ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መኮንን ኢራን ብዘይተፈለጡ ሰባት ተቐቲሉ

ብሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝተዘርግሐ ስእሊ፡ ኣብ ጥቓ ኮሎኔል ሳያድ ዝተቐንጸለላ መኪና ሰባት ተኣኪቦም የርኢ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ብሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝተዘርግሐ ስእሊ፡ ኣብ ጥቓ ኮሎኔል ሳያድ ዝተቐንጸለላ መኪና ሰባት ተኣኪቦም የርኢ

ሓደ ኮሎኔል ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ሰራዊት ኢራን መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ኣብ ቴህራን ብጥይት ተቐቲሉ።

ኮሎኔል ሳያድ ኾዳይ ብሰንበት ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ኣብ መኪና እንከሎ፡ ብክልተ ኣብ ሞቶርሳይክል ዝተወጥሑ፡ ብረት ዝሓዙ ሰባት፡ ሓሙሽተ ግዜ ብጥይት ከም ዝተሃረመ ተፈሊጡ።

ዛጊት ነቲ ቕትለት ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የሎን። ኢራን ነቶም ቀተልቲ ንምህዳን ትንቀሳቐስ ኣላ።

ኣብ ኢራን ኣብ 2020 ፍሉጥ ኑክለራዊ ተመራማሪ ድሕሪ ምቕንጻሉ፡ እዚ ናይሕጂ ዝዓበየ ጥሕሰት ጸጥታ እዩ።

ካብቲ ቦታ ዝተዘርግሐ ስእልታት፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ውሽጢ መኪና፡ መቐነቱ ከይፈትሐ ራዕ ኢሉ የርኢ።

ኮሎኔል ኾዳይ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣባላት ናይቲ 'ሓይሊ ቁድስ' ዝበሃል ኣብ ወጻኢ ሃገራት ስርሒታት ዝፍጽም ክንፊ ጉዳያት ወጻኢ ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን እዩ።

እቲ ሓይሊ ንግብረሽበራውያን ጉጅለታት ከም ዝሕግዝን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ተሓታቲ ምዃኑን ኣሜሪካ ትኸስስ።

ኮሎኔል ሳያድ ኾዳይ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኮሎኔል ሳያድ ኾዳይ

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ሳዒድ ኻቲብዛደ፡ እቲ ኮሎኔል "ብናይ ወትሩ ጸላእቲ" ኢራን ከም ዝተፈጸመ ክገልጽ እንከሎ፡ እዚ ንኣሜሪካን መሻርኽታን ንምጥቃስ ዝጥቀመሉ ምዃኑ ይግለጽ።

ሰብመዚ ኢራን ኣቐድም ኣቢሎም፡ ብድሕሪ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ንላዕለዎት ሰብ መዚ ዒላማ ዝገብር ቅንጸላታት፡ እስራኤል ኢድ ኣለዋ ኢሎም ከሲሶም።

ዜናታት እቲ ቅንጸላ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ማዕከን ዜና ኢራን ሓለዋ ሰውራ ኢራን መርበብ ሰለይቲ እስራኤል ከም ዝረኸበን ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወን ኣቃሊሑ።

እስራኤል ዛጊት ዝሃበቶ ወግዓዊ ምላሽ የሎን።

ኾዳይ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝተቐትለ፡ ካልኣይ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ 'ሓይሊ ቁድስ' እዩ።

ኣብ 2020 ዝሓየለ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኢራን ዝነበረ ጀነራል ቃሲም ሱሌማኒ ብመጥቃዕቲ ኣየር ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕ ምቕታሉ ዝዝከር እዩ።

ንሱ ኣዛዚ 'ሓይሊ ቁድስ' ብምዃን ንወተሃደራዊ ስርሒታት ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝመርሕ ዝነበረ ኮይኑ ሞቱ ኣብ ሞንጎ ቴህራንን ዋሽንግተንን ንዝነበረ ወጥሪ ዘጋደደ ቀንዲ ጠንቂ ኮይኑ እዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ኑክሌራዊ ተመራማሪ ሞሕሰን ፋክሪዛደ ኣብ ቴህራን ተቐንጺሉ።

ኣብ ፕሮግራም ኑክሌር ኢራን ኣገዳሲ ተራ ዝነበሮ ፋክሪዛደ ብርክት ብዝበሉ ሓለውቲ እዩ ዝሕሎ ኔሩ።

መንግስቲ ኢራን ግና ኑክለራዊ መደባቱ ምሉእ ብምሉእ ንሰላማዊ መዓላ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

እስራኤል ነቲ ተመራማሪ ንምቕንጻል ብርሑቕ ቁጽጽር ዝግበረሉ መሳርሒ ከም ዝተጠቕመት ኢራን ትኸስስ።

Short presentational transparent line