ኣብ ኢትዮጵያ ድኻ ክፋል ሕብረተሰብ ብኸቢድ እንትሓምም ኣበይ ይሕከም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዶክተር ቅድስት መላኩ ናይ ትዊተር ገፃ ሓደ ሓደ ግዜ ልክዕ ናብ 'Go Fund Me' እዩ ዝቕየር። ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት ግን ፈትያ ኣይኮነትን።
ህይወት ክተድሕን ስለ እትጽዕር እዩ። በዚ ፃዕራ ድማ ዝተዓወተትሎም እዋናት ኣለዉ።
ናብቲ ንሳ እትሰርሓሉ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ፡ 'ኣብ ኣፍ ሞት ኮይኖም' ዝመጽኡ ብዙሓት ሕሙማት ኣለዉ።
እቶም ሰባት ምናልባት ብሓንቲ ከኒና ጥራይ ክድሕኑ ዝኽእሉ ወይ ድማ ብህይወት ንክፀንሑ ሓንቲ ጥርሙዝ ሽሮፖ ተድልዮም ትኸውን። ግን ከኣ ነዚ ክገዝኡ ዓቕሚ ይስእኑ።
እሞ ደኣ ዶክተር ቅድስት እንታይ ምርጫኸ ኣለዋ? ሰብ እናሞተ ስቕ ኢልካ ምርኣይ’ውን ከቢድ’ዩ።
ምስጨነቓ ናብ ትዊተራ ኣማዕደወት። ዝኸኣልኩምዎ ኣዋፅኡ ንምባል።
ባህሪ ሞይኣ ኮይኑ መዓልታዊ ብዙሕ ነገራት ክትርእይ እያ ትውዕል።
ንኣብነት 10 ብር ሒዞም ናብ ሆስፒታል ዝመፁ ሕሙማት ኣለው። 10 ብር እንታይ ትገዝእ? ካርዲ ንምውፃእኸ ትኣክል’ዶ ትኸውን?
ሓደ ሓደ ግዳም ሓደር ዝኾኑ ሰባት ኣብ ጽርግያ ወዲቖም እንትግዕሩ ሰባት ሒዞምዎም ናብቲ ሆስፒታል ይመፅኡ።
ገለ እዋናት ድማ ፖሊስ ካብ ኣፍ ሞት ንዘለዉ ሕሙማት ሒዙ ይመፅእ። ብፍላይ ግዳም ሓደር ህጻናት።
"ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኮይኖም ክመፅኡ ከለዉ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ህጹጽ ተሓከምቲ ኢና እንቕበሎም" ትብል ዶክተር ቅድስት።
ከምዚኦም ንዝበሉ ሰባት ካርዲ ምውፃእ ስለዘይከኣል ኣብቲ ሆስፒታል ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳይ (ሶሻል ወርከርስ) እዮም ዝቕበልዎም።
"ምስኦም ብምዃን ኣብቲ ቀጽሪ ንዝፍጸሙ ነገራት ብፊርማን ማሕተምን ጌርና ንግዚኡ ነቲ ስራሕ ንወጋግን” ክትብል እታ ዶክተር ተረድእ።
እቲ ጸገም ዝመፅእ ግን መድሃኒትን መርመራ ላቦራቶሪን ክእዘዝ ከሎ እዩ።
ምኽንያቱ ኩሉ ነገር ኣብ ሆስፒታል ዝተማልአ ኣይኮነን።
እቲ ሓደ ምስ ዝህሉ እቲ ካልእ ይሰኣን።
“ሽዑ ኢና ኣብ ጸገም ንኣቱ። ንሰባት ክንልምን ንጅምር” ትብል።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት እቲ ሆስፒታል እንታይ ይገብር?
