ጋቦን፡ ጀነራል ንጒማ ግዝያዊ ፕረዚደንት ኮይኑ ቃለማሕላ ፈጺሙ

መራሒ ዕልዋ መንግስቲ ጋቦን ብሪስ ንጒማ ነጻ መረጻ ከም ዝካየድ ቃል ኣትዩ - ገደብ ግዜ ግን ኣይጠቐሰን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, መራሒ ዕልዋ መንግስቲ ጋቦን ብሪስ ንጒማ ነጻ መረጻ ከም ዝካየድ ቃል ኣትዩ - ገደብ ግዜ ግን ኣይጠቐሰን

ወተሃደራዊ መራሒ ጋቦን ጀነራል ብሪስ ንጒማ፡ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ርእሰ ከተማ ጋቦን ሊብረቪል ኣብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ግዝያዊ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ፡ ውጽኢት ናይቲ ዘካትዕን ንፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ገይሩ ዝነበረን'ዩ።

ብድሕሪ’ዚ ኣዛዘዝቲ እታ ሃገር ነቲ ዕልዋ ዝመርሐ ጀነራል ብራይስ ኦሊጉይ ንጕማ መራሒ መሰጋገሪ መንግስቲ እታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ገይሮም ሸይሞሞ።

ድሕሪ እቲ ስነ-ስርዓት ቃለ መሓላ፡ ጀነራል ብሪስ ንጒማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ስልጣን ምምንዛዖም ሃገራዊ ተግባር’ዩ ክብል መጒቱ።

ንሱ ነቲ ወተሃደራዊ መራሒ ጋና ነበርን ድሒሩ ድማ ፕረዚደንት ኰይኑ ዝተመርጸን ጀሪ ጆን ራውሊንግስ ብምጥቃስ "ህዝቢ በቶም መራሕቲ ምስ ዝህሰ፡ ክብሩን ነጻነቱን ዝመልሰሉ ወተሃደራዊ ሓይሊ'ዩ" ክብል ገሊጹ።

"በዚ መንፈስ'ዚ ኢና፡ ንሕና ሓይልታት ምክልኻል ነቲ... ወገናዊ መስርሕ መረጻ ብምንጻግ ነቲ ሓላፍነት ዝወሰድና" ኢሉ።

ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ዓበይቲ ለውጥታት ምትእትታው ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሓድሽ ቅዋም መንግስቲ መሰረት ዝገበረ ረፈረንደም ከም ዝካየድ ሓቢሩ።

ወሲኹ’ውን ሓድሽ ሕጊ መረጻን ሓድሽ ሕጊ ቅጽዓትን ክህሉ ከምኡ’ውን ነጻን ግሉጽን መረጻ ክካየድ ከም ዝግባእ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ፕረዚደንታዊ ቃለ መሓላ ወተሃደራዊ ምርኢት ተኻይዱ
መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ስነ-ስርዓት ፕረዚደንታዊ ቃለ መሓላ ወተሃደራዊ ምርኢት ተኻይዱ

እቲ ጀነራል ቃለ መሓላ ኣብ ዝፈጸመሉ ስነ-ስርዓት ዕስለ ደገፍቲ ተረኺቦም ሓጎሶም ገሊጾም፤ እዚ ድማ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ገለ ደገፍ ከም ዘለዎ ዘርኢ እዩ።

ይኹን እምበር ምሕደራ ጀነራል ንጒማ መቐጸልታ ናይቲ ን55 ዓመታት ስልጣን ዝበሓተ ስርወ መንግስቲ ቦንጎ ክኸውን እዩ ዝብል ስክፍታታት ኣሎ።

ኣቦ ዓሊ ቦንጎ (ዑመር ቦንጎ)፡ ን41 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ክኸውን ከሎ ኣብ 2009 ድሕሪ ምሟቱ ድማ ብወዱ’ዩ ተተኪኡ።

እቲ ጀነራል ዝበዝሕ ዕድሚኡ ኣብ ውሽጣዊ ዓንኬል ቦንጎ እዩ ኣሕሊፉ፤ ናይ ቀረባ ዘመድ ዓሊ ቦንጎ ምዃኑ ከይተረፈ ይግመት።

ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ተቓወምቲ፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንምምላስ ድልየት ከም ዘለዎ ዝሕብር ምልክት ከም ዘየርኣየ የጠንቅቑ።

እቲ ጀነራል’ውን፡ ዝሓለፈ ጌጋታት ንዘይምድጋም፡ ነታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንምምላስ ከም ዘይጓየ ገሊጹ’ዩ።

ኣብቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት ዝተኻየደ ምረቓ ብወተሃደራዊ ምርኢት ዝተሰነየ’ዩ ነይሩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ፕረዚደንታዊ ቃለ መሓላ ካብ ዝተኻየዱ ምርኢታት
መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ስነ-ስርዓት ፕረዚደንታዊ ቃለ መሓላ ካብ ዝተኻየዱ ምርኢታት

