ኢራን ኣብ መጥቃዕቲ ሳልማን ራሽዲ ኢድ ከምዘይብላ ገሊጻ

ሳልማን ራሽዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ ሳልማን ራሽዲ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካራ “ኢድ የብለይን” ኢላ።

በቲ መጥቃዕቲ ቀንዲ ተሓተትቲ ደራሲ ሳልማንን ደገፍቱን እዮም ኢላ።

እቲ ወዲ 75 ዓመት ደራሲ፡ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ መድረኽ እንከሎ እዩ ብኻራ ተወጊኡ። ሳልማን ራሽዲ ኣብ ሕክምና ብዝተገብረሉ ክንክን ከተንፍስ ጀሚሩ ምህላው ተሓቢሩ’ሎ።

ሳልማን ራሽዲ፡ ኣብ 1988 ‘ዘ ሳታኒክ ቨርስ’ ዝተባህለት ንሃይማኖት ምስልምና ብኣሉታ ትትንክፍ መጽሐፉ ድሕሪ ምሕታሙ እዩ ምፍርራሕ ቅትለት ክወርዶ ጸኒሑ።

ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ መራኸቢ ብዙሃን ኢራን፡ ሳልማን ራሽዲ ብኻራ ምውግኡ ከም ዘሐጐሰን ምግላጸን “ዘሕፍር እዩ” ኢሉ።

'ደይሊ ጃሚ ጃም' ዝተባህለት ተለቪዥን ኢራን እቲ ደራሲ ድሕሪ እቲ ዘጋጠሞ መጥቃዕቲ ዓይኑ ክጠፍእ ይኽእል እዩ ዝብል ጸብጻብ ምስ ወጽአ፡ “እቲ ሰይጣን ዓይኑ ጠፊኡ” ክትብል ጸብጺባ።

ሳልማን ራሽዲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ መጥቃዕቲ ምስ ኣጋጠሞ ኣብቲ ስርሒት ምናልባት ኢራን ክትህሉ ትኽእል እያ ዝብል ጥርጣረ ኣሕዲሩ እዩ።

መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ኾመይኒ፡ ቅድሚ 30 ዓመት ንሳልማን ራሽዲ ንዝቐተለ ሰብ ኣስታት 3 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ገንዘብ ሽልማት ንኽህብ መብጽዓ ምእታዉ ኣይርሳዕን’ዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ይዅን እምበር ወሃቢ ቃል ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ናስር ካናኒ “ምስቲ መጥቃዕቲ ዘራኽብ ስለዘይብልና ማንም ንኢራን ክወቅስ ኣይግባእን”ኢሉ።

“ተሓተትቲ ናይቲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሳልማን ራሽዲ ባዕሉን ደገፍቱን እዮም። ነቲ ቅዱስ ናይ እስልምና ትምህርቲ ብምንእኣስ ቀይሕ መስመር ስለዝሓለፈ፡ ን 1.5 ቢሊዮን ሰዓብቲ እቲ ሃይማኖትን ተኸተልቱን ኣቐይሙ እዩ። ቁጠዐ ህዝቢ ዘለዓዓለ ባዕሉ ሳልማን ራሽዲ እዩ፡” ክብል ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ብወገኑ፡ ሳልማን ራሽዲ ንዘጋጠሞ መጥቃዕቲ ተሓተትቲ ምድላይ “ትርጕም ኣልቦ እዩ” ኢሉ።

“እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ደራሲ ጥራሕ ዘይኮነ ሓሳብካ ብነጻነት ኣብ ምግላጽ ዘነጻጸረ ስጉምቲ እዩ” ክብል ወሲኹ ኣረዲኡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ አሜሪካ አንቶኒ ብሊንከን፡ እቲ ደራሲ ዓለምለኻዊ ሓሳብካ ብነጻነት ናይ ምግላጽ ተምሳሌት እዩ ኢሉ።

“[ሳልማን] ንነጻነት ሓሳብካ ብነጻነት ምግላጽ፡ ንሃይማኖት፡ ንእምነት፡ ንመራኸቢ ብዙሓን ተቓሊሱ እዩ። ኢራን ከኣ ንዓመታት ኣብ ልዕሊ እቲ ደራሲ መጥቃዕቲ ንኽፍጸም ከተለዓዕል ጸኒሓ እያ” ኢሉ።

“አሜሪካን መሻርኽታን ከኣ ነቲ ኣተሓሳስባ ንምስዓር ክሰርሑ እዮም” ኢሉ።

ወዲ እቲ ደራሲ ብወገኑ፡ ሳልማን ዋላ’ኳ ቅሩብ ጥዕናኡ እንተተመሓየሸ፡ እቲ ዘጋጠሞ መጕዳእቲ ግን ንጥዕናኡ ኣስጋኢ እዩ ኢሉ።

ብዘይ ሓገዝ ምስትንፋስ፡ ከተንፍስን “ቅሩብ ክዛረብን” ምኽኣሉ ዘሐጕስ ዜና ምዃኑ ቤተሰቡ ገሊጾም።

ወኪል እቲ ደራሲ፡ ሳልማን፡ ኣብ ቅልጽሙ መጕዳእቲ ነርቭ፡ ኣብ ጸላም ከብዱ ሓያል ማህረምቲ፡ ከምኡ እውን ዓይኑ ክጠፍእ ይኽእል እዩ፡ ዝብል ስግኣት ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ።

ሃዲ ማቴር ዝተባህለ ወዲ 24 ዓመት መንእሰይ ንሳልማን ራሽዲ ብኻራ ብምውጋእ ብፈተነ ቕትለት ተጠርጢሩ ተታሒዙ ክሲ ቀሪቡዎ ኣሎ።