መጥቃዕቲ ኢርቢል፡ ኢራን ናብ ሰሜናዊት ከተማ ኢርቢል ሚሳይላት ወንጪፋ

ካብ ኢራን ብዝተወንጨፈ ሚሳይል ዝተወቕዐት ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ ትርከብ ኢርቢል፡ (13 መጋቢት 2022)

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓይልታት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ሎሚ ለይቲ (13 መጋቢት 2022) “እስትራቴጂካዊ ማእከል እስራኤል” ናብ ዝበሉዎ ኣብ ዒራቓዊት ኩርዳዊት ከተማ ኢርቢል ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ኣካይዶም።

ኣብ ጥቓ ቆንስል ኣመሪካ ዝዓለበ 12 ሚሳይላት ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለየ ህንጻታት ጉድኣት ከምዘውረደን ሓደ ሲቪል ከም ዝተወግአን ዞባዊ መንግስቲ ኩርዲስታን ሓቢሩ።

መንግስቲ ኣመሪካ በቲ ናይ ፈራሓት ዝበሎ ኣብ ስቪላዊ ቦታታት ኢርቢል ዝወደቐ መጥቃዕቲ ሚሳይል፡ ዝኾነ ኣመሪካዊ ከምዘይተጎድአን መሳለጥያታቱ እውን ዝዀነ ዕንወት ከምዘይወረዶን ሓቢሩ።

መንግስቲ እስራኤል ኮነ ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ብዛዕባ’ቲ ኢራን ዝበለቶ ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን ።

ይኹን እምበር፡ ሰብ መዚ ኩርዲ እቲ ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝበሎ፡ ኣብ ሲቪላዊ ቦታታት መጥቃዕቲ ንምክያድ ከም መመኽነይታ ዝቐረበ "መሰረት ዘይብሉ" ፕሮፓጋንዳ እዩ ክብሉ ገሊጾም።

ኣውቲስታ ታክሲ ዚርያን ዋዚር ኣብ ጥቓ ቆንስል ኣመሪካ ኣብ መኪናኡ እንከሎ ሰምበት ሰዓት ሓደ ናይ ለይቲ፡ ወይ (ቀዳም 23፡ 00 ሰዓት 11 ናይ ምሸት ብኣቆጻጽራ ለንደን) እቲ ሚሳይላት ከምዝወደቐ ሓቢሩ።

ፈለማ ብርቱዕ ዒግታን ሓመድን ርእየ። ካብኡ ብርቱዕ ድምጺ ተዅሲ ሰሚዐ። መሳዅቲ ናይ መኪናይ ተሰባቢሩ፡ ኣብ ገጸይ ድማ ተሃሪመ” ክብል ንማዕከናት ዜና AFP ሓቢሩ ።

ኩርዲስታን -24 እተሰምየት መደበር ተሌቪዥን ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ-ጽሕፈታ ዝወረዳ ዕንወት ዘርኢ ስእሊ ዘርጊሓ።

ማዕከናት ዜና ኢራን'ውን እቲ ሰውራዊ ሓይሊ ኢራን ነቲ "ኣብ ቀረባ ግዜ ንዝፍጸም ገበናት" ኣመልኪቱ፡ ኣብ ኢርቢል ፡ “ስትራተጂያዊ ማእከል ውዲትን እከይን ጽዮናውያን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከም ዘካየደ ገሊጸን ።

ሓይልታት ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ እስራኤላውያን ብሰኑይ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ሶርያ ደማስቆ ዘካየዱዎ ንክልተ ላዕለዎት ኢራናውያን መኰንናት ዝቐተለ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ዋጋ ክኸፍልሉ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም ነይሮም።

ባይቶ ሚኒስተራት ዞባ ኩርዲስታን፦ "እዚ ኣብ ኢርቢል ኣብ ጥቓ ቆንስል ኣመሪካ ዝርከብ መደበር እስራኤል ከምዝተሃርመ ኣምሲልካ ዝግለጽ ዘሎ ናይ ፈራሓት መጥቃዕቲ ንሲቪላዊ ዒላማታት ንምህራም ከም መመኽነይታ ዝቐርብ ዘሎ ዕባራ ምኽንያት ምዃኑ ገሊጹ።

" ፕሮፖጋንዳ ናይቶም ነዚ መጥቃዕቲ’ዚ ዝፈጸሙ ሰባት ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ ደጊምና ነረጋግጽ"

ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ሙስጣፋ ቃዲሚ እውን ነቲ መጥቃዕቲ ኰኒንዎ ኣሎ ።

ንሱ ፡ "ነታ ፍትውቲ ከተማ ኢርቢል ዒላማ ዝገበረን ኣብ ልዕሊ ነበርታ ፍርሒ ዘስፍን መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ጸጥታ ህዝብና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እዩ" ክብል ትዊት ገይሩ።

"ሓይልታት ጸጥታና ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዝወርድ ዝኾነ ይኹን ምፍርራሕ መርሚሮም ብጽንዓት ደው ክብሉ እዮም " ከኣ ኢሉ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ፡ ማቲው ቱለር፡ ኢራን፡ በዚ ንልኡላውነት ዒራቕ ዝጥሕስን ኣብ ልዕሊ ንጹህ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻማ ተሓታቲ ክትከውን ኣለዋ" ኢሉ ።