ኣመሪካ፡ 4.7 ቢልዮን ዶላር ዝዋጋኡ ምዕቡላት ሚሳይላት ንግብጺ ኣጽዲቓ

ምንጪ ስእሊ, Kongsberg
ክፍሊ ወጻኢ ኣመሪካ 4.67 ቢልዮን ዶላር ዝዋጋኡ ካብ ምድሪ ናብ ኣየር ዝውንጨፍ ዝተራቐቐ ሚሳይላት ንግብጺ ክሽየጥ ከም ዝኽእል ምጽዳቑ ፔንታጎን ኣፍሊጡ።
ኤጀንሲ ምትሕብባር ጸጥታ ምክልኻል (The Defense Security Cooperation Agency) ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ መሬት ናብ ኣየር ዝውንጨፍ ምዕቡል ስርዓተ-ሚሳይል (NASAMS) ንግብጺ ክሸጠላ ምስምምዑ ኣፍሊጡ። እቲ ስምምዕ፡ ኣርባዕተ ስርዓታት ራዳር፡ ኣማኢት ሚሳይላትን ብዙሓት ናይ ምቍጽጻር ኣሃዱታትን ዘጠቓለለ እዩ።
እዚ 'ናሳምስ' ዝተባህለ ስርዓተ-ምክልኻል ኣየር ብኣመሪካን ነርወይን ዝማዕለ ኰይኑ፡ ንነፈርቲ ጸላኢ፡ ድሮንን ክሩዝ ሚሳይላትን ንምውዳቕ ዝተዳለወ እዩ።
ዛጊት፡ ስርዓተ-ምክልኻል ኣየር ናሳምስ ኣማዕበልቱ ዝዀና ኣመሪካን ኖርወይን ዓጢቐንኦ ዘለዋ ኰይነን፡ ከም ስጳኛ፡ ፊንላንድ ሆላንድን ዝኣመሰላ ዝርከብአን 13 ሃገራት ገዚአንኦ ከም ዘለዋ ይግለጽ።
ከም ኣካል ውዕል ኣመሪካን ግብጽን፡ ክኢላታት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣመሪካ ናብ ግብጺ ብምኻድ ምህንድስናዊ፡ ቴክኒካውን ሎጂስቲካውን ሓገዝ ክህቡ እዮም።
እዚ ጸዲቑ ዘሎ መሸጣ፡ ነታ ካብ ኔቶ ወጻኢ ቀንዲ መሓዛ ዋሽንግተን ምዃና እትፍለጥ ግብጺ ዓቕሚ ምክልኽላ ምዕባይ፡ ንፖሊሲ ጉዳያት ወጻእን ዕላማታት ሃገራዊ ድሕነትን ኣመሪካ ከም ዝሕግዝ እቲ ትካል ገሊጹ።
ነዚ መሸጣ ኣጽዋር ውዕል ዝወስድ፡ ኣብ ማሳቹሰትስ ዝመደበሩ ዓቢይ ናይ ኣመሪካ ናይ ኣየርን ምክልኻልን ኩባንያ RTX Corporation ከም ዝኸውን ተፈሊጡ።
መንግስቲ ኣመሪካ ነዚ ተኽእሎ መሸጣ ኣፍልጦ ዝህብ ወግዓዊ ምልክታ ናብ ኮንግረስ ሰዲዱ ኣሎ።
እቲ መሸጣ እንተ ተፈቒዱ፡ ኣስታት 26 ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣመሪካን 34 ኮንትራክተራትን፡ ስልጠና፡ ቴክኒካውን ሎጂስቲካውን ደገፍ ንምሃብ ን"ዝተናውሐ ግዜ" ናብ ግብጺ ክገሹ እዮም።
ኣብ ታሕሳስ 2024 ኣብ እዋን ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ መንግስቲ ኣመሪካ ናብ ኣስታት 5 ቢልዮን ዝጸጋጋዕ ኣጽዋር ንግብጺ ክሽየጠላ ውዕል ኣጽዲቑ ነይሩ።
እቲ ፍቓድ፡ ብኣመሪካ ዝተሰርሓ 555 M1A1 ኣብርሃምስ ዝተባህላ ታንክታት፡ 2,183 ካብ ኣየር ናብ ምድሪ ዝንቈት ሚሳይላት፡ ከምኡ'ውን ብምርሒት ዝሰርሕ ኣጽዋራት ከም ዘጽደቐ ንኮንግረስ ሓቢሩ ምንባሩ ይፍለጥ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንነዊሕ እዋን ቀንዲ መሓዛ ኣመሪካ ዝዀነት ግብጺ፡ ኣብ 1979 ምስ እስራኤል ውዕል ሰላም ካብ እትፍርም ንደሓር፡ ካብ ኣመሪካ ብዙሕ ንምክልኻል ዘገልግል ምወላ ረኺባ እያ።
ናሳምስ እንታይ እዩ?
