ኣብ 2025 ብወተሃደራዊ ሓይለን ቀዲመን ዝስርዓ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያኸ?

ወተሃደራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ 'ግሎባል ፋየር ፓወር ኔትወርክ' (GFP) ንሃገራት ዓለም ብዘለወን ኣጽዋር፡ ወተሃደራዊ ብዝሕን ጥንካረን፡ ክእለት፡ ባጀት፡ ብጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጠአንን ዘለወን ጸጋታተንን መስርዕ ብምሃብ ይፍለጥ።

ንሓፈሻዊ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ዝግምግም ዓመታዊ ጸብጻቡ ቅቡልነት ዘለዎ ግሎባል ፋየርፓወር፡ ኣብ 2025 ብወተሃደራዊ ዓቕመን ዝመዘነን 145 ሃገራት ደረጃኡ ኣውጺኡ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሓንቲ ሃገር ምስ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዘለዋ ምትሕብባር፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታትን እትጥቀመሉ ወተሃደራዊ ቴክኖሎጂን ከም ዝውሰን የነጽር።

ኣብ ደረጃ ወተሃደራዊ ሓይሊ ግሎባል ፋየር - 2025፡ ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ዓሰርተ ሓያላት ሃገራት ኣፍሪቃ እዘን ዝስዕባ እየን፤

ሞሮኮ፡ ኣንጎላ፡ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ሱዳንን ሊብያን ብቕደም ሰዓብ ካብ ሻዱሻይ ክሳብ ዓስራይ ተሰሪዐን ኣለዋ።

ነተን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓሙሻይ ዝተሰርዓ ሃገራት ክሰግር። ኢትዮጵያኸ ክንደይ ተሰሪዓ ትኸውን?

ቀዳመይቲ ግብጺ

ወተሃደራት ግብጺ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ እትርከብ ምስ ማእከላይ ምብራቕ እትዳወብ ግብጺ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እታ ዝደልደለ ሰራዊት ዘለዋ ሃገር ኰይና፡ ኣብ ዓለም ድማ መበል 19 ደረጃ ሒዛ ትርከብ።

ግብጺ ወተሃደራዊ ዓቕማ ንምሕያል ዓመታዊ 1.5 ቢልዮን ዶላርን ወተሃደራዊ ሓገዝን ካብ ኣመሪካ ትረክብ። እዚ ድማ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝዛየደ ርኡይ መጠን ወተሃደራዊ ሓገዝ ኣመሪካ እትረክብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ይገብራ።

ሰራዊት ግብጺ፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ኣብ ዘይርጉእ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዘሎ ስግኣት ጸጥታ ንሃገሩ ካብ ምሕላው ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ'ታ ሃገር ንዝርከቡ ዕጡቓት ኣብ ምቍጽጻር'ውን ተዋፊሩ'ሎ።

እግረኛ ሰራዊት፡ ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ዘለዋ ግብጺ ድምር ስሩዕ ሰራዊታ 440,000 ይበጽሕ።

ካልአይቲ ኣልጀርያ

ወተሃደራት ኣልጀርያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣልጀርያ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ኣፍሪቃ ካልአይቲ፡ ኣብ ዓለም ድማ መበል 26 ደረጃ ትስራዕ።

ሰራዊት ኣልጀርያ ካብ ነዳዲ እታ ሃገር ብዝርከብ እቶት ዝተሃንጸ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ንሰራዊታ ዘመናዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐን ጽቡቕ ስልጠና ዝወሰደን ክኸውን ኣኽኢሉዎ።

እግረኛ ሰራዊት፡ ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ዘለዋ ኰይና፡ ብዝሒ ስሩዕ ሰራዊታ 325,000 ይበጽሕ።

ሳልሰይቲ ናይጀርያ

ወተሃደራት ናይጀርያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናይጀርያ ብወተሃደራዊ ሓይላ ኣብ ኣፍሪቃ ሳልሰይቲ፡ ኣብ ዓለም ድማ መበል 31 ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።

ኣብ ውሽጢ ግዝኣታ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓትን ግብረሽበራዊ ጕጅለታትን ንምምካት ወተሃደራዊ ሓይላ ዝሃነጸት ናይጀርያ፡ ካብ ነዳዲ ብእትረኽቦ እቶት ንሰራዊታ ኣደልዲላቶ ኣላ።

እግረኛ ሰራዊት፡ ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ተደማሚሩ ብሓፈሻ ልዕሊ 230,000 ዝዀኑ ስሩዕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣለዋ።

ራብዐይቲ ደቡብ ኣፍሪቃ

ወተሃደራት ደቡብ ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ኣፍሪቃ ብሓያል ቍጠባኣ እትፍለጥ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብታ ኣህጉር ኣብ ራብዓይ፡ ብዓለም ደረጃ ድማ መበል 40 ደረጃ ሒዛ ኣላ።

ብዘመናዊ ናይ ምክልኻል ኢንዱስትሪታታ እትፍለጥ ኰይና፡ መብዛሕትኡ ንሰራዊታ ዘድሊ ኣጽዋርን መሳርሒታትን ባዕላ እያ ተፍሪ።

እግረኛ ሰራዊት፡ ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ኣለዋ። ብዝሒ ሰራዊታ ልዕሊ 70 ሽሕ ይበጽሕ።

ሓሙሸይቲ ኢትዮጵያ

ወተሃደራት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢትዮጵያ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓሙሻይ፡ ኣብ ዓለም ድማ ኣብ መበል 52 ደረጃ ትርከብ። ውሽጣዊ ድሕንነት ንምሕላውን ንዞባዊ ኵነታት ጸጥታ ብፍላይ ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝፍጠሩ ግጭታት መሰረት ብምግባር'ያ ሰፊሕ ሰራዊት ሃኒጻ።

ኢትዮጵያ ንሰራዊታ ዘመናዊ ኣጽዋር ኣብ ምዕጣቕ፡ ኣገደስቲ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ኣብ ምፍራይ፡ ሓይሊ ሰባ ኣብ ምስልጣንን ልዑል ወፍሪ ትገብር።

ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዘለዋ ወተሃደራዊ ምትሕብባር እውን ዓቕሚ ሰራዊታ ኣብ ምጥንኻር እትርከብ ኰይና፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብወተሃደራዊ ዓቕማ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ብቐንዱ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጕጅለታት ንምቍጽጻር ዝተዋፈረ እዩ። እታ ሃገር ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝካየድ ተልእኾታት ዓቃቢ ሰላም እውን ዓቢይ ኣበርክቶ ከም ዘለዋ ይፍለጥ።

ኢትዮጵያ ኣጋር ሰራዊት፡ ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ኣለዋ። ሓፈሻዊ ልዕሊ 160,000 ስሩዕ ሰራዊት ትውንን።