ኡበር፡ ብሕቡእ ዝወጽኡ ፋይላቱ እንታይ ይሕብሩ?

ኡበር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ብሕቡእ ዝወጹ ፋይላት ኡበር፡ እቲ ኩባንያ ንጸለውቲ ፖለቲከኛታት ብኸመይ ይጥቀመሎምን ካብ ሕጊ የምልጥ ከምዝነበረን ኣቃሊዖም። ካብ መንጐ እዞም ፖለቲከኛታት ፕረዚደንት ኤማኑወል ማክሮንን ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ ዝነበረት ኒሊ ክሮይስን ዝኣመሰሉን እዮም።

ብተወሳኺ፡ ዝተፈላለዩ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዙ ሜላታት ተጠቒሙ፡ ፖሊስ ብዛዕባ እቲ ኩባንያ መረዳእታ ንኸይረክብ ይገብር ከምዝነበረ እቶም ፋይላት የርእዩ።

ኡበር፡ "እቲ ሕሉፍ ጠባያት ምስቲ ሕጂ ዘሎ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዘይከይድ" ብምባል እቲ ሕጂ ዘሎ "ካልእ ዝተፈልየ ኩባንያ" ከምዝዀነ ገሊጹ።

እቶም ብሕቡእ ዝወጹ ፋይላት ኡበር፡ ካብ 2013 ክሳዕ 2017 ኣብ ዝነበረ እዋን ዝተላእኩ 83,000 ኢ-መይላትን 1,000 ዘረባታትን ዘጠቓልሉ ልዕሊ 124,000 መዝግብቲ እዮም።

ነዚ ሚስጥር ዘውጽአ፡ ምስቶም ኣብ ልዕሊ 40 ሃገራት ዝርከቡ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎም ኣባላትን መራሕትን መንግስታት ብምርኻብ፡ ቀንዲ ወፍሪ እቲ ኩባንያ ዘካይድ ዝነበረ ሓደ ካብቶም ብሉጻት ኣካየድቲ ኡበር ማርክ ማክጋን እዩ።

እዞም ፋይላት ናብ 'ዘ ጋርድያን' እዮም ተላኢኾም። ብተወሳኺ ናብ ዓለምለኸ ሕብረት መርመርቲ ጋዜጠኛታት፡ ቢቢሲ ፓኖራማ ከምኡ'ውን ካልኦት ሓያሎ መራኸቢታት ተዘርጊሖም እዮም።

ኡበር፡ ኣብ ኢንዱስትሪ ታክሲ ኤውሮጳ ሰንጢቝ ንኽኣቱ ኣብ ዓመት 90 ሚልዮን ዶላር ዝመደበሉ ወፍሪ፡ ህዝባዊ ርክባቱን ብኸመይ ጸለውቲ ፖለቲከኛታት የስድዕ ከም ዝነበረን እዞም ፋይላት ንመጀመርታ ግዜ ኣቃሊዖም።

ካብተን ኡበር ፖለቲከኛታት ዝወደበለን ከተማታት፡ ፖሪስ፡ ኣምስተርዳምን ለንደንን ይጥቀሳ።

ኣምስተርዳም

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንሕጊ ምቅላስ ሓደ ክፋል ስራሕ ኡበር እዩ። እቲ ኩባንያ ንገዛእ ርእሱ ከም “ቀያሪ” ገይሩ እዩ ዝርኢ፣ ዓለም ንገዛእ ጥቕሙ ከምእትኸውን ገይሩ ክቐይራ ይደሊ። መሳርያ ለውጢ ኡበር ከኣ ወፍሪ ጥራይ ኣይነበረን።

ኣብ 2014 እቲ ኣከራኻሪ ኣገልግሎት 'ኡበር ፖፕ' ኣቓልቦ ሰበስልጣን እታ ኡበር ቀንዲ ኣህጉራዊ ቤት ጽሕፈቱ ክትከውን ዝመረጻ ኣምስተርዳም ስሒቡ ነይሩ።

ብመሰረት እቲ ካብ ሓደ ዝለዓለ ኣካያዲ ኩባንያ ዝተላእከ ኢ-መይል፡ 'እቶም ንተጓዓዝቲ ብሓባር ዘሳፍሩ መራሕቲ መኻይን እንተተታሒዞም፡ ብገበን ክኽሰሱ እዮም' ዝብል ጉዳይ፡ ንኡበር ኣብ ፈለማ ኣተሓሳሲብዎ ነይሩ።