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ደገፍቲ እቲ ሓድሽ ወተሃደራዊ መሪሕነት ተረኺቦም።

ኣካል እቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ መንግስቲ ዝነበሩ ሚኒስተራት ነበር እውን ተረኺቦም እዮም። ይኹን’ምበር ካብ ዝጭድሩ ደገፍቲ እቲ ጁንታ ተቓውሞ ገጢምዎም’ዩ።

ኣብ መላእ ምዕራብን ማእኸላይን ኣፍሪቃ ስልጣን ብተኸታታሊ ብሓይሊ ክውሰድ ዝጸንሐ ክኸውን እንከሎ እዚ ኣብ ጋቦን ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ድማ እቲ ዳሕረዋይ ኣብነት እዩ።

መግዛእታዊት ሓይሊ ነበር ፈረንሳ ኣብታ ኣህጉር ዘለዋ ጽልዋ ንምዕቃብ ኣብ እትቃለሰሉ ዘላ እዋን፡ ጋቦን ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ዝወደቐት ሻድሸይቲ ሃገር እያ።

ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ፡ ጋቦን ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ተኣጊዳ'ላ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ፈረንሳን እውን ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ከም ዘውገዙ ይፍለጥ።

ጀነራል ብሪስ ንጒማ መን እዩ?

እዚ ወዲ 48 ዓመት ጀነራል፡ ወተሃደራቱ ስለዘኽብርዎ፡ ንተራ ሰባት ዝርዳእን ብተራ ሰባት ዝፍቶን ይመስል፤ ንብዙሓት ግን ትጽቢት ዘይተገብረሉ መራሒ እዩ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት፡ ጀነራል ብሪስ ንጒማ ኣብ ህዝባዊ ንቕሓት ጋቦን ዳርጋ ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል’ዩ።

ካብቲ ውሽጣዊ ዓንኬል ስድራቤት ቦንጎ ድሕሪ ምብራሩ፡ ን10 ዓመታት ካብታ ሃገር ወጻኢ እዩ ጸኒሑ።

ናብ ጋቦን ድሕሪ ምምላሱ ድማ ብሰላሕታ እዩ ናብቲ ዝለዓለ ደረጃ ሰራዊት ደይቡ። ብድሕሪኡ ንስርዓት ፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎ ንምዕቃብ ሓላፍነቱ ተዋጺኡ።

ጀነራል ንጒማ፡ ሃውት-ኦጉው ኣብ እትበሃል ኣውራጃ ጋቦን እዩ ተወሊዱ። እቲ ከባቢ ዕርዲ ስድራቤት ቦንጎ ኰይኑ፡ ገለ ሰባት እቲ ጀነራል ናይ ቀረባ ዘመድ ዓሊ ቦንጎ ምዃኑ ከይተረፈ ይዛረቡ።

ጀነራል ንጒማ ምስቲ ዝኣለዮ ፕረዚደንት ናይ ቀረባ ኣዝማድ ምዃኑ ይንገር

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ጀነራል ንጒማ ምስቲ ዝኣለዮ ፕረዚደንት ናይ ቀረባ ኣዝማድ ምዃኑ ይንገር

ኣሰር ኣቡኡ ተኸቲሉ ናብ ወተሃደራዊ ሞያ ኣትዩ። ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝርከብ መክነስ ሮያል ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ስልጠና ድሕሪ ምውሳዱ፡ ኣብ ኣዝዩ ንኡስ ዕድሚኡ ናብቲ ሓያል ኣሃዱ ሓለዋ ሪፓብሊክ ጋቦን ተጸንቢሩ።

እቲ ዓቢ ጥሙሕ ዝነበሮ መንእሰይ፡ ቀልጢፉ ኣቓልቦ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስሒቡ፤ ከም ውጽኢቱ ድማ ተሓጋጋዚ ናይቲ ሽዑ ፕረዚደንት ዝነበረ ዑመር ቦንጎ ኰይኑ።

እቲ ጀነራል፡ ዑመር ቦንጎ ኣብ 2009 ክሳዕ ዝመውት ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣገልጊሉ’ዩ።

ብድሕሪኡ ዓሊ ቦንጎ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ጀነራል ንጒማ ካብ ስርሑ ተባሪሩ። ነቲ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ከም "ስደት" ዝገልጽኦ ስራሕ ድማ ጀሚሩ። ንኣስታት 10 ዓመታት ኣብ ሞሮኮን ሰኔጋልን ኣብ ዝርከባ ኤምባሲታት ጋቦን ከም ወተሃደራኣዊ ወኪል (ኣታቼ) ኰይኑ ሰሪሑ።

እዚ ጻዕራም ወተሃደር፡ ኣብ 2018 ንውላድ ኣቦ ናይቲ ፕረዚደንት ተኪኡ፡ ሓላፊ ስለያ ሓለዋ ሪፓብሊካን ምስ ኰነ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ጋቦን ዳግማይ ተራእዩ።

