ምዕራብ ትግራይ፡ ሓድሽ ምንቅስቓስ ምምላስ ተመዛበልቲ ስለምንታይ የካትዕ ኣሎ?
![ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ኣቶ ኣረጋ ከበደን ኮ/ል ደመቀ ዘውዴን [ካብ ፀጋም ናብ የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/27f7/live/1ebfdbe0-b432-11f0-8f20-cf9ca6428886.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, AMC
ኣብዚ ቅንያት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መዕቈቢ ተመዛበልቲ ዝርከቡ ኣማኢት ኣሽሓት ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናብ ዓዶም ንምምላስ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ኣዘራራቢ ኰይኑ ይርከብ።
ጉዳይ ምምላስ እዞም ተመዛበልቲ፡ ብፍላይ ካብ ጽባሕ ምኽታም ስምምዕ ፕሪቶሪያ ነዊሕ ከዘራርብ ዝጸንሐን ዘይተፈትሐን ማሕበረ-ፖለቲካዊ ቅልውላው ኰይኑ ገና ይቕጽል ኣሎ።
ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ስዒቡ፡ ብሓይልታት ኣምሓራ ዝተትሓዙ ዞባታት ምዕራብን ክፋል ደቡብ ትግራይን ናብቲ ክልል ብዘይምምላሶም ኣስታት ሓደ ሚልዮን ተመዛበልቲ ኣብ መዕቆቢታትን ጎረቤት ሃገር ሱዳንን፡ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሰቘቓ ብዝፈላለዩ መንገድታት ክግለፅ ፀኒሑ እዩ።
ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ናብ ንቡር ምምላስን፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስን፡ ሓደ ካብ ዓንቀጻቱ ዝገበረ ስምምዕ ፕሪቶሪያ'ውን ሰለስተ ዓመት እንተኣቝፀረ'ኳ፡ እቲ ጉዳይ ከይተፈትሐ፣ ግዳያት ኣደዳ ቁርን ጸሓይን ኰይኖም፡ ንዝፈላለዩ ሕማማትን ቍጠባዊ ጸገማትን ተቓሊዖም ይርከቡ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ኣብ መንጐ መራሕቲ ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ኣብ ርእሰ ከተማ- ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ፕሪቶሪያ፡ ብዝተበጽሐ ስምምዕ፡ እቲ ደማዊ ተጻብኦታት ደው ከም ዝበለ ይዝከር።
እቲ ሰፊሕ ምፍንቓል ዝተራእዮ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኰይኑ፡ ኣብቲ ኲናት ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተሰለፉ ሓይልታት ኣምሓራ ነቲ ቦታ ተቘጻጺሮምዎ፡ እቲ ሰፊሕን ልሙዕን ዞባ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣትዩ'ሎ።
ምዕራብ ትግራይ፡ ካብቶም መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፡ ሕቶ ይግብኣኒ ዘልዕለሎም ከባቢታት ትግራይ ሓደ ኰይኑ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ብሕገ-መንግስታዊ መገዲ ፍታሕ ክረክብ ዝብል ኣስፊሩ ይርከብ።
ከምኡ ድማ እቲ ስምምዕ፡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ኣብቲ ኲናት ክሳተፉ ዝጸንሑ ሓይልታት ኣምሓራን ወጻኢን፡ ካብ ትግራይ ክወጽኡን ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ህይወቶም ክምለሱን ይጠልብ።
እዚ ይዅን ግን እቲ ጉዳይ ሓደ ካብ ጠንቂ ፖለቲካዊ ቅሩቍስ መንግስቲ ፈደራልን፣ በቲ ሓደ ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ህወሓትን ኰይኑ ጸኒሑ ኣሎ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብቲ ትማሊ ኣብ ሃገራዊ ቤትምኽሪ ንዝቐርበሉ ሕቶታት፡ ሓደ ውዕል ፕሪቶርያ ዝምልከት ኰይኑ፡ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ፡ ብኣፀዋዋዓ ክልል ኣምሓራ፡ 'ወልቃይት ጠገዴ ሰቲት ሁመራ ዞን' ምላሽ ክህብ ተሰሚዑ።
ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሕቶ ይግበኣኒ፡ ኣብ ካልእ ከባብታት እታ ሃገር፣ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ምስ ዘሎ ፀገም ተመሳሳሊ ከምዝዀነን ብጉልበት ፍታሕ ከምዘይረክበን ተዛሪቡ።
"እቲ ህዝቢ ኣብ መረበቱ ሰፊሩ፡ ወሲኑ፡ ብሕጋውን ሰላማውን መገዲ መዕለቢ ይርከብ ኢና ንብል ዘለና" ክብል ተዛሪቡ።
እንተዀነ፡ መራሕቲ ህወሓት ነቲ ተመዛባላይ ከም መትሐጃ ገይሮም ቆሊፎም ሒዞሙዎ ከምዘለዉ ከሲሱ።
"ነቲ ህዝቢ ከም መትሐጃ ገይሮም 'ኣይምለስን' ኢሎም ሒዞም፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ዝፍጠር ዘሎ ቅልውላው ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ሕቶ በቲ ንሳቶም ዝሓስብዎ ዘለዉ መገዲ ፍታሕ ከይረክብ፡ ንባዕሉ ካልእ ዕንቅፋት እዩ ዝፈጠር" ኢሉ።
ሰበስልጣን መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን፡ ኣብዚ ጉዳይ ንሓድሕዶም ክካሰሱን ሓደ ነቲ ሓደ ጉዳይ ተመዛበልቲ ከም ፖለቲካዊ መዋገዪ፡ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ብምወራድ ክካሰሱ ብተደጋጋሚ ተሰሚዖም እዮም።
ሓድሽ ምንቅስቓስ

እቲ ዞባ ኣብ ትሕቲ ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱ ዝምራሕ፡ ቀጥታ ብመንግስቲ ፈደራል ከም ዝእዘዝ ዝንገር ወተሃደራዊ ሓይሊ ነቲ ቦታ ከም ዝቈጻጸርን ዘመሓድርን ዝግለጽ ኰይኑ፡ ምሕደራ እቲ ዞባ ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ኵነታት - ናብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ትግራይ - ንምምላስ ዛጊት ፍቓደኛ ኣይመስልን።
ኣማኻሪ ምኒስተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱን ንህዝቢ ኣኪቦም ኣብዚ ጉዳይ ሰፊሕ መግለጺ ከምዝሃቡ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ክቃላሕ ቀንዩ።
ኮሎኔል ደመቀ፡ ኣብቲ ዘሎ ኵነታት ተመዛበልቲ ክምለሱ ዝኽእሉ ምዃኖም ብምግላጽ፡ እቶም ዘይገዛኦምን ዘይንብረቶምን ሒዞም ዘለዉ ሰፋሮ ብኣጋ ክለቍ ከምዝተሓሳሰበ ዝንገር ኰይኑ፡ ኣብ ግብራዊነቱ ግን ሕቶ ይለዓሎ ኣሎ።
እቶም ኣብ ከተማ ሑመራ ህዝቢ ዝኣከቡ መራሕቲ፡ ንጉዳይ ተመዛበልቲ ዝምልከት ዝሃብዎ ኣመተ፡ ተመዛበልቲ ክምለሱ ምዃኖም እንተዀነ'ኳ፡ እቲ ዝነበረ ምምሕዳር ክፈርስ ወይ ድማ እቲ ግዝኣት ናብ ንቡር ክምለስ ዝብል ምጕት፡ ግምት ከምዘይወሃቦ እዩ ዘመልክት።
እዚ ድማ ነቲ ዝጸንሐ ወጥሪ ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይን፡ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ዝፀንሐ ቍርቍስን መሊሱ ከየጋድዶ እዩ ዝስጋእ።
ነዚ ዝምልከት ድማ ዝተፈላለያ ውድባት ትግራይ፡ ድሮ ናይ ተቓውሞ መግለጺታት ኣውጺኦም ኣለዉ።
ብሰኑይ ካብ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ዝወፅአ መግለፂ፡ "እዚ ምስ ውዕል ፕሪቶሪያ ዝጻረር እዩ፡" ካብ ዝብል መሰረታዊ ነጥቢ ብዝነቅል ምጕት፡ "እቲ ዞባ፡ ኣብ ትሕቲ ወረርቲን ዝተፈላለየ ግፍዒ ዝፈጸሙን ሓይልታት ኣብ ዘለወሉ ህዝቢ ምምላስ ናብ ካልእ ዝኸፍአ ሓደጋ ዘቃልዕ እዩ፤ ምሉእ ውሕስነት የብሉን፡" ኢሉ።
ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ተመዛበልቲ ክምለሱ ምሕሳብ ድማ 'ሻጥር' ከምዝዀነ እዩ ዝኸስስ።
