ኣገልግሎት ታክሲ ኡበር ኣብ ከተማ ለንደን ከይሰርሕ ተወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣገልግሎት ታክሲ ዝህብ ኩባንያ ኡበር፡ ኣብ ከተማ ለንደን ዝጸንሖ ፍቓድ ከም ዘይሕደስ ክፍሊ መጓዓዝያ ናይታ ከተማ ወሲኑ።
እቲ ብዓልመዚ መጓዝያ፡ ዋላ'ኳ እወንታዊ ምምሕያሻት እንተ ተግብረሉ፡ ፍቓድ ንምርካብ ግን እቲ መተግበሪ (ኣፕ) ኡበር "ዘይብቑዕን ዘይግቡእን" እዩ ክብል ገሊጹ።
ኡበር፡ ብስሙ ብዝጽዋዕ መተግበሪ (ኣፕ) ብምጥቃም፡ ንናይ ብሕቲ ዘወርቲ መኪና መሻርኽቱ ብምግባር ኣገልግሎት ታክሲ ዝህብ ትካል'ዩ።
ኣብ 2017 ኣብታ ከተማ ዝነበሮ ናይ ስራሕ ፍቓድ ምስተሓደገ፡ ይግባይ ብምባሉ ክልተ ግዜ ብግዝያውነት ክሰርሕ ተፈቒዱሉ'ዩ። እቲ ካልኣይ ትማሊ ሰንበት'ዩ ኣብቂዑ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ትካል ነዚ ሓድሽ ውሳኔ'ውን ይግባይ ኢሉ'ሎ። ክሳብ ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝወሃበሉ ግን፡ ስርሑ ክቕጽል ክፍቀደሉ'ዩ።
ምስ ጸጥታን ውሕስነትን ተጓዓዝቲ ብዝተሓሓዝ'ዩ፡ እቲ ትካል ናይ ስራሕ ፍቓዱ ክሕደስ ዘይድለ ዘሎ።
ኣብ ለንደን ጥራይ ኣስታት 45 000 ዘወርቲ መኪና፡ ነቲ መተግበሪ ብምጥቃም ኣገልግሎት ታክሲ ከም ዝህቡ ጸብጻባት ይገልጹ።
እታ ከተማ፡ ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ሓሙሽተ ዕዳጋታት ኡበር ምዃና'ውን ይፍለጥ።
ክፍሊ መጓዓዝያ ለንደን፡ ዘይሕጋውያን ዘወርቲ ነቲ መተግበሪ ብምጥቃም ዘይሕጋዊ ኣገልግሎት ክህቡን፡ ናይ ሓድሕዶም 'ኣካውንትታት' ክጥቀምሉ ዘኽእሎም ድኽመት ኣለዎ ኢሉ ይኸስስ።
እቲ ጉዳይ ኣብ መስርሕ ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ ነዊሕ ክኸውን ስለዝኽእል ግን፡ ኡበር ከም ቀደሙ ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ኣይከቋርጽን'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