እንተዀነ እቲ ዘንጠጠየ ስግኣት ኣየጨነቘምን። ኣብ ኣምስተርዳም ንመጀመርታ ግዜ መራሕቲ መኻይን ኡበርፖፕ ተኣሲሮም ወግዓዊ መጠንቀቕታን መቕጻዕትን ጥራይ ምስተዋህቦም፡ ኡበር ስርሑ ብዕጽፊ ቐጺሉ።

ኣብ ታሕሳስ 2014 ኡበርፖፕ ኣብ ሄግ ብዝርከብ ቤትፍርዲ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ተኣዊጁ።

እንተዀነ፡ ልክዕ ከምቲ ናይ ፓሪስ፡ ኡበር በዚ ደው ኣየበለን። እቶም ሰነዳት ከም ዘመልክትዎ፡ ፖሊስ ነቲ መተግበሪ ስማርትፎን ተጠቒሙ ነቶም መራሕቲ መኻይን ንኸይረኽቦም ይዓግቶም ነይሩ።

ኡበር ነቶም ኣባላት ፖሊስ በቲ ኣብቲ መተግበሪ ዝተቐብረ ሓበሬታ የለልዮም። ድሕሪኡ፡ "ግረይቦል" ዝበሃል ውሽጣዊ መሳርሒ ተጠቒሙ ናይ ሓሶት መተግበሪ ኡበርፖፕ የቕርበሎም። እዚ ናይ ሓሶት መተግበሪ፡ ደው ዘይበላ ብርክት ዝበላ መኻይን ኡበርፖፕ እዩ ንፖሊስ ዘርእዮም። ብተወሳኺ "ጂኦፈንሲን" ብዝበሃል መሳርሒ ገይሩ፡ ኣብ ዝዀነ መደበር ፖሊስ ኰይኑ ዝዀነ ይዅን ሰብ ኣገልግሎት ኡበር ንኸይእዝዝ'ውን ክዓግቶ ይኽእል እዩ።

እዞም ሽጣራታት እዚኦም ሰበስልጣናት ስለምንታይ ኣገልግሎት ታክሲ ምእዛዝ ከም ዘይከኣሉ ግር ክብሎም እጃም የበርክቱ ነይሮም።

እቲ ኣብ መንጐ ኣኽበርቲ ሕጊ ሆላንድን ኡበርን ዝግበር ዝነበረ ጸወታ ድሙን ኣንጭዋን ብኸምዚ ቐጺሉ።

ኣብ መጋቢት 2015 ፖሊስ ዝርዝር ኵሎም መራሕቲ መኻይን ኡበርፖፕ ክረክብ ምስ ሓተተ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጺሑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰነድ ምሃብ ኣብቲ ኩባንያ ከቢድ ጕድኣት ዘስዕብ እዩ። ፖሊስ ነቶም መራሕቲ መኻይን ኣብ ተግባር እንከለዉ እንተዘይሓዞም'ኳ ንኽኣስሮም ዝፈቅድ እዩ ነይሩ።

እንተኾነ ኡበር; ፖሊስ መርትዖ ንኸይረከብ ዝገብር ምስጢራዊ ስርዓት ነይርዎ። እዚ “ኪል ስዊች” ኢሉ ዝጽውዖ ምስጢራዊ ስርዓት፡ ነቲ ናይታ ኩባንያ ሰርቨር ካብ ርሑቕ ብምሽጓር ሓበሬታ እቲ ኩባንያ ናብ ኢድ ሰብ ንኸይኣቱ ክገብር ይኽእል።

እዚ ኸኣ እቶም ሰበስልጣን ዝርዝር ኣስማት መራሕቲ መኻይን ዝኣመሰለ ተኣፋፊ ናይቲ ኩባንያ ሓበሬታ ንኸይረኽቡ ይድርቶም።

እዚ “ኪል ስዊች” እዚ ኣብ ካናዳ፡ ቤልጅም፡ ህንዲ፡ ሩማንያ፡ ሃንጋሪ ከምኡ'ውን እንተ ወሓደ ኣብ ፈረንሳ ሰለስተ ሳዕ ኣብ ኣገልግሎት ውዒሉ እዩ።

