ወተሃደራዊ መራሒ ጋቦን እታ ሃገር ናብ ዴሞክራሲያዊ ምዕራፍ ከምእትሳገር ገሊጹ

ጀነራል ንጉማ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓድሽ ወተሃደራዊ መራሒ ጋቦን፡ ሃገሩ ናብ ዴሞክርሲያዊ ስርዓት ከምእትሳገር ብምግላጽ መረጻ ዝካየደሉ ግዜ ካብ ምዝራብ ግን ተቖጢቡ።

ኣዛዚ ሓለዋ ቤተ መንግስቲ ዝነበረን ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝተረከበን ጀነራል ብራይስ ኦሊጉኒ ኑጉማ፡ ትካላት መንግስቲ ጋቦን ዝያዳ ዴሞክራስያውያን ክኾና ከምዝስራሕን ኣብ ልዕሊኤን ዝተገበረ እገዳ ድማ ግዚያዊ ከም ዝዀነ ኣፍሊጡ።

ጥምረት ተቓወምቲ ውድባት ጋቦን ግን ወተሃደራዊ መሪሕነት ስልጣን ናብ ስቪሊያዊ ምምሕዳር ናይ ምስግጋር ኩነታት ኣየርእን ዘሎ ኢሉ።

ፕረዚደንት ጋቦን ነበር ዓሊ ቦንጎ ኣብ ቤቱ ተኣሲሩ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ወተሃደራት ጋቦን ኣብ ዝሓለፈ ሮብዕ ንጉሆ ናብ መስኮት ቴሌቭዥን ተቐልቂሎም ንኣስታት 55 ዓመታት ብስድራ ዓሊ ቦንጎ ተባሒቱ ዝነበረ ፖለቲካዊ ስልጣን እታ ሃገር ከም ዘብቀዐን መንግስታዊ ስልጣን ከም ዝተቖጻጸሩን ኣፍሊጦም።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዓሊ ቦንጎ ከም ዝተዓወተሉ ዝተኣወጀ ውጽኢት መረጻ ዝነጸግዎ ኰይኖም ተቓወምቲ ውድባት ድማ ዝተጨብረበረ መረጻ ኢሎምዎ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ጀነራል ንጉማ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ቴሌቭዥን ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ተመሳሰልቲ ሰባት ኣብ ስልጣን ዘንብር ግጉይ መረጻ ኣወጊዱ ብቕልጡፍ ናብ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ከሰጋግር ከም ዝዀነ ቃል ኣትዩ።

“ቅልጡፍ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና። እዚ ማለት ግን ዝነበሩ ጌጋታት ዝደግም መረጻ ክነካይድ ኢና ማለት ኣይኰነን” ኢሉ።

ኣብ ፖሊቲካ ጋቦን እቲ ዝዓበየ ተቓዋሚ ውድብ ፖለቲካን ኣብቲ ዝተኻየደ መረጻ ተዓዋታይ ከም ዝዀነ ዝገልጽ ዘሎን ‘ኤልተርኔቲቭ 2023’ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዓለም ለኻዊ ማሕበረሰብ በትረ ስልጣን ናብ ሲቪሊያዊ ምምሕዳር ክሰጋገር ጸቕጢ ከሕድር ጸዊዑ።

“ዓሊ ቦንጎ ብምዕላው ተሓጕስና ኢና። እንተዀነ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጎኒ ህዝቢ ጋቦን ደው ኢሉ ነቶም ወተሃደራዊ መራሕቲ ስልጣኖም ናብ ስቪሊያዊ ምምሕዳር ከረክቡ ጸቕጢ ክገብሩ’ዩ ተስፋና” ክትብል ወሃቢት ቃል መራሒ ውድብ ፖለቲካ ‘ኤልተርኔቲቭ 2023’ ኣሌክሳንድራ ፓንጋ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ንሳ ወሲኻ ጀነራል ንጉማ ፕረዚደንት መሰጋገሪ መንግስቲ ጋቦን ኰይኑ ቃለ መሓላ ክፍጽም ምውሳኑ ቅቡል ኣይኰነን ኢላ።

እቲ ኣብ ጋቦን ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ 2020ን ኣብ ምዕራብን ማእኸላይን ኣፍሪቃ ካብ ዝተኻየዱ ዕልዋታት መበል 8ይ እዩ።

ቅድሚኡ ኣብ ሃገራት ኒጀር፣ ማሊ፣ ጊኒ፣ ቡርኪናፋሶን ቻድን ዕልዋ መንግስትነት ተፈጺሞም።

እቲ ኣብ ጋቦን ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ብሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ከምኡ’ውን ምስ ስድራ ዓሊ ቦንጎ ጥንኩር ዝምድና ዘለዋ ፈረንሳይን ተቓውሞ ገጢምዎ’ዩ።

ናይ ገዛ እሱር ኰይኑ ዘሎ ፕረዚደንት ነበር ዓሊ ቦንጎ “በጃኻትኩም ድምጺ ኩኑኒ” ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ።

ዜጋታት እታ ሃገር ግን በቲ ዕልዋ መንግስቲ ታሕጓሶም’ዮም ዝገልጹ ዘለዉ።