ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝምርሓ ዘለዋ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ሓባራዊ ፓስፖርት ክጥቀማ እየን

ምንጪ ስእሊ, AFP
ንዞባዊ ማሕበረሰብ ቍጠባ ምዕራብ ኣፍሪቃ-ኢኮዋስ ራሕሪሐን ዝወጽኣ ብወተሃደራዊ ጕጅለ ዝምርሓ ሰለስተ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ “ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት” ሓድሽ ሓባራዊ ፓስፖርት ክጥቀማ ክጅምራ እየን።
ማሊ፡ ቡርኪናፋሶን ኒጀርን ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ካብቲ ዞባዊ ውድብ ከም ዝወጽኣ ይፍለጥ። ወተሃደራዊ መራሕቲ እዘን ሃገራት ካብ 2020 ክሳብ 2023 ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብዕልዋ’ዮም ስልጣን መንዚዖም።
ድሕሪ እዚ ዕልዋታት፡ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ሲቪላዊ ምምሕዳር ብቕልጡፍ ናብ ዝነበሮ ንኽምለስ ኣብ ልዕሊ እዞም መራሕቲ ማዕቀብ ኣንቢረን።
እንተዀነ፡ ንኢኮዋስ ብምርሕራሕ ልፍንቲ ሃገራት ሳሕል ዝመስረታ ሰለስቲአን ሃገራት፡ ንዝቐረቡ ጻውዒታት ነጺገን ሕብረተን ከሐይላ መሪጸን።
መራሒ ማሊ ኮሎኔል ኣሲሚ ጎይታ፡ “ሓባራዊ ሰነዳት ጕዕዞ ንኽህልወና ኣብ ዝስዕቡ መዓልታት ሓድሽ ሓባራዊ ፓስፖርት ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል እዩ” ኢሉ።
ግዝያዊ ፕረዚደንት ልፍንቲ ሃገራት ሳሕል ዝዀነ ኮሎነል ጎይታ፡ እቶም ወተሃደራውያን መራሕቲ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት እቲ ዝመስረትዎ ልፍንቲ ሃገራት ሳሕል ኣብ ዘኽብሩሉ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ እዩ ነዚ ተዛሪቡ ዘሎ።
ኣሲሚ ጎይታ፡ “ኣብ ሰለስቲአን ሃገራት ዝተወሃሃደ ዝርገሐ ሓበሬታ ንኽህሉ” ዘተባብዕ ሓባራዊ ኣገልግሎት ንምጅማር ከም ዝመደቡ’ውን ገሊጹ።
ቡርኪናፋሶ፡ ቅድም ክብል ሕላገት ኢኮዋስ ዘይብሉ ሓድሽ ባዮሜትሪክ ፓስፖርት ከም ትጥቀም ወግዓዊ ገይራ ነይራ።
እዚ ሓድሽ ፓስፖርት፡ ዜጋታተን፡ ናብተን ነጻ ቪዛ ዘፍቅዳ ኣባል ሃገራት ኢኮዋስ ኣብ ዝገሹሉ እንታይ ጽልዋ ይህልዎ ዝብል ግና ኣይነጸረን።
እቶም ወተሃደራውያን መራሕቲ፡ ካብ ዞባዊ ማሕበረሰብ ቍጠባ ምዕራብ ኣፍሪቃ-ኢኮዋስ “ንዘልኣለም” ከም ዝተነጸሉ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣፍሊጦም እዮም።
“ካብ ሓይልታት ወጻኢ ነጻ ዝዀነን ኣብ ክብርታት ኣፍሪቃ ዝተመስረተን” ሕብረት ክምስርቱ ከም ዝደለዩ ገሊጾም ነይሮም።
ዞባዊ ውድብ ኢኮዋስ ሰለስቲአን ሃገራት ናብቲ ማሕበረሰብ ንምምላስ ጻዕርታት ኣብ ዝገብረሉ እዩ፡ ኣባላት ልፍንቲ ሃገራት ሳሕል ሓድሽ ፓስፖርት ከም ዝጥቀማ ኣፍሊጠን ዘለዋ።
ዞባዊ ማሕበረሰብ ቍጠባ ምዕራብ ኣፍሪቃ-ኢኮዋስ፡ እቲ ተነጺሉ ዝወጽአ ጕጅለ፡ ዞባዊ ምፍንጫልን ዝበኣሰ ጸጥታዊ ጸገማትን ከም ዘስዕብ ኣጠንቂቑ እዩ።
ሰለስቲአን ሃገራት፡ ወተሃደራዊ ምትሕብባረን ንምጉልባት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልፍንቲ ሃገራት ሳሕል ከም ዝመስረታ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