ሓድሽ ኣካያዲ ስራሕ ኡበር፡ ኣብ 2017 ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንነጀው፡ እቲ ኣብ ዝዀነ ይዅን ክፋል ዓለም ዘሎ ሓበሬታ ንምዕጋት ተባሂሉ ዝተዳለወ “ኪል ስዊች” ዝተባህለ ሶፍትዌር ሕጂ ከም ዘየለ ይገልጽ።

ቢቢሲ ከም ዝጸብጸቦ፡ ኡበር ኣብ ሆላንድ ከም ፖለቲከኛ ኒሊ ክሮይስ ጽልዋ ዘለዋ ምስጢራዊ መሻርኽቲ ነይሮምዎ እዮም። ኒሊ ክሮይስ ከኣ ንስነ ምግባራዊ ሕግታት ሕብረት ኤውሮጳ ብምጥሓስ ዝሓገዘት ክትከውን ትኽእል እያ።

ፓሪስ

ኡበር ካብ ኤውሮጳ ንመጀመርታ ግዜ ስራሕ ዝጀመረላ ከተማ ፓሪስ እያ። ኣብ ፓሪስ ካብ ዝርከብ ኢንዱስትሪ ታክሲ ድማ፡ጐደናታት ዝነዓበ ዓመጽ ዘስዓበ ተሪር ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ነይሩ።

ኣብ ነሓሰ 2014 ሚኒስተር ቍጠባ ኰይኑ ዝተሸመ ኤማኑወል ማክሮን፡ ንኡበር ከም ሓድሽ ስራሕ ዝፈጥር ዕድልን ከም ምንጪ ዕብየትን ገይሩ ስለ ዝረኣዮ ክሕግዝ ህንጡይ ነይሩ።

ኡበር፡ ኣብ 2014 ኡበርፖፕ ዝበሃል መስርሕ ኣብታ ከተማ ኣተኣታትዩ። ኡበርፖፕ ፍቓድ ዘይብሎም መራሕቲ መኻይን ንተጓዓዝቲ ብሓባር ኣሳፊሮም ብዝተሓተ ዋጋ ኣገልግሎት ንኽህቡ ዘኽእሎም መስርሕ እዩ።

እዚ ማለት መራሕቲ መኻይን ኡበርፖፕ ናይ ሞያ ፍቓድ ክህልዎም ወይ ከም መራሕ ታክሲ መጠን መድሕን ክወሃቦም ኣየድለዮምን። መኪና ዘለዎ ዝዀነ ይዅን ሰብ ኣገልግሎት ታክሲ ክህብ ስለዝኽእል፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞምሉ እዮም።

ስለዝኾነ ብፍላይ ፈረንሳውያን መራሕቲ ታክሲ ኣዝዮም ተቘጥዑ።

እቶም ኣብ ፓሪስ ዝነበሩ መራሕቲ ታክሲ፡ ዓማዊሎምን ኣታዊኦምን ምስ ነከየ፡ ተቓውሞኦም ክገልጹ ናብ ጐደናታት ፓሪስ ወጺኦም። ተጓዓዝቲ ናይ ዝሓዛ ኡበራት መሳዅቲ ብምስባርን፡ ጎማታተን እውን ብምቕዳድን ድማ ተሪር ተቓውሞ ኣርእዮም።

ምስ ማሕበራት ታክሲ ቐጻሊ ርክብ ዝነበሮ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጕዳያት በርናርድ ካዘነዌ ነቶም መራሕቲ ኡበርፖፕ ከቢድ ቍጽጽር ክግበረሎም ኣዚዙ።

ኡበር ግን ጭርሖ ነይርዎ ይብል ማክጋን፡ "ፍቓድ ካብ ምሕታት ይቕረታ ምሕታት ይሓይሽ።" ኡበር ንጸቕጢ ኢዱ ከይሃበ ኣበርቲዑ ምስራሕ ቀጺሉ።

ሰነ 2015 ኣብ ፓሪስ ዝተገብረ ዓመጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብኣብያተ ፍርድን ባይቶን እንተ ተኣገደ እውን፡ ኡበር ነቲ ሕጊ ዕሽሽ ኢሉ ኣገልግሎት ምሃብ ቀጺሉ።

