ይሕብር።

ሰፊሕ ኣጠቓቕማ ናይቲ ክታበት ግን ኣብ ውጽኢት ናይቲ ኣስታት 5000 ህጻናት ዘሳተፈ ዝዓበየ ፈተነ እዩ ዝምርኮስ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚኦም ፈተነታት ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ክካየዱ ትጽቢት ዝግበረሎም'ኳ እንተነበሩ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ውጽኢቶም ብወግዒ ኣይተገልጸን። ይዅን እምበር፡ ምስ ገለ መንግስታዊ ኣካላትን ተመራመርትን ኣፍሪቃን ግን ተኻፊሎም ኣለዉ።

ነዚ መረዳእታ ዝረኣየ በዓል መዚ መግብን መድሃኒትን ጋና፡ እቲ ክታበት ካብ ሓሙሽተ ወርሒ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ክጥቀሙሉ ኣጽዲቑ።

ውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን’ውን ነቲ መረዳእታ የጽንዓኦ ኣለዋ።

ኣብቲ ክታበት ዝተማህዘሉ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዝርከብ ዳይረክተር ኢንስቲትዩት ጀነር ፕሮፌሰር ኣድሪያን ሂል፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ምዝርጋሕ ክታበት Covid-19 ድሕሪት ተሪፈን ብምንባረን፡ "ንሕና ክንውስን ኢና" ኢለን ይእውጃ ከምዘለዋ ይዛረብ።

"R21 ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ኣብ ምጕዳል ብዓሶ ዝሞቱ ህጻናት ዓቢይ ጽልዋ ክህልዎ ትጽቢት ንገብር፤ ኣብ ዝተናውሐ መጻኢ ድማ ኣብቲ ምጥፋእን ምውጋድን ዓሶ ዝብል ሓፈሻዊ ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣበርክቶ ክገብር'ዩ" ይብል።

ኢንስቲትዩት ሴረም ህንዲ ኣብ ዓመት ካብ 100-200 ሚልዮን መጠን ንምፍራይ ኣብ ኣክራ ጋና ፋብሪካ ክታበት ብምስራሕ ይሸባሸብ ኣሎ።

ንነፍሲ ወከፍ መጠን ፈውሲ R21 ገለ ዶላራት ዋጋ ክህልዎ ትጽቢት ይግበር።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኢንስቲትዩት ሴረም ኣዳር ፑናዋላ፡ "ነዚ ዓቢ ጾር ዝዀነ ሕማም፡ ዓቢ ጽልዋ ዘሕድር ክታበት ምምዕባል ኣዝዩ ከቢድ'ዩ ነይሩ" ይብል።

ወሲኹ፡ ጋና ከም ነቲ ክታበት ዘጽደቐት ቀዳመይቲ ሃገር መጠን፡ "ኣብ መላእ ዓለም ዓሶ ንምምካት ኣብ እንገብሮ ጻዕርታት ወሳኒ ርኡይ ምዕራፍ" ትውክል ኢሉ

ቀዳመይቲ ሃገር ነቲ ክታበት ዘጽደቐት ሃገር ብምዃና፡ "ኣብ መላእ ዓለም ዓሶ ንምምካት ኣብ እንገብሮ ጻዕርታት ርኡይ ስጕምቲ" ትውክል ኢሉ።