ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ድርቂ ብዘስዓቦ ሕማም ሸሮኽ ብዙሓት ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን 48 ሰባት ዝቐተለ ለበዳ ሕማም ሸሮኽ መንቀሊኡ ምስፍሕፋሕ ድርቂ ምዃኑ ኢንስቲትዩት ህዝባዊ ጥዕና ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ግዝያዊ ዳይሬክተር ዳህሳስን ምላሽን ሕማማት እቲ ኢንስቲትዩት ኣቶ መስፍን ወሰን ኣብዚ ዓመት 2 ሽሕን 170ን ሰባት ብሕማም ሽሮኽ ከም ዝተለኸፉ ኣመልኪቱ።
ለበዳ ሕማም ሸሮኽ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ 15 ወረዳታትን ኣብ ክልል ሶማል ኣብ ሰለስተ ወረዳታትን ብድምር ኣብ 170 ቀበሌታት ከምዘጋጠመ ዝገለጸ ኣቶ መስፍን፡ ካብ ክልል ኦሮምያ 1 ሽሕን 880 ሰባት ካብ ሶማል ድማ 290 ሰባት ከም ዝተለኸፉ ይሕብር።
ካብተን 18 ወረዳታት ኣብ ሓሙሽተ ወረዳታት እቲ ጨና ንምቍጽጻር ኣጸጋሚ ምዃኑ’ውን ተዛሪቡ።
ካብቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ 31 ነበርቲ ክልል ኦሮምያ ክዀኑ እንከለዉ፡ ዝተረፉ ድማ ነበርቲ ክልል ሶማል እዮም።
ኣብተን ክልላት መጠን ዝተለኸፉ ሰባት ካብ 100 ሽሕ ሰባት 120 ከም ዝዀነን መጠን ሞት ድማ 2.1 ሚእታዊ ከም ዝዀነን ኣመልኪቱ።
ኣቶ መስፍን፡ እቲ ለበዳ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ከምዝወሰኸ ብምግላጽ፡ ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ወሰኽ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ድርቂ ምዃኑ ጠቒሱ።
እቲ ድርቂ ሕጽረት ጽሩይ ማይ ከም ዘስዓበን ሕጽረት መኣዛዊ ኣመጋግባ፡ ደረቕ ክሊማን ሕጽረት ሽቓቕን ምኽንያት ምስፍሕፋሕ እቲ ሕማም ከም ዝዀነን ኣመልኪቱ።
“እቲ ከቢድ ሕጽረት ማይ ነዚ ለበዳ ኣጋዲድዎ ኣሎ። . . . ሕጽረት መግብን ማይን ቀንዲ ምኽንያት ምልባዕ እዩ" ክብል ወሲኹ።
ብተወሳኺ ኢንስቲትዩት ህዝባዊ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ እቲ ሕማም ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት 23 ግዝያዊ መሐከሚ ማእከላት ብምቛም ግልጋሎት ይህብ ከም ዘሎ ገሊጹ።
እቲ ለበዳ፡ "ሕጂ'ውን ምስቲ ወቕቲ ተኣሳሲሩ" ናብ ካልኦት ክልላት ክዝርጋሕ ተኽእሎ ከም ዘሎ ዝገለጸ ኣቶ መስፍን፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ንምክልኻል ምስ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት መሰናድኦ ስራሕ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣብሪሁ።
ብዘይካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ዲሞክራስያዊ ኮንጐ፡ ናይጀርያ፡ ማላዊን ሞዛምቢክን እውን ብዙሓት ሰባት ተለኺፎም ኣለዉ።
ሕማም ኮሌራ እንታይ እዩ?
ሕማም ሸሮኽ ቫይብሮ ኮሌራ ብዝተበሃለ ባክተርያ ዝመሓላለፍ ኰይኑ እዚ ድማ ብዝተበከለ መግብን መስተን ዝኽሰት እዩ።
ትሑት ጽሬት ቀንዲ መንገዲ ምትሕልላፍ እዚ ሕማም እዩ። ብፍላይ በቲ ባክተርያ ናይ ዝተለኽፈ ሰብ ቀልቀል፡ መግብን ማይን ብቐሊሉ ክብክል ይኽእል።
እቲ ባክተርያ ናብ ኣካላት ምስ ኣተወ ዘድሊ ሕክምና ብቕልጡፍ እንተዘይተገይሩ፡ ብርቱዕ ተምላስን ውጽኣትን የስዕብ። ልዑል መጠን ፈሳሲ ካብ ኣካላትና ክወጽእ ብምግባር ድማ ናብ ሞት ዘብጽሕ ሕማም እዩ።
ምልክታት
መብዛሕትኦም ብባክተርያ ኮሌራ ዝተለኽፉ ሰባት ምልክት ዘይረኣዮም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገለኦም ግን ብርቱዕ ተምላስን ውጽኣትን የጋጥሞም።
ከም ውጽኢቱ ልዑል መጠን ፈሳሲ ካብ ኣካላት ስለዝወጽእ እቶም ሰባት ኣዝዮም ይዳኸሙ። ቃንዛ ቅልጽምን እግርን ከምኡ’ውን ቅርጸት የስዕበሎም።
እዚ ሕማም ብፍላይ ኣብ ህጻናት ዝበርትዐ ስለዝዀነ ብቕልጡፍ ሕክምና ክረኽቡ እንተዘይተገይሩ ናብ ሞት ከብጽሕ ይኽእል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