ሚስተር ማክሮን፡ ኡበርፖፕ መጻኢ ተስፋ ኣለዎ ኢሉ'ኳ እንተዘይሓሰበ ምስቲ ኩባንያ ዀይኑ ነቲ ኻልእ ኣገልግሎታ ዝቈጻጸር ሕግታት ፈረንሳ እንደገና ከመዓራሪ ተሰማሚዑ።

ብ25 ሰነ 2015 እቲ ተቓውሞታት ዓመጽ ኣስዓበ። ኣብ መንጎ እቲ ዝያዳ ዓመጽ ዝመልኦ ናዕቢ ታክሲ፡ መንግስቲ ፈረንሳ ንተጓዓዝቲ ብሓባር ኣገልግሎት ምሃብ ከም ዝተቛረጸ ኣፍሊጡ። ድሕሪ ዓመታት ዝወሰደ ቃልሲ፡ ኡበር ኣብ 2016 ኣብ ፈረንሳ ኡበርፖፕ ከም ዘቋርጽ ሓቢሩ።

ፈረንሳ ኣብ 2018 "ጽኑዕ መምርሒታት" ዘለዎን "ንኡበር ፈጺሙ ተረባሒ ዘይገብርን" ሓድሽ ሕጊ ኣተኣታትያ።

ለንደን

እቲ ኩባንያ ኣብ ክረምቲ 2012፡ ለንደን ኦሎምፒክ ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን እዩ ስራሕ ጀሚሩ።

ኣብ ጐደናታት ኣገልግሎት ዝህባ ጸለምቲ ታክሲ ጥራይ እየን ነይረን። ሚኒካብን ኡበርን ኣቐዲምካ ኣገልግሎት ምእዛዝ የድልዮም ነይሩ። መተግበሪ ኡበር ግን ኣዝዩ ቕልጡፍ ስለዝዀነ ልክዕ ከም ሓንቲ ኣብ ጐድኒ መገዲ ዘላ ታክሲ ክውሰድ ዝኽእል እዩ።

እቶም መራሕቲ ጸለምቲ ታክሲ ምስቲ ኡበር ዝሓቶ ትሑት ዋጋ ክወዳደሩ ስለ ዘይከኣሉ ናብ ረጽሚ ኣተዉ። ነዚ ስዒቡ ኣብ 2014 ኣብ ለንደን ዝተገብረ መጠነ ሰፊሕ ሰልፊ፡ ንዅሉ ምንቅስቓሳት ደው ክብል ገይሩ ነይሩ።

ስለዚ ኡበር እንደገና ልዑል ስልጣን ዘለዎም መሻርኽቲ ከናዲ ጀሚሩ።

ኣብ ዳውኒን ስትሪት ቍ.10 [ቤተ መንግስቲ ብሪጣንያ] ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ንኡበር ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐቢሎምዎም እዮም። ሓደ ካብኣቶም እቲ ኣብዚ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ዘሎ ቦሪስ ጆንሰን እዩ።

እቲ ኡበር ዝገበሮ ወፈራ ፍረ ዝረኸበ ይመስል። ከም ኣገልግሎት ታክሲ ንምርካብ እንተ ወሓደ ሓሙሽተ ደቒቕ ዝኣክል ምጽባይ ከምዘድሊ ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ተሰሪዞም እዮም። እዚ ለውጢ ኡበር ንዝገብሮ ምስፍሕፋሕ ዝሓገዘ ነይሩ።

ግንቦት 2015 ኣብ ለንደን ዝተገበረ ዓመጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዋናዊ ውግእ

ኣካያዲ ስራሕ ኡበር ትራቪስካላኒክ ኣብቲ ኩባንያ ከም ጾታዊ ምግፋዕን ባህሊ ልዕልና ደቂ ተባዕትዮ ምትብባዕን ዝኣመሰሉ ነውርታት ምስ ኣጋጠሙን፡ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎም ኣካየድቲ ስራሕ ምውጽኦምን ምስንባትን ስዒቡ፡ ብ2017 ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ስርሑ ተሰናቢቱ።

ኡበር ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ምምሕዳር እዩ ጸኒሑ። እቲ ሓድሽ ኣካያዲ ስራሕ ከኣ ነቲ ኩባንያ ከም ዝቐየሮ ይገልጽ። ኡበር "ካብ መዋእል ግጭት ናብ መዋእል ምትሕብባር ከም ዝተጓዕዘ" ይዛረብ።

