ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኢራን ክሳብ ክንደይ እዩ?

ሚሳይል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢራን፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ናይቲ ብኣመሪካ ዝተቐተለ ጀነራላ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ ክልተ ወተሃደራዊ መደብራት ኣመሪካ ኣጥቂዓ ነይራ።

ኢራን እንታይ ዓይነት 'ሚሳይላት' ኣለዋ?

ካብቶም ኣገደስቲ ወተሃደራዊ ዓቕምታት ኢራን፡ ናይ ሚሳይል ዓቕምታታ እዩ። ኣብ ሓይሊ ኣየር ሕጽረታት ስለዘለውዋ፤ ኘቲ ናይ ሚሳይል ዓቕማ ትግደስ።

ኣብቲ ዞባ ዘለዋ፡ ከም እስራኤልን ስዑድን ዝበላ ናይ ኢራን ተቐናቐንቲ፡ ዝተነጸሩ ዒላማታት ፈሊኻ ንምውቃዕ ዘኽእለን ናይ ሓይሊ ኣየር ቴክኖሎጂ ኣለወን።

ኢራን ግን ዓቕሚ ናይ ሓይሊ ኣየር ስለዝጎድላ፡ ኣብ ክንድኡ፡ ዝተነጸሩ ዒላማታት ፈልያ ንምውቃዕ ሚሳይላት ትጥቀም።

ጸብጻብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ከምዝብሎ፡ ሓይሊ ሚሳይል ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እቲ ዝዓበየ እዩ።

ብንጹር ቁጽሪ ምጥቃስ ዝኸብድ እኳ እንተኾነ፡ ኢራን ልዕሊ 10 ዝተፈላለየ ዓይነት ዘለዎም፡ ኣሸሓት ሚሳይላት ከምዘለውዋ ይግለጽ።

ኢራን ነቶም ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ መደብራት ኣመሪካ ክተጥቅዕ እንከላ፡ 'ፋተሕ' ከምኡ ድማ 'ቂያም' ዝተብሃሉ ሚሳይላት ከምዝተጠቐመት መራኸብቲ ብዙሓን ናይታ ሃገር ጸብጺቦም።

ኢራን፡ ነቲ ቂያም ዝበሃል ሚሳይል ካብ 2011 ኣትሒዛ ብሰፊሑ ክተፍርዮ ዝጸንሐት ኮይና፡ ክሳብ 700ኪሜ ዝውንጨፍን 750ኪግ ቦንባ ክሽከም ዝኽእልን እዩ።

ኣብ ሰነ 2017፡ ኢራን ኣንጻር ዳዕሽ ነዚ ሚሳይላት ተጠቒማትሉ ነይራ።

እቲ ፋተሕ ዝበሃል ዓይነት ሚሳይላት ድማ ኣብ መጀመርያታት 2000 ናብ ኣገልግሎት ዝኣተወን ኮይኑ፡ ዝነኣሰ ናይ ምሽካም ዓቅሚ ኣለዎ።

ሻሃብ-3 ዝበሃል ናይ ማእከላይ ርሕቐት ሚሳይል ድማ፡ 750ኪግ ቦንባ ናይ ምጽዓን ዓቕሚ ኣለዎ። ክሳብ 1,500ኪሜ ድማ ክውንጨፍ ይኽእል።

ንምንጽጻር፡ ኣመሪካ ዝሰርሓታ ኤፍ35 ናይ ውግእ ነፋሪት፡ ክሳብ 10,000 ኪግ ቦንባ ናይ ምጽዓን ዓቕሚ ኣለዋ።

ኢራን፡ ኣስታት 50 ናይ ማእከላይ ርሕቐት ሚሳይላት መወንጨፊ፡ 100 ዝኸውን ድማ ናይ ሓጺር ርሕቐት ሚሳይላት መወንጨፊ መሳርሕታት ትውንን።

ናይ ነዊሕ ርሕቐት ሚሳይላት ንምስራሕ ከኣ መደብ ዘለዋ ኮይና፡ ፈተነታት'ውን ተካይድ እያ።

ብዝኾነ፡ ናይ ማእከላይን ሓጺርን ርሕቐት ሚሳይላት ኢራን፡ ኣብ ስዑዲን ኣብ ወሽመጥን ንዘለዉ፡ ከምኡ ድማ ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ዒላማታት ከጥቅዑ ዓቕሚ ኣለዎም።

ዝሓለፈ ግንቦት፡ ምስ ኢራን ምትፍናን እናተጋደደ ምስከደ፡ ኣመሪካ ጸረ-ሚሳይል ኣጽዋራት ናብ ማአከላይ ምብራቕ ኣግዒዛ እያ።

ብዝሒ ወተሃደራት ኢራን ክንደይ እዩ?

ኢራን ንጡፋት 523,000 ኣባላት ሰራዊት ከምዘለውዋ ይግለጽ።

350,000 ኣብ ስሩዕ ሰራዊት ዘለዉ ኮይኖም፡ ብውሕዱ እቶም 150,000 ኣባላት እስላማዊ ሰውራዊ ሓለዋ ኢራን እዮም።

ተወሰኽቲ 20,000 ድማ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኣለዉ።

ሓይሊ ባሕሪ ኢራን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እስላማዊ ሰውራዊ ሓለዋ ኢራን ቅድሚ 40 ዓመታት፡ ነቲ ኣብ ኢራን ዘሎ እስላማዊ ስርዓት ንምሕላው ዝቖመ ኮይኑ፡ ሕዚ ዝዓበየ ወተሃደራዊ፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሓይሊ ክኸውን ክኢሉ'ሎ።

ካብቲ ስሩዕ ሰራዊት ኢራን ዋላኳ ብብዝሒ ዝነኣሰ እንተኾነ፡ ኣብ ኢራን እቲ ዝያዳ ወተሃደራዊ ስልጣን ዘለዎ ሓይሊ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ።

ኢራን ኣጽዋር ኒዩክሌር ኣለዋ'ዶ?

ኢራን፡ ኣብዚ እዋን መደብ ኣጽዋር ኒዩክሌር የብላን። ቅድሚ ሕዚ'ውን 'ኣየድልየንን' ኢላ ነይራ እያ።

እንተኾነ፡ ኣጽዋር ኒዩክሌር ክትሃንጽ ዘድልዩዋ ባእታታትን ፍልጠትን ግን ኣለዋ።

ኣብ 2015፡ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዘውጸኦ ገምጋም፡ ኢራን ኣጽዋር ኒዩክሌር ንምህናጽ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ዘድልያ ይብል።