ንመንእሰያት ኣደዳ ጭንቀት ዝገብር ዘሎ ‘ዓው ኢልካ ዘይዝረቦ’ ጉዳይ

ቈልዑ ምስ ወለዶም ብናጽነት ከዋግዑ ብዘይምኽኣሎም ኣደዳ ጭንቀት ይዀኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት መንነታ ክፍለጠላ ኣይትደልን። ንሕና’ውን ንኸይትፍለጥ ብዝብል ዛንታኣ ‘ቅድስት’ እናበልና ክንጽውዓ ኢና። ቅድስት መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ ሎምዘበን እያ ወሲዳ።

እቲ ሎሚ ምስ ቢቢሲ ኣራኺብዋ ዘሎ ርእሰ ጉዳይ ግን ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተፈጸመ’ዩ። “ምስ ሓደ ምሳና ዝመሃር ወዲ ክፍልና ናይ ዓይኒ ፍቕሪ ሒዙኒ ነይሩ” ኢላ ዛንታኣ ትጅምር፤ ፍሕፉሕ ዝብል ፍቕሪ።

ብጸቕጢ መሓዙታ ብፍርሒ ተወሪራ እቲ ‘ናይ ልበይ’ ዝበለቶ ነገር ነጊራቶ። ምላሽ እቲ ዘፍቀረቶ ወዲ ግን ኣይከም ትጽቢታን፤ ሓዚናን ክፍእ ኢልዋን።

እቲ ዘሕዘና ጉዳይ ብዙሕ መልክዕ ነይርዎ። “ሓንሳብ ሓንሳብ ንምንታይ’የ ንመሓዙተይ ዝነገርኩወን?” ትብል።

መሓዙታ ንዓኣ ኣብ ዝርእያሉ ቀንዲ መዘራረቢ ዛዕባአን፡ ‘ፍቕሪ ሕቶ’ ቅድስት እዩ ዝኸውን። ነቲ ዝተፈቐረ ወዲ ኣብ ዝርኣያሉ እውን ብተመሳሳሊ፡ ዕላለን ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ካብ ዝኸውን ውዒሉ ሓዲሩ እዩ።

ጭንቀት ቅድስት ኣብ ቤት ትምህርቲ ተወሊዱ ቀስ ብቐስ ናብ ገዛኣ'ዩ በጺሑ።

“ስድራይ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣይፈልጡን” እትብል ቅድስት፡ ጥራውዝታ ቀሊዓ መጽናዕቲ ክትጅምር፣ ኣብ ዓራት ተጋዲማ'ውን ዀይና ኣብ ኣእምሮኣ እናተመላለሰ ዝርብሻ ዘሎ እቲ ዘፍቀረቶ ወዲ ክፍላ’ዩ።

ንሳ፡ ኣብ ትምህርቲ ብዙሕ መገዲ ካብ ዝተጓዕዙ ስድራ ስለዝተወለደት፡ ኣብ ትምህርታ ንፍዕቲ እትበሃል ኰይና ወለዳ’ውን ብትምህርቲ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ክርእይዋ ዝምነይዋ መንእሰይ እያ።

ብፍላይ ኣቦኣ ‘ኣሰረይ ዝተኸተለት ጓለይ” ኢሉ ዝሕበነላ ተመሃሪት’ያ። ብተደጋጋሚ መውጽኢት ኣፍ “ዛ’ጓለይ ትምህርትኺ ብዝግባእ ኣጽኒዕኪ ሓዚ” እትብል ዘረባ’ያ።

ቅድስት ግን እቲ ካብ ልባ ዘፍቀረቶ ወዲ ክፍላ ንፍቕራዊ ሕቶኣ እወንታዊ ምላሽ ዘይምሃቡን ወለዳ በቲ ንሶም ዝጽበይዋ ደረጃ ትምህርቲ ዘይምንፋዓን ከጨንቓ ጀሚሩ’ዩ።

ካብ ገዛኣ ናብ ቤት ትምህርታ፣ ካብ ቤት ትምህርታ ናብ ገዛኣ እንተዘይኰይኑ ካልእ መዋጽኦ ስኢናትሉ። “ካልእ ሰብ ዝዀንኩ’ዩ ተሰሚዑኒ፤ ዘሐጕሰኒ ነገር ስኢነ። ዓይነይ ሰለም ከየበልኩ ድቃስ'ውን ሓሪሙኒ። በቃ ካልእ ሰብ እየ ኰይነ።”

