ኣሜሪካ ምስ ኢራን ክላዘብ ድልውቲ እየ ኢላ

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣመሪካ ምስ ኢራን "ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት፡ ዕቱብ ልዝብ ክትገብር ድልውቲ ከምዝኾነት" ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጣ።

ኣመሪካ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ፡ ንኢራናዊ ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ ምቕታል ንምንታይ ከምዘድለያ ኣብሪሃ።

ኢራን ኣብ ዒራቕ ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደብር ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ዘጥቀዐት ኮይና፡ እቲ ስጉምቲ ነብሰ-ምክልኻል ምዃኑ ገሊጻ እያ። በቲ መጥቃዕቲ ዝሞተ ሰብ ከምዘየለ ድማ ተገሊጹ።

እቲ ደብዳበ እንታይ እዩ ዝብል?

እቲ ብልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ባይቶ ጸጥታ ዝተጸሓፈ ደብዳቤ "ዓለምለኻዊ ሰላምን ጸጥታን ናብ ሓደጋ ከይኣቱ መታን፡ ከምኡ እውን ስርዓት ኢራን ነቲ ኩነታት ከየጋድዶ" ኣሜሪካ ምስ ኢራን ልዝብ ክትገብር ድልውቲ ከምዝኾነት የመልክት።

ልኡኽ ኢራን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ጽንኩር ቁጠባዊ እገዳታት ምግባር ኣብ ዝቐጸለትሉ፡ ምስ ኢራን ክላዘብ እየ ምባላ "ዘይእመን እዩ" ኢሉ።

ቅትለት ጀነራል ሶሌማኒ፡ ናይ ነብሰ-ምክልኻል ስጉምቲ እዩ ብምባል'ውን የብርህ።

ኣሜሪካ፤ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዉ ወተሃደራታን ረብሓታታን ንምሕላው ተወሳኺ "ኣድላዪ" ስጉምቲ ከምትወስድ ድማ ኣብቲ ደብዳቤ ተገሊጹ።

ኢራን እውን ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መደብራት ኣመሪካ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ ስጉምቲ ነብሰ-ምክልኻል እዩ ክትብል ተኸላኺላ።