ኢራን፡ ትካላት ዘቃጽሉ ዘለዉ ሰርሰርቲ መን ይዀኑ?

እቲ ፋብሪካ ሓጺን ቀቅድሚ እቲ ባርዕ

ምንጪ ስእሊ, PREDATORY SPARROW

ኣብ ዲጂታዊ ተክኖሎጂ ዝሰርሑ ሰርሰርቲ፡ ኣብ ግኡዝ ዓለም ጕድኣት ከውርዱ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኣየጋጥምን።

እንተዀነ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ኢራን; ኣብ ሓደ ፋብሪካ ሓጺን ብኢንተርነት ዝወረደ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ካብ ኣሻቐልቲ ጕዳያት ኰይኑ ኣሎ።

ፕሬዳቶሪ ስፓሮው ዝበሃል ጕጅለ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ከቢድ ባርዕ ባዕሉ ከምዝፈጸመ ብምግላጽ፡ ንብህሎኡ መራትዒ ዝኸውን ስእሊ ዘርጊሑ።

እዛ ካብ ካሜራ መቈጻጸሪ ድሕነት ዝተረኸበት ትመስል ስእሊ፡ ሰራሕተኛታት ንገለ ክፋል እቲ ፋብሪካ ገዲፎም ድሕሪ ምኻዶም፡ ሓንቲ ማሽን ዝመኸኸ ሓጺንን ሓውን ከተፍስስ ትርአ። እታ ቪድዮ፡ ሰባት ማይ ኣፍሲሶም ነቲ ሓዊ ከጥፍኡ እንከለዉ ኸኣ ትዛዘም።

ኣብ ካልእ ብኢንተርነት ዝተራእየ ቪድዮ፡ ሰራሕተኛታት ፋብሪካ መጥፋእቲ ሓዊ ክጽውዑን ኣብ መሳርሒታት ዝወረደ ጕድኣት ክገልጹን ይስምዑ።

ብቛንቋ ኢራን፡ 'ጎንጀሽክ ዳራንድ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፕሬዳቶሪ ስፓሮው፡ እቲ ብ27 ሰነ ኣብ ፋብሪካ ሓጺን ካብ ዝተፈጸሙ ሰለስተ መጥቃዕቲታት እቲ ሓደ ከምዝዀነን፣ ኢራን ንዝፈጸመቶ “ዘይተገለጸ” መጥቃዐቲ ዝተወሃበ ግብረ መልሲ ከምዝኾነን ይገልጽ።

እቲ ጕጅለ ካብተን ኩባንያታት ከም ዝተሰርቀ ዝገልጽ ምስጢራዊ ኢ-መይላት ዘጠቓልል፡ ብርክት ዝበለ ሓበሬታ እውን ክዝርግሕ ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብ ናይ ቴለግራም ገጹ፡ "እዘን ኩባንያታት እዚኣተን ኣብ ዓለምለኻዊ ቀይድታት እንከለዋ ስርሐን ይቕጽላ ኣለዋ። እዚ ብኢንተርነት ዝተገብረ መጥቃዕቲ፡ ንጹሃት ሰባት ንዘይምጕዳእ ብጥንቃቐ ዝፍጸም እዩ" ኢሉ ጽሒፉ።

ኣብ መወዳእታ ዘቐመጥዎ ሓሳብ፡ ኣብ ድሕነት መጥቃዕቲ ኢንተርነት ንዝሰርሑ ሰባት ዘሰንበደ እዩ።

ፕሬዳቶሪ ስፓሮው ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ክእትዉ ከም ዝኽእሉ ይፈልጡ ነይሮም፤ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሞም ግን እቶም ሰራሕተኛታት ክሳዕ ዝወጹ ተዓጊሶም ተጸብዮም እዮም፤ ክሳዕ ክንደይ ጥንቁቓት ምዃኖም ድማ ክፍለጠሎም ይደልዩ ነይሮም።

