ኣገልግሎት ታክሲ ዝህብ ኡበር ብሰርሳሪ ተጠቒዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ዓማዊል ናብ ዝደለይዎ ቦታ ክበፅሑ ውልቃዊ መራሒ መኪና ናይ ምቕራብ ኣገልጋሎት ዝህብ ኩባንያ ኡበር፡ ሓያሎ ስርዓታት ውሽጣዊ ርክባትን ምህንድስናን ኣብ ሓደጋ ድሕሪ ምእታዎም፡ መርመራ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ።
ነቲ ጥሕሰት ንፈለማ ግዜ ዝጸብጸበ፡ ካብቲ ሰርሳሪ ምስሊ ኢመይል፡ ክላውድ ስቶሬጅን ኮድ ምንጪታትን ዝተለኣኸሉ ዘ ኒውዮርክ ታይምስ እዩ።
ሰራሕተኛታት ኡበር፡ 'ስላክ' ዝበሃል ናይ መልእኽቲ መተግበሪ (ኣፕ) ንከይጥቀሙ ከምዝተነግሮም እቲ ጸብጻብ ንኽልተ ሰራሕተኛታት ብምጥቃስ ሓቢሩ።
ስርዓት ስላክ ካብ መስመር ኢንተርኔት ወጻኢ ቅድሚ ምዃኑ፡ ሰራሕተኛታት ኡበር "ኣነ ሰርሳሪ ምዃነይን ኡበር ድማ ምጥሓስ ዳታ ከምዘጋጠሞን የፍልጥ" ዝብል መልእኽቲ በጺሕዎም እዩ።
ድሒሩ እቲ ሰርሳሪ ንሰራሕተኛታት ኣብቲ ውሽጣዊ ሓበሬታ ገጽ ግሉጽ ስእሊ ብምልጣፍ ናብ ካልኦት ውሽጣዊ ስርዓታት ኡበር ክኣቱ ከምዝኸኣለ ኣርእዩ።
ኡበር ብዛዕባ እቲ ጥሕሰት ብዝምልከት ምስ ሰበስልጣን ከምዝተራኸበ ገሊጹ’ሎ።
ክሳብ ሕጂ ተሽከርከርቲ ኡበር፡ ዓማዊሉ ወይ ሓበሬታ ክፍሊት በቲ ስርሰራ ከምዝተጸልወ ዝሕብር ምልክት የለን።
ሃደንቲ ሽልማት
ብዛዕባ ተቓላዕነት ድሕነት ኩባንያታት ሓበሬታ ዝረኸቡ ልዑል ክእለት ዘለዎም ሰርሰርቲ "በግ ባውንቲ ሃንተርስ" (Bug bounty hunters) ብዝብል ዝፍለጡ ሃደንቲ ሽልማት እዮም።
ኡበር ካብ ሓደ "ሃከርዋን" ዝበሃል ኣብ ካሊፎርንያ ዝመደበሩ ሃዳኒ ሽልማት ግልጋሎት ክረክብ ክፍሊት ከፊሉ ተመዝጊቡ እዩ።
ዓበይቲ ትካላት ተቓላዕነቶም ንምልላይ ስነ-ምግባራር ዘለዎም ሰርሰርቲ ከምዝጥቀሙ ይፍለጥ።
ሓደ ካብቶም ሃደንቲ ሽልማት ዝኾነ ሳም ካሪ ምስቲ ንኡበር ዝሰርሰረ ተራኺቡ'ዩ።
"ብዙሕ ነገራት ዝተዋገዩ ይመስሉ" ኢሉ።
ሚስተር ካሪ ምስ ሓያሎ ሰራሕተኛታት ኡበር ከምዝተዘራረበን፡ ንሳቶም ድማ ነቲ ስርሳሪ ንምዕጋት "ንኹሉ ነገር ብውሽጢ ንምዕጻው ይሰርሑ ከምዘለዉን" ሓቢሩ።
ወሲኹ’ውን እቲ ሰርሳሪ ዝኾነ ጉድኣት ከምዘውረደ ወይ ዕላዊነት ካብ ምርካብ ወጻኢ ድልየት ከምዘለዎ ዝሕብር ምልክት ከምዘየለ ይገልጽ።
"ምስ ጉጅለ ጸጥታ ኡበር ብቐረባ ርክብ ንገብር ኣለና፡ ዳታኦም ዓጺናዮ ኢና፡ ኣብመርመራ ድማ ክንሕግዞም ኢና" ክብል ዋና ሓላፊ ስርሰራ ሃከርዋን ክሪስ ኢቫንስ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
መን እዩ ተሓታቲ?
ቢቢሲ፡ ኣካውንትታት ምሕደራ ኡበር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘለዉ ካብ ዝገልጽ ሰብ ዝተልኣኹ መልእኽቲታት ርኢዩ እዩ።
ጸብጻብ ኒውዮርክ ታይምስ፡ እቲ ሰርሳሪ ወዲ 18 ዓመት ከምዝኾነ፡ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ናይ ሳይበር-ድሕነት ክእለት ከምዘማዕበለን፡ ንስርዓታት ኡበር "ድኹም ጸጥታ ስለ ዝዘለዎም" ከም ዝሰርሰረን ይገልጽ።
እቲ ሰብ፡ ኣብቲ ነቲ ጥሕሰት ዘፍለጠሉ መልእኽቲ ስላክ፡ መራሕቲ መካይን ኡበር ዝለዓለ ክፍሊት ክረኽቡ ከምዘለዎም'ውን ገሊጹ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