ነርስ፣ ሓኪም፣ ዋላ እቶም ኣብቲ ሆስፒታል ዘለዉ ሰራሕተኛታት ጽሬት፡ ዝኸኣልኩም ኣዋፅኡ ተባሂሎም ንዕኡ ኣኪብካ ዝኾነ ነገር ክገብሩ ይጽዕሩ።
እቲ ዝገርም ግን ገለ ካብቶም ኣዋፅኡ ዝብሃሉ ሰባት ኣብቲ ሆስፒታል ዓራት ሒዞም ዝሕከሙ ሰባት እውን ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ዝኸውን ድማ እቲ ኩነታት ከቢድ እንተኾይኑ እዩ።
እዚ ኣገባብ እዚ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሕ ዘኽይድ ኣይኮነን።
ካብ ዓራት ተሲኡ "ንዓይ እውን ኣዋፅኡለይ" ክብል ዝኽእል ሕሙም እውን ኣይሰኣንን።
ንርእሱ እኳ ዘይኣኽልኦ ግን ድማ እተን ዘለውኦ መድሃኒት ንኻልኦት ከማቕል ፍቓደኛ ዝኾነ ተሓካማይ ኣይሰኣንን።
“ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ብፍላይ ኣብ ሰዓታት ለይቲ ምስ ዘጋጥመና ኢና ናብ ሽግር ንኣትው። ምኽንያቱ ኣብ ለይቲ ሰብ ኣይህልውን" ትብል ዶክተር ቅድስት።
ኣዋፅኡ ክትብል‘ኮ ሰብ ክህሉ ኣለዎ።
በዚ ምኽንያት ድማ ብለይቲ ናብ ሆስፒታል ዝመፅኡ ግዳም ሓደር ህፃናት ኣብ ጸገም ይወድቁ።
ክንደይ ግዜ ኣዋፅኡ ይብሃል?
ዶክተር ቅድስት ኣብ ትዊተር ወፂኣ’ውን እንተኾነ ሰባት ክተድሕን ብምኽኣላ ንፈጣሪኣ ተመስግን።
'ክሳብ መዓዝ እናለመንካ?' ምባላ ግን ኣይተረፈን።
“ስፍሓት ጸገምና ደረት የብሉን። ሓደ ጸገም ክትፈትሕ ከለኻ፡ ዝኸፍአ ጸገም ይመጽእ። ነቲ ሓደ እናበልካ ካልእ ይመጽእ። በቃ ትገብሮ እዩ ዝጠፍኣካ” ትብል።
እሞ ደኣ ነቶም ዓቕሚ ዘይብሎም ሰባት ብኸመይ እዩ፡ ዘላቒ ውሕስነት ምሃብ ዝከኣል?

ምንጪ ስእሊ, BLACK LION HOSPITAL
ብዙሓት ሆስፒታላት ንፅጉማት ናይ ደገፍ ደብዳበ ይሓታ እየን። እቲ ኣዝዩ ድኻ ዝብሃል ከይተረፈ እታ ናይ ደገፍ ደብዳበ ንኽትፀሓፈሉ ቁሩብ ገንዘብ ክኸፍል ጀሚሩ’ሎ።
ነቲ ‘ናይ ድኻ ድኻ’ ዝብሃል ደረጃ እውን ደብዳበ ኣፅሒፍካን ቀበሌ መስኪሩን ብኽንደይ መከራ ኢኻ ትረኽቦ።
ኣየናይ ቀበሌ እዩ ሓላፍነት ብምውሳድ ነዞም ግዳም ሓደር ህፃናት ደብዳበ ዝፅሕፍ? ናይ ቀበሌ መለልዪ ወረቐት መንነት’ከ ኣለዎም ድዩ?