እዚ ኸኣ ንብዙሓት ሰባት፡ ፕሬዳቶሪ ስፓሮው ስርሒት ቕድሚ ምክያዱ፡ ገምጋም እቲ ዝስዕብ ሓደጋ ክገብር ዝግደድ፡ ወተሃደራዊ ስርሰራ ዘካይድ፡ ጽኑዕ ቍጽጽርን ዝግበረሉን ሞያውን ሓላፍነታውን ከምኡ'ውን መንግስታዊ ምወላ ዝግበረሉ ጕጅለ ክኸውን ከም ዝኽእል ክጠራጠሩ ገይርዎም እዩ።

ፕሬዳቶሪ ስፓሮው መትረብ ቴለግራም ኣድራሻ ትዊተር ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ሎጎ ኣለዎ

ምንጪ ስእሊ, PREDATORY SPARROW

"ጕጅለ ሰርሰርቲ ውልቀነጠፍቲ ምዃኖም እዮም ዝዛረቡ። እንተዀነ ዝተሓላለኸ ኣሰራርሓኦምን ልዑል ጽልዋኦምን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብመንግስቲ ከም ዝሰርሑ ወይ ዝምወሉ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ኢና ንኣምን።" ይብል ኣብ ‘ቼክ ፖይንት ሶፍትዌር’ ሓላፊ ምርምር ሳይበር ኢታይ ኮሀን።

ኣብ ቀረባ እዋን ኢራን፡ ኣብ ግሁድ ዓለም ጽልዋ ዘሕደሩ ዝተፈላለዩ መጥቃዕቲታት ኢንተርነት ግዳይ ኰይና እያ። ግን ከኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ መጥቃዕቲ ኣየጋጠማን።

"እዚ ብመንግስቲ ዝምወል ብኢንተርነት ዝግበር መጥቃዕቲ እንተደኣ ዘይኮይኑ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ፡" ትብል ኣሰናዳኢት ጆርናል ፖሊሲ ሳይበር ፖሊሲ ኤሚሊ ቴይለር።

"ታሪኻዊ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ኣብ 2010 ኣብ ልዕሊ ትካል መሳለጢ ዩራንየም ዝወረደ መጥቃዕቲ 'ስታክስነት' ካብቶም ብኢንተርነት ተፈጺሞም ኣካላዊ ጕድኣት ዘስዓቡ መጥቃዕቲታት እቲ ጐሊሑ ዝርአ እዩ።"

ስታክስነት ንፈለማ ግዜ ብ2010 ዝተረኽበ ቫይረስ ኮምፕዩተር እዩ። እዚ ቫይረስ፡ መጻረዪ ናይቲ ኣብ ናታንዝ ዝርከብ ትካል ዩራንየም ከዕንዎ ከሎ፡ ነቲ ኑክልየራዊ መደብ ዕንቅፋት ኰይንዎ እዩ።

ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኣካላዊ ጕድኣት ከም ዘውረዱ ዝተረጋገጹ መጥቃዕትታት ሒደት እዮም።

ናታንዝ ጽኑዕ ሓለዋ ዝግበረሉ ትካል እዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ 2014 ኣብ ጀርመን ዝተፈጸመ ምናልባት እቲ እንኮ መርኣያ እዩ። ኣብቲ ሰብመዚ ሳይበር ጀርመን ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ብኢንተርነት ኣብ ሓደ ፋብሪካ ሓጺን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ብዙሕ ጕድኣት" ከም ዘውረደን እቲ ፋብሪካ እውን ብህጹጽ ከምዝተዓጽወን ዝሕብር ኰይኑ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበሉን።

ከቢድ ጕድኣት ከውርዱ ዝኽእሉ ዝነበሩ ግን ከይተዓወቱ ዝተረፉ ካልኦት ብኢንተርነት ዝፍነዉ መጥቃዕቲታት እውን ነይሮም እዮም። ንኣብነት ሰርሰርቲ ሃካይ፡ ነቲ ማይ ንምጽራይ ዝሕግዝ መሳለጥያታት ብምቍጽጻር ኣብ ቀረብ ማይ ከሚካላት ክውስኹ ፈቲኖም፣ ግን ኣይሰለጦምን።