ኣብዚ ግዜ’ዚ ቅሩብ ዕረፍቲ እትረኽበሉ ‘ናተይ’ ምስ እትብለን መሓዙታ ክትከውን እንከላ’ዩ። እዚ ድማ ኵሉሳዕ ዝኸውን ኣይኮነን። ቅድስት ካብ ገዛኣ ክትወጽእ ኣይፍቀደላን’ዩ። መሓዙታ ናብ ገዛአን ክኸዳ እንከለዋ ድማ ናይ ልበን ከዋግዓ ኣይጥዕመንን።

ህይወት ቅድስት ከምዚ እናበለ ሰሙናት ሓሊፎም። ስድራኣ ከይሰምዑ መፍትሒ ከምጽኣለይ’ዩ ዝበለቶም ሓሳባት ስኢና። ፍታሕ ካበይ ይምጻእ? መጽሓፍቲ ኣገላቢጣ ኣንቢባ ሕጂ’ውን መፍትሒ ተቐቢጹ።

ገለ መፍትሒ እንተረኸብኩ ኢላ ኣብ ዩቱብ ቪድዮታት ምርኣይ’ኳ እንተጀመረት፡ ንኣእምሮኣ ዕረፍቲ ዝህባ ፍታሕ ክትረክብ ኣይከኣለትን። ኣብ መወዳእታ ግን ናብ ማእከል ሕክምና ክትከይድ ወሲና።

'ጭንቀት… ይዛይድ’ዩ ዘሎ'

እዚ ውሳነ ንባዕሉ ቀሊል ኣይነበረን። ንስድራኻ እንከይተዛረብካ ናብ እንዳ ሓኪም ምኻድ ከቢድ ውሳነ’ዩ። ብዙሕ መዘዝ ኣለዎ። ብዙሕ ሕቶ የስዕብ’ዩ። ቅድስት ድማ ኣሽንኳይ’ዶ ንብዙሕ ሕቶታት ንሓንቲ ሕቶ እትኸውን መልሲ'ውን የብላን።

ቤተሰብካ ዘይብሉ ናብ እንዳ ሓኪም ምኻድ ሓጋዚ ከምዘይብልካ ስምዒት ይፈጥረልካ። ንተመሃሪት ድማ ዝገደደ ገንዘብ ስለዘይብላ ካልእ ናይ ገዛእ ርእሱ ጸገም ኣለዎ። ነታ ኣመና ቍጽጽር ዝበዝሓ ቅድስት ካብ ቤት ትምህርቲ በዂራ ናብ እንዳ ሓኪም ክትከይድ ዓቐበት ኰይኑዋ።

ምስ ገዛእ ርእሳ ብዙሕ መኺራ መወዳእታኡ ንብሕታ ናብቲ እንዳ ሓኪም ክትከይድ ወሲና። “ካብቲ ንሻሂ ተባሂሉ ዝወሃበኒ ዝዓቘርክዎ ገንዘብን መሓዙተይ’ውን ዝተወሰነ ዝሃቡኒ ገንዘብ ሒዘ ናብቲ እንዳ ሕክምና ከይደ” እትብል ቅድስት ሓኪም ጭንቀት ከምዘለዋ ሓቢርዋ።

ሕጂ ድማ ናብ እንዳ ኣቶ ብርሃኑ ራቦ ክንወስደኩም። ኣቶ ብርሃኑ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትካል ኣማኻሪ ሞሽንን ስልጠናን’ዩ። “ብዙሓት ደረስትን ፈላስፋታትን ‘ጭንቀት ሓደ ሰብ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ምስቲ ክበጽሖ ዝደልዮ ደረጃ ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ ክኸውን እንከሎ ዝፍጠር ውጽኢት ምውጣር ኣእምሮ’ዩ” ይብል።

ብዛዕባ እቲ ቅድስት ዝሓለፈቶ ህይወት ንኣቶ ብርሃኑ ኣካፊልናዮ “ጭንቀት ብፍላይ ኣብ ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባት ይውስኽ’ዩ ዘሎ። ስድራ፡ መምሃራን ኮነ ሕብረተሰብ እንተይፈለጡ ሱር ሰዲዱ ኣብ ስቓይ’ዮም ዝርከቡ። ጭንቀቶም ዝርድኣሎም ሰብ ስለዘይብሎም ብናይ ባዕሎም መገዲ መፍትሒ ከናድዩ ላሕ ይብሉ” ዝብል ርእይቶ ሂቡና።

