ኣብ ኢራን ብዝወደቐት ነፋሪት መጓዓዝያ መገዲ ኣየር ዩክሬን 176 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቦይንግ-737 ዝዓይነታ፡ 176 ሰባት ዘሳፈረት ናይ ዩክሬን ነፋሪት ኣብ ኢራን ከምዝወደቐት መራኸብቲ ብዙሓን እታ ሃገር ጸብጺበን።
ብዓለምለኻዊ መገዲ ኣየር ዩክሬን እትውነን ነፋሪት፡ ኣብ ከተማ ቴህራን ካብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ኢማም ኮሜኒ ምስተበገሰት ብዙሕ ከይጸንሐት እያ ወዲቓ ኢሉ ሃገራዊ መደብር ዜና ፋርስ።
እታ ነፋሪት ናብ ርእሰ ከተማ ዩክሬን ኬየቭ እያ ትጓዓዝ ነይራ። ዝበዝሑ ተሳፈርቲ ድማ ኢራናውያንን ካናዳውያንን ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።
ሚንስቴር ጉዳያት ወጻኢ ኡክሬን ከምዝሓበሮ፡ ግዳያት እቲ ሓደጋ 82 ኢራናውያን፣ 63 ካናዳውያን፣ 11 ዩክሬናውያንን [ትሸዓት ኣባላት ዝርከብዎም]፣ 11 ስዊድናውያን፣ 4 ኣፍጋኒስታውያን፣ 3 ብርጣናውያንን 3 ጀርመናውያንን እዮም።
ምውዳቕ ናይታ ነፋሪት ምስ ጎንጺ ኢራንን ኣመሪካን ዝተሓሓዝ ድዩ ዝብል ንጹር ኣይኮነን።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት፡ እታ ነፋሪት ኣብ ዝወደቐትሉ ጥቓ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ተዋፊሮም ኣለዉ።
ሓላፊ ቀይሕ ወርሒ ኢራን፡ ካብቲ ሓደጋ ዝድሕን ሰብ ክህሉ እዩ ዝብል ተስፋ ከምዘየለ ገሊጹ ነይሩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