ንኣብነት ኣብ መራኸቢ መጓዓዝያ ብኢንተርነት መጥቃዕቲ ምፍጻም ልሙድ'ኳ እንተዀነ ኣካላዊ ጕድኣት ኣየስዓበን።

ኤሚሊ ተይለር ከም ዝገለጸቶ፡ እዚ ዓቢይ ፍልልይ እዩ። ምኽንያቱ ሓንቲ ሃገር ኣብ ፋብሪካ ሓጺን ኢራን ኣካላዊ ጕድኣት ከም ዘውረደት እንተደኣ ተረጋጊጹ፡ ሓይሊ ምጥቃም ዝኽልክል ኣህጉራዊ ሕግታት ጥሒሳ ክትከውን ትኽእል እያ። ኢራን ድማ ሕነ ንኽትፈዲ ሕጋዊ ምኽንያት ክትረክብ የኽእላ እዩ።

ስለዚ፡ ፕሬዳቶሪ ስፓሮው ብመንግስቲ ዝምወል ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝፍኑ ጕጅለ እንተዀይኑ፡ ነየነይቲ ሃገር ዝውክል እዩ? እቲ ስም [ገባሪት] ኣብ ኢራን ሓያል ተገዳስነት ዘለዋ ሃገር ምዃና ዝሕብር ኣፋፍኖት ክኸውን ይኽእል እዩ።

መጥቃዕቲ ስታክስነት እስራኤል ብሓገዝ ኣሜሪካ ዝፈጸመቶ ከምዝኾነ ይግመት። ሕጂ እውን ፕሪዳቶሪ ስፓሮው ምስ እስራኤል ዝተተሓሓዘ ከምዝዀነ ዘመላኽቱ ወረታት መንግስቲ እስራኤል ግብረመልሲ ንኽህብ ደፋፊእዎ እዩ።

ሚኒስተር ጸጥታ ቤኒ ጋንትዝ ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን ጋዜጠኛታት ዘውጽእዎ፡ እስራኤል ጠንቂ እቲ መጥቃዕቲ ምዃና ዝሕብር ወረ ንኽምርመር ትእዛዝ ከምዝሃበ መራኸቢ ብዙሃን እስራኤል ይሕብራ።

እቲ ሚኒስተር፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ትገበሮ ንጥፈታት ብዝምልከት፡ "ዘይንጹር ፖሊሲ" እስራኤል ተበላሽዩ ከይከውን ስግኣት ከምዘለዎ ይሕበር።

"እዚ ብኢንተርነት ዝፍኖ መጥቃዕቲ፡ ብመንግስቲ ዝምወል እንተዀይኑ እስራኤል ቀንዲ ተጠርጣሪት እያ። ኢራንን እስራኤልን ብኢንተርነት ኣብ ዝፍጸም ኲናት ተጸሚደን ኣለዋ፤ ክልቲአን ሃገራት ከኣ ነዚ ብወግዒ ኣፍልጦ ዝህባሉ ነገር እዩ፡" ይብል ኣብ ኣንካራ ኣብ ‘ኤዲኢኦ ሳይበር ሴኵሪቲ’ ዝሰርሕ ኤርሲን ካህሙቶግሉ።

"ክልቲአን ሃገራት ትካላት ኣገልግሎት ስለያ ኣቢለን ብኢንተርነት ዝፍኖ መጥቃዕቲ ይውድባ እየን፤ ካብ 2020 ኣትሒዙ ኢራን ኣብ ትሕተ-ቕርጺ ማይ እስራኤል ዝፈሸለ መጥቃዕቲ ኢንተርነት ብምፍናው፡ ኣብ መጠን ክሎሪን ለውጢ ክትገብር ምስ ፈተነትን እስራኤል እውን ግብረመልሲ ምስ ሃበትን ርክበን መሊሱ እናሓርፈፈ እዩ ይመጽእ ኣሎ።"

ፕሬዳቶሪ ስፓሮው ኣብ ኢራን ምልክት ጽርግያታት ጨውዩ ሕንፍሽፍሽ ክፍጠር ገይሩ እዩ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጥቅምቲ፡ ፕሬዳቶሪ ስፓሮው፡ ስርዓተ ክፍሊት ሃገራዊ መደበር ነዳዲ ኢራን ካብ ኢንተርነት ወጻኢ ክኸውን ከምዝገበረ ሓላፍነት ወሲዱ ነይሩ። ብተወሳኺ'ውን እቲ ጕጅለ ኣብ ጽርግያታት ዘሎ ዲጂታዊ ምልክታት ሰሌዳ "ካሚኒ፡ ነዳዲና ኣበይ ኣሎ?" ክብል ከም ዝገበረ ገሊጹ እዩ።

