ኣብ መንጎ ኣልጀርያን ማሊን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣልጀርያ ኣብቲ ምስ ጐረቤታ ማሊ ዘዳውብ ከባቢ ድሮን ተተኲሱዋ ድሕሪ ምውዳቓ ኣብ መንጎአን ዘሎ ዝምድና እናተጋደደ ይኸይድ ኣብ ዘለወሉ ኵነታት ካብን ናብን ማሊ ዝግበር በረራታት ዓጽያቶ ኣላ።
ማሊ ትማሊ ሰንበት፡ ኣልጀርያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ካብተን ሰብ ኣልቦ ነፈርታ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ፡ እታ ብሰሜን ሸነኽ እትዳወበና ሃገር ኣልጀርያ ናብ ውሽጣ ራዕዲ ትልእኸላ ከም ዘላ ከሲሳ።
ካብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ማሊ ብሓይለ-ቓላት ዝተጻሕፈ መግለጺ፡ ነቲ ኣቐዲማ ኣልጀርያ ዝሃበቶ መብርሂ፡ እታ ሰብ ኣልቦ ናይ ክትትል ነፋሪት፡ ንኽሊ ኣየራ ጥሒሳ ከም ዝኣተወት እያ እትኸስስ።
እቲ መግለጺ ምውዳቕ እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት "ተጻባእን ኣቐዲሙ ዝተሓሰበ ስጕምትን" ክብል ገሊጹዎ። ኣልጀርያ ብወገና ነቲ ክስታት "ዕቱብነት ዝጐደሎ፡" ክትብል ገሊጻቶ።
ሰራዊት ማሊ ኣብ ሰሜን ምስ እቶም ናይ ምንጻል ሓሳብ ኣንቂዶም ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ብሄረ ቱዋረግ ይቃለሱ ኣለዉ። እዞም ተነጸልቲ ሓይሊ፡ ኣብታ ኣብ ዶብ ማሊን ኣልጀርያን እተራኽብ ከተማ ቲንዛውቲን'ዮም ዝንቀሳቐሱ።
ማሊ ምስ መሻርኽታ ኒጀርን ቡርኪናፋሶን ንኣምባሳደራተን ካብ ኣልጀርስ ኣብ ዝጸውዓሉ እዋን፡ ምውዳቕ እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ኣበጊሱ'ሎ።
ናይ ሓባር ዞባዊ ጥርናፈ ዝፈጠራ ሃገራት ማሊ፡ ቡርኪናፋሶን ኒጀርን ንኣልጀርያ ኣብ ዝዅንን ሓባራዊ መግለጺኦም፡ ምውዳቕ እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት፡ "ኣንጻር ሰለስተና ሃገራት ግብረሽበራዊ ተግባራት ክፍጽም ዝሓሰበ ግብረሽበራዊ ጕጅለ ንኸይውቃዕ ዝዓገተ፡" ኢለን።
ማሊ ኣብ ባማኮ ዝርከብ ኣምባሳደር ኣልጀርያ ዝጸወዐት ኰይና፡ ናብ "ኣህጉራውያን ኣካላት" ጥርዓን ከም እተቕርብ ኣፍሊጣ። እታ ሃገር ብተወሳኺ፡ ካብቲ ንኣልጀርያ ዘጠቓለለ ዞባዊ ናይ ጸጥታ ጕጅለ ንነብሳ ከም ዘግለለት ዕላዊ ገይራ።
ኣልጀርያ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ፡ ንመግለጺታት ማሊን መሻርኽታ ቡርኪናፋሶን ኒጀርን ብ"ዓሚቝ ስንባደ፡" ከም ዘስተውዓለቶ ገሊጻ። ማሊ፡ ካብ ናይ ገዛእ ርእሳ ውድቀት ንምርሓቕ ዝግበር ዘሎ ፈተነ'ዩ ክትብል'ውን ነቲ ብኣልጀርያ ዝቐረበ ክሲ ነጺጋቶ።
ብተወሳኺ፡ እዚ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ንሳልሳይ ግዜኡ ኣብ ልዕሊ ክሊ ኣየራ ዝተፈጸመ ግህሰት ምዃኑ ገሊጻ።
"ብሰንኪ ማሊ ክሊ ኣየርና ብተደጋጋሚ ስለ ዝተጥሓሰ፡ መንግስቲ ኣልጀርያ ካብ ማሊ ንዝመጽእ ትራፊክ ኣየር ክዓጽዎ ወሲኑ'ሎ፡" ክብል ምኒስትሪ ምክልኻል ኣልጀርያ ትማሊ ሰኑይ ገሊጹ።
ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ኣልጀርያ ኣብ ጥቓ ቲንዛውቲን እትርከብ "ዕጥቕቲ ዳህሳስ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት፡ ኣብ ክሊ ኣየርና ክሳዕ 2 ኪሎሜትር ርሕቀት ኣትያ፡" ብምባል ከም ዘውደቐታ ኣሚና።
እቲ ኣብ ባማኮ ዝርከብ ጁንታ ግን እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ንኽሊ ኣየር ኣልጀርያ ከም ዝጠሓሰት ዝገልጽ ክሲ ኣልጀርያ ነጺጉዎ። ስብርባር ናይታ ነፋሪት 9.5 ኪሎሜትር ኣብ ውሽጢ ዶባታ ከም ዝተረኽበ ሓቢሩ።
ማሊ፡ ኣልጀርያ ንዕጡቓት ጕጅለታት ቱዋረግ መዕቘቢ ከም ዝሃበት ብቐጻሊ ትኸስስ።
እታ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ መንጎ ማሊን ተገንጸልቲ ሓይልታትን ኣብ ዝነበረ ግጭት ከም ቀንዲ መንጐኛ ኰይና ኣገልጊላ ነይራ። ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ባማኮ ስልጣን ምስ ሓዘ ካብ 2020 ጀሚሩ ርክቦም ሓርፊፉ ይርከብ።
ኣልጀርያ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ካብቶም ኣብ ማሊን ካልኦት ሃገራት ዞባ ሳሕል ምዕራብ ኣፍሪቃን ዝንቀሳቐሱ ጕጅለታት ጅሃዳውያን ከጋጥማ ንዝኽእል ጸጥታዊ ስግኣት ንምድሓን ወተሃደራታ ናብ ዶባት ከም ዘዋፈረት ዝዝከር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