ኣብ ውጽኢት ቴክኖሎጂ ተጸሚድካ ምውዓል ጭንቀት ይውስኽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንግስቲ፡ ስድራን ፈጣርን …እንከሎ ስለምንታይ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መንቀሊ እቲ ጸገም እንታይ ከምዝዀነ ነቲ በዓል ሞያ ሓቲትናዮ ብዙሕ መልክዕ ከምዘለዎ’ዩ ዝዛረብ። ሃገራውን ዓለምለኻውን ጸገማት ብፍርሒ ተወሪሮም ተስፋ ንኽቘርጹ ይገብሮም።

“ጸገማት ጥዕናን ሰኣኖ ሰላምን ኣሎ። ናይ ደቂ ሰባት ሞት ምስማዕ ልሙድ እናዀነ መጺኡ’ዩ” ዝበለ ኣቶ ብርሃኑ መናእሰይ ብሩህ መጻኢ ተስፋ ዘይርኣዮም ብጭንቀት ዝተውሓጡ ከምዝዀኑ ኣብሪሁ።

‘ኣብ ጐነይ መን ኣሎ?’ እንከይበልካ ብዛዕባ ዓሌታውነት፡ ሃይማኖትን ወረ ኵናትን ይውጋዕ። ህጻናትን መናእሰይን ምሳኻ ከምዘለዉ ተረሲዖም ከምድላይካ እዩ ዝዝረብ። እዚ ድማ ህጻናት’ዩ ዝጐድእ” ክብል ተወሳኺ መብርሂ ሂብሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ምህዞታት ቴክኖሎጂ ማዕበላዊ’ዩ ኰይኑ ዘሎ።

ኣብ ሰለፍ ቈልዓ ክሳዕ ሽማግለ ፈይስቡክ፡ ቲክቶክ፡ ቴሌግራምን ዩቱብን ብቐሊሉ እትረኽበሉ ዘመን ኢና ዘለና። ካብቲ ቴክኖሎጂ ዝዕጸድ ግን ጸጽቡቝ ጥራይ ኣይኰነን። መዓት ሕማቕ ነገራት’ውን ማዕረ ማዕረኡ የሸክመካ’ዩ።

ኣቶ ብርሃኑ ኣብ ስርሓት ምምኻርን ስልጠናን ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለዘበን ሰሪሑ’ዩ።

ካብ ዓመት ናብ ዓመት ቍጽሪ ብጭንቀት ዝሳቐዩ ሰባት ይንህር ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ብርሃኑ፡ ናብዚ መደምደምታ ዘብጽሖ ምኽንያት ድማ መጠናዊ መጽናዕቲ ኣካይዱ’ዩ።

“እዚ ዘለናሉ መዋእል ሰባት ዘይዓግቡሉ ግዜ’ዩ። ብዝተፈላለየ ምኽንያት ትጽቢት ዘይተገብረሎም ነገራት ክኽሰት እንከሎ ሃለዋት ፈጣሪ ዝጠራጠሩሉ፡ ‘ፈጣሪ እንከሎ ስለምንታይ እዚ ተኸሲቱ?’ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ምላሽ ክረኽብሉ ናብ ዘይክእልሉ ሓሸውየ ናይ ምእታው ዕድላት ኣሎ።”

“ስድራይ፡ ኣደይን ኣቦይን እንከለዉኒ ስለምንታይ እዚ ክወርደኒ ክኢሉ? ስለምንታይ እዚ የጋጥመኒ’ሎ? መንግስቲ እናሃለወ ስለምንታይ’ዩ እዚ ተኸሲቱ? እናበሉ ካብ ርእሰ ተኣማንነቶም ብምርሓቕ መፍትሒ፡ ሓጋዝን ዓቕምን ናብ ምስኣን ደረጃ ይሰጋገሩ።

ኣክንዲ ብተስፋ ምንባር ተስፋ ናብ ምቝራጽ ገጾም የምርሑ።

ህይወትካ ክተጥፍእ ክሳብ ምህንዳድ 'ዝመላለስ ኵናት…'

