ኢራን፡ ትሕቲ ዕድመ ኰይና ዝተመርዓወት እትርከበን 32 ደቂ ኣንስትዮ ብሞት ቀጺዓ

ኢራን ብዙሓት ሰባት ብሞት ትቐጽዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰብ መዚ ኢራን፡ ብረቡዕ ሰለስተ ሰብኡተን ዝቐተላ ደቂ ኣንስትዮ ብሞት ከም ዝቐጽዑ ጕጅለ ተሓላቒ ሰባዊ መሰላት 'ታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ጕጅለ ሰባዊ መሰላት ከም ዝብሎ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ሞንጐ'ተን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ብሞት ዝተቐጽዓ 32 ደቂ ኣንስትዮ እየን።

እዚአን፡ ትሕቲ ዕድመ - ጓል 15 ዓመት እንከላ ንዝተመርዓወቶ ሰብኣያ ዝቐተለት ጓል ኣንስተይቲ ትርከበን።

ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ ኣብዚ ዓመት ክልተ ዕጽፊ ብዝሒ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ብሞት ይቐጽዑ ምህላዎም ይእመን።

ጕጅለታተ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝሕብርዎ፡ ኢራን ካብ ካልእ ሃገር ብዝተፈለየ ዝያዳ ደቂ ኣንስትዮ ብሞት ትቐጽዕ ኰይና መብዛሕትአን ድማ ሰብኡተን ቀቲለን ብዝብል ገበነኛታት ዝተባህላ እየን።

ሶሂላ ኣባዲ፡ ቅድሚ 10 ዓመት ኣቢሉ፡ ጓል 15 ዓመት እንከላ ዝተመርዓወቶ ሰብኣይ ብምቕታል ገበነኛ ስለ ዝተባህለት፡ ብረቡዕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብማሕነቕቲ ከም ዝተቐጽዐት ጕጅለ ሰባዊ መሰላት ኢራን ገሊጹ።

ቤት ፍርዲ፡ እታ ውልቀሰብ ነዚ ገበን ዝፈጸመትሉ ምኽንያት፡ “ኣብ ሞንጐ ስድራቤት ዘጋጠመ ግጭት” እዩ ኢሉ።

እተን ካልኦት ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ብሞት ዝተቐጽዓ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ’ውን፡ ብቕትለት ሰብኡተን ገበነኛታት ክብሃላ እንከለዋ፡ ብዙሓት ተሓለቕቲ መሰላት ዘቤታዊ ዓመጻት ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ፡ እንተበሉ’ውን ቤት ፍርዲ ነዚ ኣብ ግምት ኣየእትዎን።

ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ ዝዀነ መቕጻዕቲ ሞት ተፈጻምነት ኣብ ዝረኽበሉ እዋን፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ከ ብሞት ተፈሪዶም ዝብል እቲ ልክዕ ቍጽሪ ወግዓዊ ኣይገብሩን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ክልተ ጕጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘውጽእዎ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ኢራን ካብ ዝፈጸሞም ቅትለታት፡ እቶም 16.5 ሚእታዊት ጥራይ’ዮም ወግዓዊ ኰይኖም ይብሉ።

ኣብዚ ዓመት ክኣ፡ ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም መቕጻዕቲ ሞት ከም ዝወሰኸ ጸብጻባት ይገልጹ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ እታ ሃገር ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ “ዘስካሕክሕ” መቕጻዕታት ሞት ትፍጽም ከም ዘላ ብምግላጽ፡ ኣብ መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 2022 ጥራይ፡ ልዕሊ 250 ሰባት ብሞት ከም ዝቐጽዐት ሓቢሩ።

እዚ፡ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ፡ ብልዕሊ ክልተ ዕጽፊ ዝወሰኸ ምዃኑ ኣብዚ ሰሙን ገሊጹ።