መንግስቲ ኣመሪካ ምስ ኢራን ምትእስሳር ንዘለዎም ናይ ዜና ድሕረ ገጻት ኣጊዱ

ድረገጽ ከም ዝተዓጸወ ዝሕብር ስእሊ

ኣመሪካ ስኑዕ ዜና ብምዝርጋሕ ዝኸሰሰቶም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ናይ ዜና ድሕረ ገጻት ኢራን ኣጊዱ።

ካብ መንጎ እቶም ዝተኣገዱ ድረ ገጻት ሃገራዊ ማዕከን ዜና ፕረስ ቲቪ ከምኡ'ውን ብኢራን ናይ ዝድገፍ ምንቅስቓስ ሑቲ ዝኾነ ኣል-ማሲራህ ቲቪ ይርከብዎም።

ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝጸንሐ ምስሕሓብ ብምኽንያት ዳግመ ምብርባር ስምምዕ ኒኩሌር ዓሪጉ ይርከብ።

ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ብእስላማዊ ሕብረት ሬድዮን ቴለቪዥንን ኢራን ዝመሓደሩ 33 ድረ ገጻት ከምኡ'ውን ብኢራን ብዝድገፍ ሚሊሻ ሂዝቦላህ ዝውነኑ ካልኦት ሰለስተ ድሕረ ገጻት ዓጊቱ ምህላው ሓቢሩ ይብል ጸብጻብ ሮይተርስ።

ብሰሉስ ድረ ገጽ ናይቲ ብመንግስቲ ኢራን ዝካየድ ቀንዲ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ መደበር ቴለቪዥን ኣይሰርሕን ነይሩ።

ብተመሳሳሊ ድሕረ ገጽ ናይቲ ካብ ብሪጣንያ ብቋንቋ ዓረብ ዝፍኖ ሉዋሉዋ ቲቪ'ውን ንቡር ኣገልግሎት ይህብ ኣይነበረን።

ብዙሓት ካብቶም ድሕረ ገጻት ብሓድሽ ኣድራሻ ዶመይን ናብ ኣገልግሎት ተመሊሶም እዮም።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ስምምዕ ኒኩለር 2018 ድሕሪ ምንስሓቡን ቁጠባዊ እገዳታታት ኣብ ልዕሊ ኢራን ደጊሙ ድሕሪ ምንባሩን፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ንዓመታት ሓርፊፉ እዩ ጸኒሑ።

እቲ ስምምዕ፡ ኢራን ንኒኩለራዊ ንጥፈታታ ክሳዕ ዝገትአት እቲ እገዳ ክለዓለላ ዝገብር እዩ።

ዋላ'ኳ ሓድሽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ናብቲ ስምምዕ ክምለስ እንተደለየ፡ ክልቲኦም ወገናት እቲ ካልእ ነቲ ተበግሶ ክወስድ ይደልዩ፤ እቲ ስምምዕ ድማ ናብ ምፍራስ ተቓሪቡ ኣሎ።

ብሰንበት ኣብ ዙርያ እቲ ስምምዕ ዝተኻየደ ሻድሻይ ዙርያ ርክብ ኣብ ቬና ኣብ መንጎ ልኡኻት ኢራንን ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳ፣ ቻይና፣ ሩስያን ጀርመንን እኳ እንተተኻየደ ኣብ ምርድዳእ ግና ኣይተበጽሐን።

ኣብ ኢራን ኩሎም ማዕከናት ዜና ብመንግስቲ ዝውነኑ እዮም፤ ብውልቂ ዝውነን መደበር ቴለቪዥን ኮነ ሬድዮ የሎን።

ሳተላይት ዲሽ'ውን ዋላ'ኳ ብብዝሒ ዝርአ እንተኾነ ፍቑድ ኣይኮነን።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ፖሊስ ኢራን ኣብ ኣባይቲ ዝተሰቕለ ዲሽ ብምእካብ ብታንክታት ከም ዘዕነዎም ዝዝከር እዩ።

ኣብ ጥቅምቲ፡ መንግስቲ ኣመሪካ፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ፖለቲካዊ ስኑዕ ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ይጥቀመሎም እዩ ዝበሎም 92 ድረ ገጻት ኣጊዱ እዩ።

መንግስቲ ኢራን ነቲ ስጉምቲ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የሎን፤ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ግና ኣመሪካ ምመያ ተካይድ ምህላዋ ከሲሶም።

ኣብ ኣመሪካ ዝተወለደት ጋዜጠኛ ፕረስ ቲቪ ማርዝየህ ሓሸሚ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ፡ "ኣብ ካልእ ኣብነት ነጻነት ፕረስ ኣመሪካ፡ [ዋሽንግተን] ዲሲ እቲ እትብሎ ባህ እንተዘይኢልዋ፡ ዶመይንካ ተዓጊቱ ኣሎ ትብለካ" ኢላ።