ኡበር ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝወሰደ ክርክር ኣብ ከተማ ለንደን ክሰርሕ ተፈቒድሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብመተግበሪ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ታክሲ ዝህብ ትካል ኡበር፡ ብሰንኪ ጉድለት ውሕስነት ድሕነት ንኣስታት ሓደ ዓመት ብክፍሊ መጓዓዝያ ለንደን ኣብታ ከተማ ዘስርሖ ወረቀት ፍቓድ ብቐዋምነት ከምዘይሕደሰሉ ተገይሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዳኛ ናይ ይግባይ ቤትፍርዲ እቲ ትካል ዝድለ ምምሕያሻት ገይሩ ኣሎ ብምባል ስርሑ ክቕጽል ወሲኑ።
እዚ ፍርዲ ነቶም ኣብ ከተማ ለንደን ኣገልግሎት ኡበር ዝህቡ 45,000 ዘወርቲ እፎእታ ፈጢርሎም ኣሎ።
ዳኛ ዌስትሚኒሰተር፡ ኡበር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ለንደን ክሰርሕ 'ብቑዕን ልክዕን'ዩ' ኢሉ።
ክፍሊ መጓዓዝያ እታ ከተማ፡ ኣብ ልዕሊ ትካል ኡበር ኣቕሪብዎ ካብ ዝነበረ ክስታት፡ ኣብቲ ትካል ዘይተመዝገቡ መራሕቲ መካይን ኣብቲ መተግበሪ ናይቲ ትካል ብምእታው፡ ሒሳብ ናይቶም ብግቡእ ዝተመዝገቡ መራሕቲ መኪና ተጠቂሞም ስእሎም ብምልጣፍ ሰራሕተኛታት ኡበር ተመሲሎም ኣገልግሎት ክህቡ ጸኒሖም ዝብል እዩ።
እቲ ቤት ፍርዲ 24 መራሕቲ መካይን ትካል ኡበር ን20 ሰባት ሕሳቦም ስለዝሃቡ እቶም 20 ሰባት ኣብቲ መተግበሪ ናይ ኡበር ብምእታው 14788 ግዜ ንሰብ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ከምዝሃቡ እዩ ዝሕብር።
ኣብ ሰሜንን ምብራቕን ኣውሮጳ ላዕለዋይ ዞባዊ ሓላፊ ኡበር ዝኾነ ጅሚ ሄይዉድ "ሕጂ እንታይ ክንገብር ንኽእል ዘይኮነ፡ ቅድሚ ሕጂ ካብቲ ዝሰራሕናዩ ንላዕሊ ክንሰርሕ ይግብኣና ነይሩ" ኢሉ።
ከንቲባ ከተማ ለንደን ሳዲቕ ክሃን: እቲ ክፍሊ መጓዓዝያ ለንደን ዝወሰኖ ውሳነ [ወረቐት ፍቓድ ኡበር ዘይምሕዳሱ] ቅኑዕ ከምዝነበረ ብምሕባር፡ ሕጂ ግን እቲ ትካል ምምሕያሻት ከምዘርኣየ ገሊጹ።
እቲ ከንቲባ ብምስዓብ "ንነበርቲ ለንደን ሓደ ነገር ከረጋግጸሎም ይደሊ፡ ክፍሊ መጓዓዝያ ለንደን ንኣሰራርሓ ኡበር ብቐረባ ክከታተሎ'ዩ: ድሕነት ተገልገልቲ ዘጠራጥር ነገር እንድሕር ገይሮም ከኣ ቅልጡፍ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣይክወላወልን'ዩ" ኢሉ።

ምክትል ላዕለዋይ ዳኛ ታን ኢካም፡ ኡበር ዝጠሓሶም ሕግታት ብምጥቃስ እቲ ትካል ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩሉ መለኪዒታት ከምዘማልአ'ዩ ዝገልጽ።
ንሱ ብምስዓብ "ኡበር ነቲ ዘጋጠሞ ውድቀት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩሉ መለክዒታት ኣማሊኦም እዮም፡ ኣብ ለንደን ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ንክህቡ ናይ ወረቐት ፍቓድ ክሕደሰሎም ድማ ቅኑዕን ግቡእን'ዩ" ኢሉ።
እዚ ንኡበር ን18 ኣዋርሕ ኣብ ለንደን ክሰርሕ ተዋሂብዎ ዘሎ ፍቓድ ሓያለ ቅድመ ኩነት ዘለዎ ኮይኑ፡ ሓደ ካብኡ ክፍሊ መጓዓዝያ እታ ከተማ ብደቂቕ ምክትታል ክገብረሎም ዝእዝዝ'ዩ። ክሳብ ሕጂ፡ ብግዝያውነት'ዩ ኣገልግሎት ክህብ ጸኒሑ።
ላዕለዋይ ዞባዊ ሓላፊ ኡበር ጅሚ ሄይዉድ ብወገኑ "እዚ ውሳነ፡ ኡበር ድሕነት ተጓዓዝቱ ንምውሓስ ዘለዎ ተወፋይነት ዘርኢ ኮይኑ፡ ምስ ክፍሊ መጓዓዝያ ለንደን ድማ ብቕርበት ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና" ኢሉ።
ክፍሊ መጓዓዝያ ለንደን ኣብ መስከረም 2017'ውን ንኡበር ወረቐት ስራሕ ምሕዳስ ኣብይዎ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ትካል ናብ ቤት ፍርዲ ብምኻድ ን15 ኣዋርሕ ዘስርሕ ፍቓድ ክረክብ ክኢሉ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







