ግብጽን ጅቡትን ኣብ ዛዕባ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ እንታይ ተሰማሚዐን?

ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ ምስ እስማዒል ዑመር ገለ

ምንጪ ስእሊ, Egypt President Office

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪን ንኢትዮጵያ "ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ" ዝብል መርገጽ ሒዙ ኣትሪሩ ካብ ዝጕስጉስ ንደሓር፡ ካብ ኤርትራ፡ ጅቡትን ሶማልያን ተሪር ግብረመልሲ ክስማዕ ጸኒሑ እዩ።

ግብጺ ብፍላይ ንክልቲአን ሃገራት፡ ኤርትራን ሶማልያን ከተተሓባብር ዝተራእየት ኰይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ፡ 'ኣንጻር ኢትዮጵያ' ዝቐንዐ ዝመስል፡ 'ስሉሳዊ-ኪዳን' ክሳብ ምምስራት በጺሐን።

ኣብዚ እዋን ድማ፡ እታ ምስ ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ብዝተኣሳሰር ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ቀጻሊ ቅሩቍስ ትርከብ ግብጺ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ርእሰ ጉዳይ ምስ ጅቡቲ ዝተዘራረበት ኰይና ኣብ ሓደ ወሳኒ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ግብጽን ጅቡቲን፡ ጉዳያት ምሕደራን ጸጥታን ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን 'ሓላፍነት ናይተን ምስቲ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ጥራይ ምዃኑ ተሰማሚዐን' ክብል ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ገሊጹ።

ረቡዕ 23 ሚያዝያ ናብ ጅቡቲ ዝገሸ ፕረዚደንት ግብጺ፡ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር እስማዒል ዑመር ገለ ተራኺቡ እዩ ብዛዕባ እዚን ካልኦት ጐድናዊ ዛዕባታትን ዘትዩ።

ፕረዚደንት ግብጺ ኣልሲሲ ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ

ምንጪ ስእሊ, Ismail Omar Guelleh/fb

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ግብጺ ኣልሲሲ [የማን] ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ዝሓበረ ዀይኑ፡ ጉዳይ ሶማልያን እዋናዊ ኵነታት ሱዳንን ከምዝተላዕለ እውን ጠቒሱ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ፡ እተን ሃገራት ብዛዕባ እቲ ንቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ዘራኽብ መጻብቦ ባብ ኤልመንደብ ከምዝተዘራረቡ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እዚ ኣዝዩ አገዳሲ መስመር፡ ኣብ ጅቡቲ፡ ኤርትራ፡ የመን ዘራኽብ ስትራተጂያዊ ስፍራ ብምዃኑ ክልቲኦም ብዛዕባ "ኵነታት ጸጥታ" ወሽመጥ ዓረብ ከምዝተዘራረቡ ይግለጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል፡ ብተወሳኺ ኣብቲ ኣገዳሲ ኣህጉራዊ ንግዳዊ መስመር ቀይሕ ባሕሪ፡ "ናጻ ምንቅስቓስ ንግዲ ባሕሪ" ምትሕብባር ንምሕያልን ኣብቲ ባሕሪ "ምርግጋእ ንምርግጋጽ" ከምዝተሰማምዑ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ብወገኑ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ኣብ ወሳኒ ኣህጉራዊ ንግዳዊ መስመራት ንጸጥታን ናጽነት ምንቅስቓስን ዘስግእ ይዅን ጸገም ብሓባር ንምቅላስ ደጊምና ኣረጋጊጽና" ክብል ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ ዝበጽሑዎ ናይ ስምምዕ ነጥብታት ኣጕሊሑ።

ብተወሳኺ፡ ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ ኣብ ስምምዕ በጺሕና ዝበሎ ጉዳይ፡ ምሕደራ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ዝምልከት እዩ።

ግብጺ ንጉዳይ ምሕደራ ቀይሕ ባሕሪ "ሓላፍነት" ናይተን ምስቲ ማይ ዝዳወባ ሃገራት ኰይኑ ክግደፍ ኣለዎ፡ ክትብል ንፈለማ እዋን ኣይኰነን።

እዚ መርገጺ'ዚ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ "ጉዳይ ህልውና" ገይሩ ብተደጋጋሚ ምልዓሉን፡ እታ ሃገር ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተገዳስነት ምሕደራን፡ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝዳወባ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ተሪር ግብረመልሲ ኣስዒቡ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ተገዳስነት፡ ብፍላይ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝፈጠሮ፡ ናብ ቀጥታዊ ኲናት ከየምርሕ ንብዙሓት ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ክዛዘም ተቓሪቡ ዘሎ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ንዓመታት ተቓውሞኣ ከተስምዕ ዝጸንሐት ግብጺ፡ ምስ ሃገራት እቲ ዞባ ተጸንቢራ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ሕዱር ድሌት ክትገትእ ትንቀሳቐስ ኣላ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ኣሕመድ ሙዓሊም ፊኪ ኣብ ታሕሳስ፡ ናብ ግብጺ ዑደት ኣብ ዝገበረሉ እዋን እዚ መርገጺ ግብጺ ከምዝተቓለሐ ይዝከር።

ከምኡ'ውን፡ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ናብ ግብጺ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ሲሲ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን፡ 'ምሕደራን ድሕነትን ቀይሕ ባሕሪ'፡ 'ሓላፍነት' ጐረባብቲ ሃገራት ምዃኑ ምስምምዖም ዝዝከር እዩ።

ኢትዮጵያ፡ ምስታ ሶማልያ ከም ናይ ገዛእ ርእሳ ግዝኣት እትቘጽራ፡ ርእሰ-ምምሕዳር ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ኣብ ጥሪ 2024 ውዕል ብምፍራም፡ ወደብ ባሕሪ ንምርካብ ፈቲና ምንባራ ዝዝከር እዩ።

እቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝተገብረ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ መደበር ሓይሊ ባሕሪን ወደብን ክትረክብ ዘኽእል ከምዝነበረ እዩ ዝንገር።

እንተዀነ፡ ቱርኪ ንኢትዮጵያ ሶማልያን ብምትዕራቕ፡ እቲ ወጥሪ ኣስዒቡ ዝነበረ ውዕል፡ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ ከም ዝቕህም ኰይኑ'ሎ።