እቲ መፍትሒ ኢሎም ዘቐምጥዎ ድማ ካብ ባህሊ፡ እምነትን ሕብረተሰባዊ ጸጋታትን ርሕቕ ዝበሉ ነገራት ምግባር’ዩ። “ኣስዒቦም ድማ ኣብ ገዛእ ርእሶም ኮነ ካልኦት ጨካናት ምዃን’ዩ” ይብል ኣቶ ብርሃኑ።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ህይወቶም ከጥፍኡ ከምዝዀኑ ተዛሪቦም ርእሰ ቅትለት ዝፈጸሙ ሰባት ከምዘለዉ ዝጠቐሰ እቲ በዓል ሞያ ምምኻር “እዚ ኣዝዩ ዘሰንብድ’ዩ” ኢሉ።

ንሱ “ሞት ዝኣክል ከቢድ ነገር ብቘጸራ ወሲንካ ክትትግብሮ እንከለኻ ደረጃ ጭንቀትና ክሳዕ ክንደየናይ ኣብ ምድሪ፡ ሰባትን ሰማይን ተስፋ ቈሪጽና ከምዘለና ዘመላኽት’ዩ። ቈልዑ ተፋኒኻ ናብ ሞት ክትከይድ ምድላይ ናበይ ገጽና ነምርሕ ከምዘለና ብንጹር ዘርኢ’ዩ” ኢሉ።

“ከምቲ ተኸታታሊ ድራማ ኣብ ርእስና ዝመላለስ ዘሎ ኵናት፡ ኣካላውን ንዋታውን ጉድኣቱ ጥራሕ ተሓሲቡ እምበር ስነ ልቦናዊ በሰላኡ ኣብ ግምት ዘእተወ ስራሕ ኣይኰነን ዝስራሕ ዘሎ” ዝበለ ኣቶ ብርሃኑ ከም ሳዕቤኑ ድማ ቈልዑ ተስፋ ክቘርጹ ብዛዕባ መጻኢ ህይወቶም ከይሓስቡ፡ ጽቡቕ ሕልሚ ከይሓልሙን ክብሪ ሰብኣውነቶም ንኽስእኑ ከምዝገብሮም ገሊጹ።

“ሰባት ትርጕም ምንባር መቐረት ምስ ሰኣኑሉ ናብቲ ዘይፈልጥዎ ናይ ሞት ዓለም ክኸዱ ይመርጹ” ዝበለ ኣቶ ብርሃኑ፡ እዚ ኵነታት ግዜ ሓልዩ ዝፍንጀር ነታጕ’ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ። ምሉእ ስድራ ዘመን ዘምጽኦ ቴክኖሎጂ ሒዙ ነንባዕሉ ዘይዘራረበሉ ኵነታት ብናህሪ ይዓቢ ከምዘሎ’ውን ጠቒሱ።

ወለዲ ንደቆም 'እህ' ኢሎም ክሰምዕዎም ይግባእ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

'ንደቈም ዘይሰምዑ ወለዲ'

ደቂ ሰብ፡ ጸገማቶም ክነግርዎ ዝደልይዎም ነቶም ‘እህ ኢሎም ዝሰምዑዎም ሰባት’ዮም። ወለዲ ናይ ገዛእ ርእሶም ጸገም ንኽሓልፉ ወይ’ውን ዕላማኦም ንምዕዋት እምበር ሓሳባት ደቆም ዝሰምዕሉ ግዜ የብሎሙን።

‘ኣነ ንዓኻትኩም ክቕልብ ላዕልን ታሕትን እብል ኣለኹ’ ብዝብል ጸገማት ደቆም ከም ሕንቃቐ ገይሮም’ዮም ዝወስድዎ፡ ዝብል ርእይቶ ዝህብ ኣቶ ብርሃኑ፡ ካብኡ እቶም ቈልዑ ጸገማቶም ካብ ወለዲ መምህራኖም ኮነ ሕብረተሰብ ሓቢኦም ብናይ ባዕሎም መገዲ ክፈትሕዎ ይፍትኑ።