ናሳምስ ተንቀሳቓሲ ስርዓተ ሚሳይል ጸረ-ነፈርቲ ኰይኑ፡ ኣብ ትሑትን ማእከላይን ብራኸ ንዝርከቡ ዒላማታት ኣየር ንምውቃዕ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ኣጽዋር እዩ።
ኣብ ሓደ ኣዋን፡ ንብዙሕ ዒላማታት ክጸናቶን ክትኵስን ይኽእል። ኣብ ውሽጢ 15 ደቓይቕ ጥራይ ካብ ክትትል ናብ ቅልጡፍ ኵነተ-መጥቃዕቲ ክሰጋገር፣ ኣብ ሰለስተ ደቒቕ ድማ ክምለስ ይኽእል። ኣብ ውሽጢ 10 ካልኢት'ውን ኣንጻር እቲ ዝተለለየ ዒላማ ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ይህብ።
ብተወሳኺ ናሳምስ፡ ዋላ'ውን ግዜኡ ምስ ዝሓለፎ ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ብቐሊሉ ክወሃሃድ ይኽእል።
እቲ ቀንዲ ቴክኒካዊ ኣካል ናይ ስርዓተ-ምክልኻል ኣየር (ናሳምስ) ባትሪ ይበሃል። ሓደ ባትሪ ሰለስተ ናይ ተዅሲ ጕጅለታት ይርከቦ። ነፍሲወከፍ ጕጅለ ድማ ሰለስተ ወርወርቲ ወይ ወንጨፍቲ ኣለዎ። ነፍሲወከፍ ወንጫፊ ከኣ ሽዱሽተ ሚሳይላት ይሕዝ።
ሓያሎ ነገራት ክዓምም ዝኽእል ራዳርን መቈጻጸሪ ፖስትን እውን ኣለዎ። ሓንቲ ባትሪ ብድምር 54 ሚሳይላት ክትሕዝ ትኽእል።

ምንጪ ስእሊ, Kongsberg
ናሳምስ ብኸመይ እዩ ዝሰርሕ?
ራዳርን ምጽንታውን፡ ኣብ ሰማይ ግዝኣት ናይታ ሃገር ንዝኣተወ ይሕብርን ይከታተልን፣
ምንጻር ዒላማ፡ ዘስግእን ዘየስግእን ዘነጽር ስርዓት እዩ፣
ምውንጫፍ ሚሳይላት፡ ሓደ ስግኣት ክኸውን ዝኽእል ነገር ምስ ተለለየ፡ እቲ ስርዓተ-ምክልኻል እቲ ነገር ኣብ ዒላማኡ ቅድሚ ምብጽሑ ንምዕጋቱን ምብርዓኑን ሚሳይላት ካብ መሬት ይውንጭፍ፣
ምርሒት፡ እቶም ሚሳይላት ምዕቡል ስርዓታት ምርሖት ተጠቒሞም ናብቲ ዒላማ ገጾም የቕንዑ፣ ብልክዕ ከም ዝሃርሙዎ ድማ የረጋግጹ።
ኣበይ እዩ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል?
ክሳዕ ክንደይ ርሕቀት ክትኵስ ከም ዝኽእል ኣብ ዝጥቀመሉ ዓይነት ሚሳይል እዩ ዝምርኰስ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ AIM-120 AMRAAM ዝበሃል ሚሳይል እዩ ዝጥቀም።
እዚ ሚሳይል'ዚ ካብ ነፋሪት ዝውንጨፍ ኰይኑ፡ ክሳብ 120 ኪሎሜተር ርሒቑ ዝርከብ ዒላማ ክሃርም ይኽእል። ካብ መሬት ምስ ዝውንጨፍ ግን ርሕቐቱ ኣዝዩ ዝሓጸረ እዩ - ክሳብ 25 ኪሎሜተር ጥራሕ።
ሓደ ኣሃዱ ተዅሲ፡ ኣብ ውሽጢ ኣስታት 60-70 ኪሎሜተር ኰይኑ ብጽቡቕ ክዓዪ ይኽእል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







