ኣብ ቀብረን ተንሲአን ክበሃላ ዝቐነያ ሰበይቲ እንደገና 'ናይ ሓቂ ዓሪፈን'

ኣብ ቀብረን ብህይወት ዝተረኸባ ሰበይቲ ድሕሪ ሰሙን ዓሪፈን

ምንጪ ስእሊ, PHILIPPE LISSAC/GODONG

እተን ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ ኣትየን ከስተንፍሳ ተሰሚዐን ኣብ መዓልቲ ቀብረን ንዝተረኸቡ ሓዘንተኛታት ዘሰምበዳን ኢኳዶርያዊት ሰበይቲ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ዓሪፈን።

ጓል 76 ዓመት ቤላ ሞንቶያ፡ ኣብ ባባሆዮ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ዝሞታ ብሓካይም ብወግዒ ተገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ስነስርዓት ቀብረን ዝተረኸቡ ሓዘንተኛታት፡ ሳንዱቕ ሬሳ ክኹሕኵሓ ምስ ሰምዑወን ግን፡ ብቕልጡፍ ናብቲ ከም ዝሞታ መርድእ ዝተነገረሉ ሆስፒታል ተወሲደን።

ሚኒስተር ጥዕና ኢኳዶር፡ እዘን ንሸውዓተ መዓልታት ኣብ ጹዑቕ ክትትል ሕክምና ዝጸንሓ ሰበይቲ ብስትሮክ (ወቕዒ ልቢ) ብዓርቢ ከም ዝሞታ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ሆስፒታል ኣብ ትሕቲ “ቀዋሚ ክትትል” ከም ዝጸንሓ ድማ መግለጺ እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ።

ወደን ጊልበርት ባልቤራ፡ ንሓደ ጋዜጣ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣብዚ እዋን ኣደይ ብሓቂ ሞይታ እያ። ሕጂ ህይወተይ ከምቲ ዝነበሮ ኣይክኸውንን እዩ” ኢሉ።

ቤላ ሞንቶያ ብ16 ሰነ ካብዛ ዓለም ድሕሪ ምስንባተን፡ ናብቲ ኣቐዲሙ ክቕበራሉ ተመዲቡ ዝነበረ ህዝባዊ መቕበሪ ቦታ ከም ዝተወሰዳ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።

እተን ማ'ዕከናት ዜና፡ ወይዘሮ ሞንቶያ፡ ሃለዋት ዘጥፍእን ጭዋዳታት ዘልምስን 'ካታለፕሲ' ዝበሃል ሕማም ከም ዝነበረን እየን ዝገልጻ ዘለዋ።

ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር፡ ነዚ ተጓንፎ እዘን በዓልቲ ጸጋ ዕድመ ዝምርምር ኮሚቴ ምቛሙ ይዝከር።

ብ9 ሰነ ሞተን ምስ ተነገረ፡ ናብቲ ካብ ርእሰከተማ ኪቶ ዝርከብ መቓብር ባባሆዮ ተወሲደን ነይረን።

ንሓሙሽተ ሰዓታት ኣብ ውሽጢ ሳንዱቕ ሬሳ ድሕሪ ምጽንሐን ግን፡ ሞይተን ተባሂለን ሓመድ ድበ ክለብሳ ዝተዳለዋ ሰበይቲ ከስተንፍሳ ተሰሚዐን።

ድሕሪ ደቓይቕ ድማ ብሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓቂ ብቓሬዛ ናብ ሆስፒታል ተወሲደን።

ሞይቶም ተባሂሎም ሕልፈቶም ብወግዒ ምስ ተነግረ፡ ደሓር ግን ብህይወት ዝርከቡ ሰባት ሓድሽ ነገር ኣይኰነን።

ኣብ ለካቲት፡ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ከም ዝሞታ ዝተነገረ ሓንቲ ጓል 82 ዓመት ሰበይቲ፡ ኣብ ቀብረን ከተንፍሳ ተረኺበን እየን።