ትግራይ፡ 'ንግዝያዊ ምምሕዳር ኣግሊልካ ዝግበር ምንቅስቓስ ተቐባልነት የብሉን' - ካቢነ

ኣብዚ እዋን ጉዳይ ምምላስ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣዛራቢ ኰይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ብ20 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም [ግ] ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ፡ እቲ ጉዳይ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ተፈጻሚ ክኸውን ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ካቢነ ኣብ ዝዘርግሖ ደምዳሚ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ ብመሰረቱ "ሕገ መንግስታዊ ልኡላውነት ከረጋግፅ፣ ዝተመዛበለን ዝተሰደድን ህዝብና ከምልስ፣ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ክሕሉ፣ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ከረጋግፅን ናብ ስሩዕ ዝተመረፀ መንግስቲ ከሰጋግርን፡" ተሓሲቡ ከምዝተበጽሓ ጠቒሱ።
ኣተሓሒዙ፡ ነቲ ውዕል መሰረት ገይሩ ነቲ ስምምዓት ንምትግባር ዝተጣየሸ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ "ንጎኒ ብምግዳፍ ብጉልባብ ምምላስ ተመዛበልቲ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብዚ ቅንያት ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ" ብመሰረቱ ነቲ ስምምዕን ሕገመንግስትን ዝዳፋእ ሰላም እቲ ከባቢ ዝዘርግን ተፈጢሩ ንዝጸንሐ ተስፋ "ናብ ሓደጋ ዘእቱን ብምዃኑ ፍፁም ተቐባልነት የብሉን፡" ኢሉ።
ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ስዒቡ፡ ብሓይልታት ኣምሓራ ዝተትሓዙ ዞባታት ምዕራብን ክፋል ደቡብ ትግራይን ናብቲ ክልል ብዘይምምላሶም ኣስታት ሓደ ሚልዮን ተመዛበልቲ ኣብ መዕቆቢታትን ጎረቤት ሃገር ሱዳንን፡ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሰቘቓ ብዝፈላለዩ መንገድታት ክግለፅ ፀኒሑ እዩ።
እቲ ዞባ ኣብ ትሕቲ ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱ ዝምራሕ፡ ቀጥታ ብመንግስቲ ፈደራል ከም ዝእዘዝ ዝንገር ወተሃደራዊ ሓይሊ ነቲ ቦታ ከም ዝቈጻጸርን ዘመሓድርን ዝግለጽ ኰይኑ፡ ምሕደራ እቲ ዞባ ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ኵነታት - ናብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ትግራይ - ንምምላስ ዛጊት ፍቓደኛ ኣይመስልን።
ኣማኻሪ ምኒስተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱን ንህዝቢ ኣኪቦም ኣብዚ ጉዳይ ሰፊሕ መግለጺ ከምዝሃቡ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ክቃላሕ ቀንዩ።
በዚ መሰረት'ዚ ድማ እቲ ንሰበስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ዘየሳተፈ ምንቅስቓስ፡ በቲ ካቢነ ተቐባልነት ከምዘይብሉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ፤ "እቲ ቁልፊ ሕቶ ህዝቢ ትግራይን ቀንዲ ተልእኾ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዝኾነ ኣጀንዳ ነዚኦም ኣግሊልካ ዝፍፀም ከም ዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ፡" ይብል እቲ መግለጺ።
እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ሑመራ ህዝቢ ዝኣከቡ መራሕቲ፡ ንጉዳይ ተመዛበልቲ ዝምልከት ዝሃብዎ ኣመተ፡ ተመዛበልቲ ክምለሱ ምዃኖም እንተዀነ'ኳ፡ እቲ ዝነበረ ምምሕዳር ክፈርስ ወይ ድማ እቲ ግዝኣት ናብ ንቡር ክምለስ ዝብል ምጕት፡ ግምት ከምዘይወሃቦ እዩ ዘመልክት።
እዚ ድማ ነቲ ዝጸንሐ ወጥሪ ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይን፡ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ዝጸንሐ ቍርቍስን መሊሱ ከየጋድዶ እዩ ዝስጋእ።
ነዚ ዝምልከት ድማ ዝተፈላለያ ውድባት ትግራይ፡ ድሮ ናይ ተቓውሞ መግለጺታት ኣውጺኦም ኣለዉ።፣
ነቲ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ዝተሰምዐ መግለጺ መሰረት ገይሩ ምላሽ ዝሃበ ህወሓት፡ "ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ብምጥሓስ ኵሎም ወረርቲ ሓይልታት ካብ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ክወጹ ኣብ ርእሲ ዘይምግባሩ ዝያዳ ክዕጠቑን ክጠናኸሩን ይገብር ኣሎ" ዝበለ መግለፂ ህወሓት፡ ተጋሩ ንሓድሕዶም ንምውጋእ ኣብ ክልላት ብምውዳብን ብምዕጣቕን ትግራይ ንምህዋኽ ይስራሕ ምህላዉ ሓቢሩ።
ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብቲ ንወከልቲ ህዝቢ ዘስምዖ መደረ፡ ኣብቲ ከባቢ - ዞባ ምዕራብ ትግራይ፣ ኣፀዋዋዓ ክልል ኣምሓራ፡ 'ወልቃይት ጠገዴ ሰቲት ሁመራ ዞን' ዘሎ ሕቶ ይግበኣኒ፡ ኣብ ካልእ ከባብታት እታ ሃገር፣ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ምስ ዘሎ ፀገም ተመሳሳሊ ከምዝዀነን ብጉልበት ፍታሕ ከምዘይረክበን ተዛሪቡ።
"እቲ ህዝቢ ኣብ መረበቱ ሰፊሩ፡ ወሲኑ፡ ብሕጋውን ሰላማውን መገዲ መዕለቢ ይርከብ ኢና ንብል ዘለና" ክብል ተዛሪቡ።
ክልቲኦም ወገናት- መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን - ጉዳይ ምምላስ እዞም ተመዛበልቲ ነባሪ ፍታሕ ዘይምርካቡ ንሓድሕዶም ክካክሰሱ ጸኒሖም እዮም።
እቲ ካቢነ፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ፡ ህዝቢ ክብሩ፡ ጸጥታኡን ውሕስነቱን ተረጋጊጹ ናብ መረበቱ ዝምለሰሉ ኵነታት ክዋደድ ጸዊዑ። ኣውሓስቲ እቲ ስምምዕ ዝዀኑ ዓለምለኻውያ፡ ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ትካላትን መሻርኽትን ሓላፍነቶም ክዋጽኡ ጸዊዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