ጀነራል ንጕማ ወታሃደራት ኣብ ጉደና ተሰኪሞምዎ ታሕጓሶም እንተግልጹ ተራእዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጀነራል ንጕማ ድሕሪ'ቲ ዕልዋ ወተሃደራት ኣብ ጎደና ተሰኪሞምዎ ታሕጓሶም እንትግልጹ ተራእዩ ነይሩ

‘ጽሩይ ኣእዳው’

ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ሓላፊ ሓለዋ ሪፓብሊካን ኰይኑ ተሸይሙ። ነቲ ስርዓት ንምዕቃብ ዝያዳ ኣድማዒ ምምሕያሻት ኣበጊሱ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝምራሕ ዝነበረ ምጥፍፋእ ወይ ስርቂ ንምምካት ዝዓለመ "ጽሩይ ኣእዳው" ዝብል ስርሒት ኣበጊሱ።

ይኹን እምበር ጀነራል ንጉማ ንባዕሉ ገንዘብ ህዝቢ ብምጥፋእ ተኸሲሱ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣብ 2020 ኣብ ዘካየዶ መርመራ፡ ትካል ጸረ ብልሽውና ኣመሪካ፡ ጀነራል ንጒማን ስድራቤት ቦንጎን ኣብ ኣመሪካ ብዝተዓቑረ ገንዘብ ክቡር ንብረት ከም ዝገዝኡ ከሲሱ። እቲ ጀነራል ሰለስተ ንብረት ንምዕዳግ ሓደ ሚልዮን ዶላር ከም ዘውጽአ ይንገር።

"ኣብ ፈረንሳ ይኹን ኣብ ኣመሪካ፡ ናይ ብሕቲ ህይወት፡ [ክኽበር ዝግብኦ] ናይ ብሕቲ ህይወት'ዩ ዝመስለኒ" ክብል ነቲ ጸብጻብ ምላሽ ሂብሉ ነይሩ።

ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ሃገራዊ ማዕከን ዜና ጋቦን፡ ጀነራል ንጒማ ንፕረዚደንትነት ዓሊ ቦንጎ ን14 ዓመታት ዝጸንሐ ተኣማንነት ከም ዘለዎ ብግልጺ ከም ዘረጋገጸ ጸብጺቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን፡ ዓሊ ቦንጎ ኣብቲ ዘካትዕ ፕረዚደንታዊ መረጻ ተዓዋቲ ምዃኑ ምስ ተገለጸ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ነቲ ውጽኢት ሰሪዙ ስልጣን ከም ዝሕዝ ኣፍሊጡ።

እዚ ድሕሪ 2020 ኣብ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ሻሙናይ ዕልዋ መንግስቲ ኮይኑ'ሎ።

ጀነራል ንጒማ ካብ ሰፊሕ ክፋል ህዝቢ እታ ሃገር ድጋፍ ዝረኸበ ይመስል

ምንጪ ስእሊ, REX/SHUTTERSTOCK

መግለጺ ስእሊ, ጀነራል ንጒማ ካብ ሰፊሕ ክፋል ህዝቢ እታ ሃገር ድጋፍ ዝረኸበ ይመስል

‘ታሪኽ ዝቐየረ’

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ፡ ጀነራል ንጒማ፡ መሰጋገሪ መራሒ ጋቦን ተባሂሉ ተሸይሙ።

ንሱ ንጋዜጣ ለ ሞንደ ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ህዝቢ ጋቦን ምሕደራ ዓሊ ቦንጎ ከም ኣኺሉ ከምዝተረፎን፡ እቲ ፕረዚደንት ንሳልሳይ ግዜ ክወዳደር ከም ዘይነበሮን ገሊጹ።

"ኩሉ ሰብ ብዛዕባ እዚ ይዛረብ እምበር ሓላፍነት ዝወስድ የለን" ኢሉ። “ስለዚ ሰራዊት ነቲ ታሪኽ ክቕይሮ ወሲኑ።"

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ፈረንሳን ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ኰኒኖሞ ኣለዉ።

እቲ ጀነራል ግን ካብ ሰፊሕ ክፋል ህዝቢ እታ ሃገር ድጋፍ ዝረኸበ ይመስል። ነቲ ብብሄራዊ መስመራት ዝመቓቐል ዘሎ ሰራዊት ኣብ ምጥርናፍ'ውን ተዓዊቱ'ዩ።

ብብልሽውና ዝተኸሰሰን ዝበዝሕ ዕድሚኡ ኣብ ውሽጣዊ ዓንኬል ቦንጎ ዘሕለፈን ሰብ ብምዃኑ፡ ህዝቢ ጋቦን ተስፋ ዝገብረሉ ሓድሽ ጅማሮ ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ።

ይኹን’ምበር፡ ጀነራል ብሪስ ንጒማ "ታሪኽ ዝቐየረ" ሰብ ተባሂሉ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ እታ ሃገር ክሰፍር'ዩ።