እኳ’ድኣስ “ነቲ ጸገም ብዘጋድድ መልክዑ ንኽፈትሕዎ ክጐዩ ትርእዮም።" ዝከኣሎም ኵሉ ገይሮም ምስዘይሰምረሎም ድማ ነብሶም ይጸልኡ፣ ድቃስ የብሎምን። እናሓደረ ብፍርሒ ተወሪሮም ይነብሩ። ብዙሕ ሰብ እቲ ዘጋጠሞም ጸገም ዝፈለጠ ኰይኑ ክስምዖም እንከሎ ከኣ ሕማቕ ስጕምቲ ይወስዱ” ኢሉ።

ወለዲ ቅድስት ጓሎም እተርእዮ ዝነበረት ምዕባለ ክከታተሉ ነይርዎም። ንባዕላ’ውን ከቢድ’ኳ እንተነበረ ንስድራኣ ነጊራቶም እንተትኸውን ነይራ እቲ ጸገም ምቐለላ ነይሩ።

ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ነገራት ብብዝሒ ይኸሰቱ’ዮም። ካብ ንኣሽቱ ቈልዑ ጀሚርካ ኣብ ዘይፍለጥ ቅዛነት ተረሚቘም ዝርከቡ ብዙሓት’ዮም።

ንኣቶ ብርሃኑ ዛንታ ቅድስት ምስነገርናዮ ንሱ ከምዚታት ዝኣመሰሉ ካልኦት ዛንታት ከምዝፈልጥ የዋግዕ። ካብኣቶም ናይ ሓደ ዛንታ ኣካፊሉና።

“ሓደ ኣዝዩ ንፉዕ መንእሰይ ነይሩ። ብስነ ስርዓት ዝዓበየ ሰብ እዩ። ናብ ዩኒቨርስቲ ምስኣተወ ጸገማቱ ዝሰምዖ ስለዝስኣነ ክጭነቕ ጀሚሩ። ስድራኡ ንዕኡ ዘለዎም ግምት ልዑል ምዃኑ ስለዝፈልጥ ትምህርቱ ብዝግባእ ክከታተል ኣይከኣለን። ድሒረ’ውን ነቲ ትምህርቱ ኣቋሪጽዎ። ወለዱ እዚ ኵሉ ነገር ኣይፈልጡን።

ናጻ ኣገልግሎት ዝህብ ኣቶ ብርሃኑ ዝዀነ መንእሰይ ድርኩኺት ቤት ጽሕፈቱ ምስረገፈ ገጽ ኣይከልኦን። “ነቲ መንእሰይ እኹል ዝዀነ ስነ ልቦናዊ ሓገዝ ጌርናሉ ዕላማኡ ከዐውት ንከታተሎ ኢና” ኢሉ።

'ዘባህርር ሓበሬታ ዘቐብላ መደብራት ተሌቭዥንን ተሌፎናትን'

ብዙሓት ወለዲ ደቀይ ንፉዓት’ዮም፣ ስነ ምግባሮም ዝሕልዉን’ዮም ይበሉ እምበር፡ ብዙሓት መናእሰይ ግን ኣብ ከቢድ ጭንቀት ተዋሒጦም’ዮም ዘለዉ።

ኣቶ ብርሃኑ፡ “ኣብ ሃገርና ብዙሕ ተስፋ ዘቝርጽ ነገር ይዀኖም። ወለዲ ኣብ ገዛ ይኵን መኪና ዓበይቲ ርእሰ ጉዳያት የዋግዑ። ተሌቪዥኖም ይዅን ተሌፎኖም ኣዝዩ ዘስካሕኽሕ ሓበሬታ ይህባ። እቶም ቈልዑ ኣብ ገዛኦምን ቤት ትምህርቶምን በበይኖም’ዮም። ምስ መሓዙቶም ኣብ ዝራኸቡሉ’ውን ዝተፈለዩ’ዮም። በዚ ምኽንያት ዝተፈላለየ ስብእና’ዮም ዘማዕብሉ” ኢሉ።

ከምዚ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ጸገማት ብንኣሽቱ ትካላት ክትፈትሖም ኣይከኣልን፡ ዝበለ ኣቶ ብርሃኑ “ልዕሊ ንዋታውን ቍጠባውን ብደረጃ ወፍሪ ክስርሓሉ ዘለዎ ነገር ኣብ ኣእምሮ ደቂ ሰባት’ዩ ኢልና እንኣምን” ዝብል ኣረዳድኣ ኣለዎ።

