ብ 'ሓሶት' ሰብ መዚ ዝተቖጥዑ ኢራናውያን ሰልፊ ኣካይዶም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢራናውያን፡ ኣብ ከተማ ቴህራን ኣብ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ንሰብመዚ እታ ሃገር 'ሓሰውቲ' እናበሉ ቁጠዐኦም ገሊጾም።
እዚ ድማ፡ ነታ ኣብ ኢራን ዝወደቐት ነፋሪት ዩክሬን፡ ሰብመዚ ኢራን መጀመርያ ኣይወቓዕናያን ኢሎም ክሒዶም ብምንባሮም እዩ።
ብውሕዱ ኣብ ክልተ ዩንቨርሲቲታት ሰልፊ ተቓውሞ ዝተኻየደ ኾይኑ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንብዒ ትኪ ተኲሶም።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቶም ሰልፈኛታት ዘለዎ ድጋፍ ብትዊተር ገሊጹ።
ኢራን ነታ ናይ ዩክሬን ነፋሪት "ብጌጋ" ከምዝወቕዓታ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ዝኣመነት ኮይና፡ በቲ ሓደጋ 176 ሰባት ሞይቶም እዮም።
ኣብቲ ሰልፊ እንታይ ኣጋጢሙ?
ፈለማ፡ ተምሃሮ ዩንቨርሲቲ ነቶም ብሓደጋ ነፋሪት ዝሞቱ ሰባት ዝኽሪ ንምግባር እዮም ተኣኪቦም። ኣጋምሸት ግን እቲ ቁጠዐኦም እናሓየለ ከይዱ።
ወኪል ዜና ፋርስ፡ 1000 ዝኾኑ ሰባት ተኣኪቦም ኣንጻር መራሕቲ ኢራን ጭርሖታት ከምዘስምዑን ስእሊ ጀነራል ሶሌይማኒ ከምዝቐደዱን ጸብጺቡ።
ንምውዳቕ እታ ነፋሪት ተሓተትቲ ዝኾኑን ነቲ ተግባር ክሓብኡ ዝፈተኑን ሰብመዚ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ እቶም ተምሃሮ ጸዊዖም።
እቶም ሰልፈኛታት፡ ሃይማኖታዊ መራሒ ዓሊ ካመኒ ካብ መዝነቱ ክወርድ ዝጽውዕን "ሞት ንሓሰውቲ" ዝብልን ጭርሖ ይጭርሑ ነይሮም።
ፖሊስ ድማ፡ ነቶም መገዲ ይዓጽዉ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ክብትን መንብዒ ጋዝ ተጠቒሙ።
እዚ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ምስቲ ድሕሪ ቅትለት ጀነራል ሶሌማኒ ዝተርኣየ ገዚፍ ሰልፊ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ንእሽቶ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