ኣብዚ'ውን እቶም ሰርሰርቲ ብዛዕባ እቲ ክፍጠር ዝኽእል ሕንፍሽፍሽ ኣቐዲሞም ኣብ ኢራን ንዘሎ ኣገልግሎት ህጹጽ እዋን ብምጥንቃቕ ዝተወሰነ ሓላፍነት ከምዝስምዖም ኣርእዮም እዮም።

ተመራመርቲ ‘ቼክ ፖይንት’ ኣብቲ ፕሬዳቶሪ ስፓሮው ዝጥቀመሉ ጎዳኢ ሶፍትዌር፡ ሓደ ኮድ ከም ዝረኸቡ ይገልጹ። እዚ ሶፍትዌር እዚ ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሓምለ ኣብ መደበር ባቡር ኢራን ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ እቲ ጕጅለ ኢንድራ ዝተጠቐመሉ ዝመሳሰል እዩ።

ብመሰረት ጸብጻባት ዜና ኢራን፡ እቶም ሰርሰርቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ መደበራት ባቡር ምድንጓይ ምስራዝ ከምዝተፈጠር ብምሕባር፡ ተጓዓዝቲ ድማ ነቲ መራሒ ክጽውዑ መኺርዎም።

እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ፋብሪካ ሓጺን ዝወረደ መጥቃዕቲ እቲ ስግኣት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ዝሕብር ምልክት ከምዝኾነ ክኢላታት ይገልጹ።

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ኩባንያ ሓጺን፡ ሙባረክ፡ ናይቲ ትካል መዓልታዊ ስራሕ ከም ዘይተጸልወን ዝተጐድአ ዝኾነ ይዅን ሰብ ከምዘየለን ሓቢሩ። እቶም መጥቃዕቲ ዝወረዶም ካልኦት ክልተ ኩባንያታት'ውን ዋላ ሓንቲ ጸገም ከም ዘየጋጠሞም ገሊጾም እዮም።

ኣብ ነሓሰ 2021 ኣብ መደበር ባቡር ዝተሓበሩ መደባት ኣብ ተጠቀምቲ ባቡር ሕንፍሽፍሽ ኣስዒቦም እዮም

ምንጪ ስእሊ, FARS

ናሪማን ጋሪብ ዝበሃል ኣብ ብሪጣንያ ዝነብር ኢራናዊ ተቓዋሚን ተጣባቒን፡ ብናጻ መርማሪ ስለያ ኢንተርነት እታ ስእሊ ሓቀኛ ምዃና ከምዝተቐበለ ገሊጹ እዩ። ብዛዕባ እቲ ባርዕ ዝገልጽ ክልተ ኻልእ ቪድዮታት'ውን ኣብ ተዊተር ከም ዝተዘርገሐ ሓቢሩ።

"እቲ መጥቃዕቲ ናይ ሓቂ ከምዝዀነ ሰራሕተኛታት ብኻልእ ኵርናዕ ዝቐድሕዎ ስእሊ የመልክት። ኣብ ገጽ ቴለግራም 'ቲ ሓደ ኩባንያ'ውን፡ ደሒሩ'ኳ እንተተኣልየ፡ መስመር ምህርቲ ተቛሪጹ ከምዝነበረ ዝገልጽ ጽሑፍ ርኢና ኢና።"

እቲ ቀይሕ መስመር ከም ዝተሓለፈ ስግኣት ኣለዎ።

"እስራኤል ጠንቂ እዚ መጥቃዕትታት እዚ እንተዀይና፡ ንሓደ ኣገልግሎት ምዕንቃፍ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ሓቂ ጕድኣት ከውርዱ ከም ዝኽእሉ ዘረጋግጹ ዘለዉ እመስለኒ። እዚ ኸዓ እቲ ኵነታት ብኸመይ እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎ ዝሕብር እዩ።"