ኣቶ ብርሃኑ፡ “እዚ ናይቲ ሕብረተሰብን መንግስትን ሓላፍነት’ዩ። መናእሰይ ድማ ካልእ ሓላፍነት ኣለዎም። መናእሰይ ኣብ ፍልጠት ምምእራር ከድህቡ ኣለዎም። ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣለዎም። ካብ ድጂታል ንላዕሊ መጽሓፍቲ ኣብ ኢዶም ሒዞም እናገላበጡ ከንብቡ ይግባእ። ብዝተኽኣሎም መጠን ድማ ምስ ውጽኢት ቴክኖሎጂ ዝጸንሕሉ ግዜ ክንክዩ ኣለዎም” ዝብል ማዕዳ ለጊሱ።

ካብኡ ብተወሳኺ ኣብ መዓልቲ ክንደይ ሰዓት ውጽኢታት ተክኖሎጂ ክርእዩ ከምዘለዎም ምውሳን እንተተኻኢሉ ድማ ኣብ ሰሙን ሓደ መዓልቲ ምሉእ ብምሉእ ካብኣቶም ሪሒቕካ ምውዓል ጽቡቕ ከምዝዀነ’ዩ ዝመክር።

ምስ ተፈጥሮኣዊ ነገራት ምምሕዛው፡ ስፖርት ምስራሕ፡ ኣብ ሰናይ ተግባራት ምስታፍን ብዝተኸኣለ መጠን ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ክነብሩ ከምዘለዎም ኣጥቢቝ ይምዕድ።

'ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ጽቡቕ ድቃስ ደቂሰ'

ብፍላይ መናእሰይ ኣብ ትምህርቲ፡ ስራሕን ካልኦት ዝውግንዎም ዕዮታት ምብዛሕ ከይኰነስ ንመብዛሕትኦም ኣደዳ ጭንቀት ዝገብሮም ዘሎ ሕድሕድ ዕዮታትካ ኣብ ግዜኻ ዘይምውጋን ከምዝዀነ ክፈልጡ ምግባር ኣድላይ’ዩ።

ስለዝዀነ ድማ ወለድን ቈልዑትን እታ ዘላቶም ግዜ ብኸመይ ብግቡእ ክጥቀሙላ ከምዘለዎም ክለማመዱ ከምዘለዎም ዝመክር ኣቶ ብርሃኑ፡ “ምሕደራ ሰዓት ካብ ገዛ ጀሚርካ ተግባራዊ ምግባር የድሊ” ኢሉ።

ናብቲ ኣብ መእተዊ ዝጀመርናዮ ዛንታ ክንመልሰኩም።

ቅድስት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጽቡቕ ኵነታት እያ ዘላ። ሕክምናኣ ብዝግባእ ትከታተል ኣላ። “ኣብቲ እንዳ ሕክምና በጺሐ ምስተመለስኩ’ዩ ፍኹስ ዝበለኒ” ትብል ቅድስት፡ ኣብ ገዛኣ ክትኣቱ ብፍሽኽታ ደሚቓ ከምዝዀነን ጽቡቕ ድቃስ ክትድቅስ ከምዝጀመረትን ገሊጻ።

እንተዀነ እቲ እንዳ ሕክምና’ውን ናይ ገዛእ ርእሱ ጣጣ ነይርዎ’ዩ። ብፍላይ ስድራ ከይፈለጡ ተሓቢእካ መድሓኒት ምውሓጥ ከቢድ ፈተና’ዩ ነይሩ።

ሓንሳብ ወሲና ዝኣተወቶ ጉዳይ ስለዝነበረ ግን ብዝግባእ’ያ ተግቢራቶ። ቅድስት ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ዩኒቨርስቲ ክትኣቱ ኣብ ምድላዋት እያ እትርከብ። ከምቲ ወለዳ ዝምነይዎ ኣብ ትምህርቲ ክትነፍዕ ድልየት ኣለዋ።

እቲ ጉዳይ ንስድራኣ ዘይምንጋራ ግን ሕጂ’ውን ካብ ሻቕሎት ዓዲ ኣይወዓለትን። እንተፈሊጦም’ከ ዝብል ስግኣት ኣለዋ። እንተዀነ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበራ ርእሰ ተኣማንነት ዝሓሸ ስለዝዀነ ምስ ስድራኣ ተማኺራ ክትሓልፎ ምዃና’ያ እትኣምን።