ኡበር "ነቲ ዝሓለፈ ተግባር መመኽነይታታት ኣየቕርበሉን እዩ" ከምኡ'ውን "ህዝቢ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት ዝገበርናዮ ክመዝነና" እሓትት።

ሎሚ'ውን እንተ ዀነ ኡበር ኣብ ሕጋዊ ቃልስታት ይርከብ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዝነብሩ መራሕቲ መኻይን እቲ ኩባንያ፡ ዝቘጸሮም ሰራሕተኛታቱ ወይ ገዛእ-ርእሶም ዝቘጸሩ [ብውልቂ] እንተዀይኖም ሕቶ ቐሪቡሉ እዩ። እቲ ኣብያተ-ፍርዲ ኡበር ነቶም መራሕቲ መኻይን ከም ሰራሕተኛታትገይሩ ክርእዮም ምስ ወሰነ፡ እቲ ኩባንያ ይግባይ ድሕሪ ይግባይ ኣቕሪቡ እዩ።

ኣብ ለካቲት 2021 እቲ ንሓሙሽተ ዓመት ዝቐጸለ ሕጋዊ ቓልሲ ምስ ተዛዘመ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ኡበር ነቶም መራሕቲ መኻይን ከም ብውልቂ ነብሶም ዝቘጸሩ ዘይኮነስ ከም ቍጹራት ሰራሕተኛታቱ ኽርእዮም ከም ዘለዎም ወሲኑ፣ እዚኸኣ ንሰራሕተኛታት ዝኽፍል ዝተሓተ መሃያ፣ ክፍሊት በዓላት እስትሕጋግን ክረኽቡ መሰል ከም ዘለዎም ዝሕብር እዩ።

ኡበር ብኸምዚ'ኳ እንተተፈርደ፡ ኣብ ብሪጣንያ ዝርከቡ መራሕቲ መኻይን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጕዕዞ ዝረኽብዎ መጠን ገንዘብ ክንኪ ተገይሩ እዩ።

ኣብ ኣምስተርዳምን ኣብ ካልእ ቦታታትን፡ ኡበር ነቲ መራሕቲ መኻይን ዝያዳ መሰላት ሰራሕተኛታት ክረኽቡ ከም ዝግባኦም ዝገልጽ ውሳነ ቤት ፍርዲ ምቅዋም ኣየቋረጸን።

እቲ ብሕቡእ ፋይላት ክወጽእ ዝገበረ ማርክ ማክጋን፡ ኡበር ንመብዛሕትኦም "ካብቲ ዝተሓተ ደሞዝ ኣጸቢቑ ዝትሕት" መሃያ ዝረኽቡ መራሕቲ መኻይን ዝሕዘሉ ኣገባብ ክልውጥ ተስፋ ከም ዘለዎ ይገልጽ።

ማክጋን፡ ኣብ ነሓሰ 2016 ካብ ኡበር ወጺኡ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኩባንያ ሕጋዊ ኽሲ ድሕሪ ምምስራቱ ኣብ መወዳእታ ካብ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ስምምዕ ፈጺሙ። እቲ ስምምዕ ብምንታይ ከምዝተፈጸመ ግን ኣይተገልጸን። ማክጋን እውን ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ምስ ‘ዘ ጋርድያን’ ኣብ ዝገበሮ ቓለ መጠይቕ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ካብ ዘሎ ኢንዱስትሪ ታክሲ ዝወረዶ ዝነበረ ምግፋዕ እናወሰኸ ስለዝኸደ፡ ንድሕነቱን ንድሕነት ስድራቤቱን ክብል ባዕሉ ካብ ስርሑ ከምዝተሰናበተ ገሊጹ።

ሕጂ ንኡበር ኣብ ምህናጽ ብዝነበሮ ግደ ከም ዝጠዓስ ይሕብር።

"እቲ ዝገበርክዎ ይኣምነሉ እየ ነይረ፣ እንተዀነ እቲ ንመንግስታት ንኣገልገልቲ ንቐዳሞት ሚኒስተራት ንፕረዚደንት ከምኡ'ውን ንመራሕቲ መካይን ከእምን ዝገብሮ ዝነበርኩ ነገር ዘስካሕክሕ፡ ጌጋን ሓሶትን እንተዀይኑ ተመሊሰ 'ጌጋ ዝገበርና እመስለኒ' ክብል ሓላፍነት ኣለኒ።"