ፔንታጎን ድሕሪ ገምጋም መጥቃዕቲ ኢራን ንሓላፊ ትካል ስለያ ካብ ስራሕ ኣባሪሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሚኒስትር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት፡ ዋይት ሃውስ ጽልዋ እቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዝምልከት ገምጋም ድሕሪ ምክያዱ፡ ንሓላፊ ትካል ስለያ ፔንታጎን ካብ ስርሑ ኣባሪሩ።
ሌተናል ጀነራል ጀፈሪ ክሩዝ፡ ድሕሪ ደጊም ሓላፊ ትካል ስለያ ምክልኻል ኣመሪካ (DIA) ኰይኑ ከም ዘየገልግል ፔንታጎን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ካልኦት ክልተ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ እውን ብፔንታጎን ካብ ስልጣኖም ተኣልዮም ኣለዉ። ክፍሊ ምክልኻል ብዛዕባ እዚ ስጕምቲ ዝዀነ ቅልጡፍ መብርሂ ኣይሃበን።
ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ደብዳብ ኣመሪካ ንኒዩክለሳዊ መደበራት ኢራን ከም ዘየዕነዎ ብምግላጽ፡ ብኣዋርሕ ጥራይ ከም ዘደናጐዮ ዝገልጽ ጸብጻብ እቲ ኤጀንሲ ተኸላኺሉ ነይሩ።
ዋይት ሃውስ'ዉን " ነቲ ናይቲ ትካል ገምጋም "ብዘይጥርጥር ጌጋ'ዩ፡" ብምባል ነጺጕዎ'ዩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ'ውን እዚ ሓበሬታ እዚ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ንዩክለሳዊ መደበራት ኢራን ምሉእ ንምሉእ ከምዝዓነወ ብምግላጽ፡ ሚድያታት "ነቲ ኣብ ታሪኽ ኣዝዩ ዕዉት ዝኾነ ወተሃደራዊ ደብዳብ ከቃልልኦ ይፍትና ኣለዋ" ኢሉ።
ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ጎኒ እስራኤል ብምዃን ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ኒዩክለሳዊ መደበራት ኢራን ደብዳብ ምክያዳ ይዝከር።
ኣብቲ እዋን ሄግሰት ኣብ ዋዕላ ኔቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ጸብጻብ ብ"ትሑት ስለያ" ከም ዝተገብረን ኤፍ.ቢ.ኣይ ነዚ ይምርምር ከም ዘሎን ገሊጹ ነይሩ።
ሌተናል ጀነራል ጀፈሪ ክሩዝ ብሰንኪ እዚ ካብ ስርሑ ከም ዝተባረረ ንመጀመርያ ግዜ ዋሽንግተን ፖስት እዩ ሓቢሩ።
ዲ.ኣይ.ኤ ኣካል ፔንታጎን ኰይኑ፡ ስርሒታት ንምድጋፍ ኣብ ወተሃደራዊ ስለያ ይነጥፍ።
እዚ፡ ብዙሕ ቴክኒካዊ ስለያ ዝእክብ ኰይኑ፡ ካብ ካልኦት ከም ሲኣይኤ ዝኣመሰሉ ትካላት ግን ዝተፈልየ እዩ።
ሄግሰት ሓላፊ ዕቑር ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካን ኣዛዚ ፍሉይ ኲናት ሓይሊ ባሕርን እውን ክእለ ከም ዝኣዘዘ ሓደ ስሙ ዘይተገልጸ ምንጪ ብዓርቢ ንሮይተርስ ሓቢሩ ነይሩ።
ኣመሪካዊ ሰነተር ማርክ ዋርነር፡ ምእላይ ክሩዝ ትራምፕ "ስለያ፡ ከም ምክልኻል ሃገር ዘይኰነ ከም መፈተኒ ተኣማንነት ገይሩ ናይ ምርኣይ ሓደገኛ ልምዲ፡" ከም ዘለዎ ዘርኢ እዩ ክብል ነቒፉ።
ኣመሪካ ንሰለስተ ንዩክለሳዊ ቦታታት - ኣብ ፎርዶ፡ ናታንዝን እስፋሃንን ከም ዝሃረመት ትገልጽ።
ፎርዶ ካብ ቴህራን ንደቡብ ኣብ ዝርከብ ኣኽራን ኣብ ትሕቲ ባይታ ዝርከብ ኰይኑ፡ እቲ መደበር ዝተደኰነሉ ካብቲ ንዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ዘራኽብ መትረብ ታንለር ዝዓሞቐ ትሕቲ መሬት ምዃኑ ይእመን።
ፎርዶ ኣብ ትሕቲ መሬት ብምህላዉ እስራኤል ብመንገዲ ዘለዋ ኣጽዋር ክትሃርሞ ኣጸጊሙዋ ጸኒሑ።
እንተዀነ ምስ ፔንታጎን ቅርበት ዘለዎም ወገናት፡ ደብዳብ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ትሕቲ ባይታ ዝተዶኰነ መደበር ኢራን ውሑድ ጽልዋ ጥራይ ብምፍጣር ከም ዘይተንከፎ ይገልጹ ነይሮም።
መእተዊ ናይተን ክልተ መደበት ብከቢድ ቀጸላ ተሃዲሙ ስለ ዝነበረ ገለ ክፋሉ ዕንወት ክወርዶ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ዓᎁቕ ቦታ ዝተደኰነ ቀንዲ ክፋል ናይቲ መደበር ግን በቲ ደብዳብ ከም ዘይተሃረመ'ዩ ተገሊጹ።
ትራምፕ፡ ነቶም ምስቲ ንሱ ዝሃቦ ርእይቶ ዘይቃዶ ርእይቶ ዝህቡ ብርክት ዝበሉ ሰበስልጣን ካብ ስልጣኖም ሰጒጕ እዩ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ትራምፕ ኮሚሽነር ስታቲስቲክስ ዕዮ ኤሪካ ማክኤንታርፈር፡ ዕብየት ዕድላት ስራሕ ምዝሕሓል ከም ዘርኣየ ድሕሪ ምግላጹ፡ "ብቕጽበት" ካብ ስርሑ ክእለ ከም ዝኣዘዘ ገሊጹ ነይሩ።
ከምኡ'ውን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ትራምፕ ንጀነራል ቲሞቲ ሃው ምስ ልዕሊ 12 ሰራሕተኛታት ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ካብ ዳይረክተር ትካል ሃገራዊ ድሕነት ኣባሪርዎ።
ሄግሰት ኣብ ፔንታጎን ንዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን እውን ክወጽኡ ገይሩ እዩ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ንጀነራል ሓይሊ ኣየር ሲ ኪዩ ብራውን ምስ ካልኦት ሓሙሽተ ኣድሚራላትን ጀነራላትን ካብ ስርሑ ኣባሪሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