ኣብ ሓምለ 2016 [ግ] ኣብ ከተማታት ሽረን እንዳ'ባጉናን ዝነበሩ ተመዛበልቲ ወረዳ ጸለምቲ ክምለሱ ጀሚሮም ከምዝነበሩን እንተዀነ ንዝተፈላለየ ጸገማት ተቓሊዖም ንካልኣይ ሳልሳይን ግዜ ከምዝተመዛበሉ ከም መርኣዪ ይጠቅስ።
እቲ ኣንፃር ህወሓት ሓያል ተቓውሞ ብምስማዕ ዝፍለጥ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ከይተረፈ፡ ኣብዚ ጉዳይ ምስቲ ውድብ ዝስማማዕ መግለፂ ኣውፂኡ ኣሎ።
"እዚ ብሓያሎ ገበን ዝጠልቀየ ገበነኛ 'ምምሕዳር' ሂወት ማእለያ ዘይብሎም ንፁሃት ደቂ ትግራይ ብዘስካሕክሕ መንገዲ ዝበለዐ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ዛጊድ ኣብ ጎበጣ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ህዝብና ዝፍፅሞ ዘሎ ገበን እውን ኣይሂ መዓት ኾይኑ ንረኽቦ።
"ኣብ ልዕሊ እዞም ገበነኛታት ተሓታትነት ንግዚኡ ዋላ ተደንጎየ ካብ ዝሓዙዎ ዘይሕጋዊ ስልጣን ክእለዩ ምግባር፡ ተፈናቐልቲና ናብ ቤቶም ብውሑስ መንገዲ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ናይ ባዕሉ እወንታዊ ፅልዋ ከም ዝህልዎ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ይኣምን" ይብል።
ኣብቲ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝተረኸበሉ ኣብ ከተማ ሑመራ ዝተኻየዱ ህዝባዊ ዘተታት፡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ዝለዓል ዘሎ ዀይኑ፡ ቢቢሲ ትግርኛ ካብ ተሳተፍቲ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።
ክስታት ገበንን መፃእን
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናለን ሁዩማን ራይትስዎችን፡ ዘካየዱዎ ሓበራዊ መርመራ፡ ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱን በላይ ኣያለውን ንዝተባህሉ ክልተ ኣዘዝቲ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ብስቅያት ከምኡ'ውን ተጋሩ ብኣስገዳድ ምስጓግ ብዝብሉ ግህሰታት ከሲሱ ምንባሩ ይዝከር።
እዞም፡ ዛጊድ ነቲ ከባቢ ዘመሓድሩ ዘለዉ ሰባት፡ ብገበናት ምፅናት ዓሌት ዝኽሰሱ ኰይኖም፡ ንሳቶም ኣብ ስልጣን እናሃለዉ፡ ተመዛበልቲ ናብኡ ንምምላስ ዝግበር ምንቅስቓስ እዩ ተቓውሞ ዝቐርቦ ዘሎ።
ነዚ ኣመልኪቱ፡ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ [ሕጂ ፕረዚደንት] ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ተመዛበልቲ ንምምላስ ዝግበሩ ንጥፈታት ምስ ምፍራስ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ተመስሪቶም ዝጸንሑ ምምሕዳራት ክልል ኣምሓራ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ከም ዝዀነ ተዛሪቡ ነይሩ።
"ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሰፋራይ ኣሎ፤ መንግስቲ ኣምሓራ ዘስፈሮም ኣለው። እዚኦም ኣብ ናጻ ቦታ ኣይኰኑን ሰፊሮም ዘለው። ዋና ኣብ ዝነበሮ ቦታ እዮም ዘለው። እዚ እንተዘይተላዒሉ ነቲ ምምላስ ከተሓላልዀ ከም ዝኽእል ገሚትና ኢና። እዚ ክሳብ ዝውዳእ ንጽናሕ ኣይኰነን፡ ጐና ጐኒ ተመዛበልቲ ክንመልስ ኣለና" ዝብል ክትዕ ከምዘሎ ምዝራቡ ይዝከር።
እቲ ብወገን ሰበስልጣን ትግራይ ንስምምዕ ፕሪቶሪያ መሰረት ገይሩ ዝቐርብ መጎት፡ እቶም ነቲ ዞባ ብሓይሊ ተቘጻጺሮም ዘለዉ ሓይልታትን ክወጹ፣ ዝተተኽለ ምምሕዳር ክፈርስ፡ ዘይገዝኦም፡ ዘይንብረቶምን ዘይመሬቶምን ሒዞም ብክልል ኣምሓራ ዝሰፈሩ ሰፋሮ ክወጽኡ፡ እቲ ዝነበረ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ክምለስ ከም ቅድመ ኵነት ዘቐምጥ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