"ኣድላዪ እንተኾይኑ ናብ ደገ ወፂኦም ክሕከሙ ንገብር ኢና"
ኣቶ እርቅይሁን ‘ሆፕ ፎር ጀስቲስ’ (ተስፋ ንፍትሒ) ኣብ ዝተብሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ኣካያዲ መደባት እዩ።
ትካሎም ኣብ ጉዳይ ግዳም ሓደር እዩ ዝሰርሕ። ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ድማ 6 ማእኸላት ኣለዎ።
ንብዙሓት ብወልፊ ዝተጠቕዑ፣ ዝሓመሙ፣ ኣብ ጽርግያ ዝወደቑ ህጻናት ቀዳምነት ብምሃብ ይቕበሉ።
ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት ጥዕና ዝወደቑ ህጻናት ይመፅእዎም።
ኣካላቶም ተጎዲኡ፣ ኣብ ጎዳና ፆታዊ ግህሰት ተፈፂምዎም ዝኸድዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እውን ኣለዉ።
ሰራሕተኛ ገዛ ኮይነን ክሰርሓ ድሕሪ ምፅናሕ ምዝመዛ ጉልበት በፂሕወን ናብ ጎደናታት ምስወፅኣ ትካሎም ዘልዕለን ከምዘለዋ ይዛረብ።
ብወልፊ ብሕማቕ ዝተሃስዩ ሰባት፤ ኒሞንያ ዘለዎምን ብኤችኣይቪ ዝተለኽፉን ሳሕቲ የጋጥምዎም።
መብዛሕትኦም ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ሒዞም እዮም ዝመፅኡ። ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ።
ብኣቦኣ ካብ ዝተዓመጸት ንእስቲ ጀሚሩ፡ ኣዝዮም ንምስማዕ ዝኸብዱ በደላት ዝተፈጸሞም ቈልዑ ኣብ ጎደናታት ይርከቡ።
“ብመንፅር እቲ ዘሎ ፀገም ክረአ እንከሎ፡ እቲ ብትካልና ዝስራሕ ስራሕ ኣዝዩ ንእሽቶ እዩ። ኣሽሓት ህፃናት እዮም ኣብ ጎደና ዘለዉ። ብዙሕ ሰብ ክረባረብ ኣለዎ" ይብል ኣቶ እርቅይሁን።
ወሲኹ ከረድእ ከሎ "እቶም ህጻናት ናባና ምስ መፅኡ ምሉእ ፓኬጅ ሕክምና እዮም ዝረኽቡ" ይብል።
እቲ ትካል ነቶም ህጻናት ካብ ጎደናታት ክቕበሎም ከሎ መጀመርያ መሰረታዊ መርመራ ጥዕና ከካይዱ ብምግባር’ዩ።
ክዳውንቶም ይቕየር፤ ቁስሊ እንተሃልይዎም ኣብ ክሊኒኮም ክሕከሙ ይግበር። ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ድማ ናብ ዝለዓለ ሆስፒታል ተላኢኾም ከም ሕማም ሄፓታይተስ ቢ፣ ኤችኣይቪን ካልኦትን ክምርምሩ ይግበር።
እዚ ጥራይ ኣይኮነን ስርዓተ ኣመጋግባኦም ክስተኻኸል ብምግባር ንበይኖም መደቀሲ ዓራት ይዳለወሎም።
ድሕሪ ምርግጋኦም ድማ ኣገልግሎት ምኽሪ ስነልቦና ይወሃቦም።
ናብቲ ማእከል ዝኣተዉ ግዳም ሓደር ህፃናት ሕክምና መጥባሕቲ ከይተረፈ እንተድኣ ኣድልይዎም ናብ ዓበይቲ ናይ ብሕቲ ሆስፒታላት ወሲዱ ክሕከሙ ይገብር።
ሓደ ካብቶም ናብቲ ማእከል ዝኣተዉ ግዳም ሓደር ህጻናት ብኸቢድ ሓሚሙ ኣብ ወጻኢ ሃገር ሕክምና እንተድኣ ኣድልይዎ ትካሎም ነቲ ወጻኢታት ይሽፍኖ እዩ።
"ኣብ ዓሰርተ ሃገራት ስለ እንሰርሕ፡ ወጻኢታት በረራታት ሸፊንና ሕክምና ክረክብ ንገብሮ ኢና" ይብል ኣቶ እርቅይሁን።
ኣስዕብ ኣቢሉ "ትካልና ብዛዕባ ወጻኢታት ዘይኮነስ ህይወት እቲ ህጻን ምድሓንን ድሕሪኡ ምቕያርን እዩ ዘገድሶ" ክብል የረድእ።
ግዳም ሓደር ህፃናት ስለምንታይ ብመድሕን ጥዕና ዘይሽፈኑ?
ከም ሆፕ ፎር ጀስቲስ ዝበሉ ግብረሰናይ ትካላት ብዙሓት የለዉን። ብዝሒ ግዳም ሓደር ህፃናት ክረአ ከሎ ግን ማእለያ የብሎምን።
እንተወሓደ ብኸመይ ናይ ነጻ ሕክምና ክረኽቡ ይኽእሉ? ብርግፅ ይትረፍ መድሃኒት ዝጠዓም መግቢ ኣበይ ረኺቦም ዝብል ኣይሰኣንን።
ዝኾነ ኮይኑ ግን ጥዕንኦም ኣብ ሓደጋ ክወድቅ ከሎ፤ ብሕማም ኣብ ዝሳቐዩሉ እዋን ዝኾነ ዓይነት ሕክምና ክረኽቡ ይግባእ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን’ዩ ስርዓት መድሕን ጥዕና ተጀሚሩ ዘሎ።
ወይዘሮ ፍረህይወት ኣበበ ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት መድሕን ጥዕና ኢትዮጵያ እያ።
እዚ ጉዳይ ኣልዒልናላ ኔርና፤ ብቐዳምነት እቲ ኣገልግሎት መድሕን ጥዕና ዝብሃል ኣብ ክልተ ከምዝምቀል ተረድእ።
እቲ ሓደ 'ማሕበራዊ መድሕን ጥዕና' ዝበሃል እዩ።
ንሰራሕተኛታት መንግስትን ተቖፂሮም ዝሰርሑ ድማ የጠቓልል። እዚ ግን ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ 17 ሚእታዊት ጥራይ እዩ ዝሽፍን።
እቲ ካልኣይ ድማ 'ናይ ማሕበረሰብ መድሕን ጥዕና' ይበሃል።
እዚ ድማ ኣብ ዝተሓተ ቁጠባቂ ዓቕሚ ንዘለዉ ሰባት የጠቓልል።
ሓረስቶት፣ ኣርባሕቲ እንስሳ፣ ኣብ ንኣሽቱ ንግዲ ዝተዋፈሩ፣ ብሓፈሻ ንኹሎም ተቖፂሮም ዘይሰርሑ ዜጋታት ዝምልከት ኮይኑ ን83 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይሽፍን።
ግዳም ሓደር’ከ ኣበይ ይካተቱ?
ወይዘሮ ፍረህይወት እዚ ሕቶ ብድሆ ኮይኑ ከምዝጸንሐ እያ ትዛረብ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ስርዓት መድሕን ጥዕና ብደረጃ ስድራቤት ጥራሕ ስለዝሰርሕ እዩ።
"ክሳብ ሕጂ ብዝነበረ ኣካይዳ እቲ ምዝገባ መድሕን ጥዕና ብደረጃ ስድራቤት እዩ ዝፍፀም" ትብል።
ስለዚ ንግዳም ሓደር ኣየጠቓለለን። ኣብዚ እዋን ግን ሓድሽ ነገር ኣሎ።
ብመሰረት ዝወፅአ ሓድሽ ኣዋጅ፡ ንግዳም ሓደር ሓዊሱ እቶም ኣብ ትሕቲ ፀፍሒ ድኽነት ዝርከቡ ሰባት ማለት 23.4 ሚእታዊት ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ መድሕን ጥዕና ክካተቱ እዮም።
ወጻኢታት ድማ ብመንግስቲ ዝድጎም ይኸውን።
እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ሕጊ ውልቃዊ ኣባልነት ኣይፈቅድን ነይሩ።
"እዚ ጉድለት ኮይኑ ስለዝተረኽበ፡ ብደረጃ ውልቀሰብ ኣባላት ክኾኑ ከምዘለዎም ተወሲኑ’ሎ" ትብል እታ ዳይረክተር።
እሞ መን እዩ ዘመዝግቦም ዘሎ? ዝብል ክሳብ ሎሚ መልሲ ኣይረኸበን።
ወ/ሮ ፍረህይወት ብወገና ነዚ ሕቶ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ እዚ ሓላፍነት ናይ ክልላት ከምዝኾነ የመልክት።
"እቲ ኣዋጅ፡ ክልላዊ መንግስታት ንግዳም ሓደር ወገናት ሽፋን መድሕን ጥዕና ክዕድጉሎም ግዴታ ከምዘለዎም ይድንግግ" ትብል።
ክልላዊ መንግስታት ግን ነዚ የፈጽምዎ የለዉን።
“እቲ ሕጊ ንግዳም ሓደር ወገናት መሰል ሂቡ’ሎ። ትግባርኡ ግን ቀሊል ኣይኮነን። ንሰርሓሉ ኢና ዘለና።" ትብል ወ/ሮ ፍረህይወት።
ኣብ 2023 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 'ኩሉ ዜጋ' ብናይ ጥዕና መድሕን ሽፋን ረኺቡ ካብ ጁባኡ ከይከፈለ ሕክምና ክረክብ እዩ ብዝብል ይስራሕ ከምዘሎ ይግለፅ።
ግዳም ሓደር ዜጋታት’ከ ኣብታ "ኩሉ ዜጋ" እትብል ሓረግ ይካተቱ ድዮም?




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







