'ሞይተን' ዝተባህላ ሰበይቲ ኣብ ቀብረን ከተንፍሳ ተሰሚዐን

ስእሊ ሳንዱቕ ሬሳ

ምንጪ ስእሊ, Philippe Lissac/Godong

ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ሓንቲ ኢኳዶርያዊት በዓልቲ ፀጋ ዕድመ ዝተረኸቡ ሓዘንተኛታት፡ ነቢዖም ሓመድ ድበ ከልብስወን ኣብ ዝዳለውሉ ዝነበሩ ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ ዝኣተዋ “መዋቲት” ብህይወት ከምዘለዋ ምስ ፈለጡ፡ ብስንባደን ምግራምን ተዋሒጦም።

ጓል 76 ዓመት ቤላ ሞንቶያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብወቕዒ ልቢ (ስትሮክ) ከም ዝሞታ ብወግዒ ብሓካይም ተነጊሩ እዩ።

ንሰን ንሓሙሽተ ሰዓታት ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ ክጸንሓ እንከለዋ፡ ኣዝማደን ንቐብረን ዝኸውን ክዳን ክቕይሩለን ክሸባሸቡ፡ ሞይተን ተባሂለን ሓመድ ድበ ክለብሳ ዝተዳለዋ በዓልቲ ፀጋ ዕድመ፡ ሃንደበት ከስተንፍሳ ተሰሚዐን።

ሞንቶያ፡ ኣብዚ እዋን ናብ ሆስፒታል ተወሲደን ኣብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ሕክምና ይግበረለን ኣሎ።

ሚኒስተር ጥዕና ኢኳዶር እውን ነዚ ፍጻመ ዝምርምር ኮሚቴ ኣቝሙ'ሎ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኡ፡ እተን ሰበይቲ ኣብ ሃንደበታዊ ምቍራጽ ስርዓተ ምስትንፋስን ልብን (cardiorespiratory) ኣትየን ብምንባረን፡ ንፈተነታት ምምላስ ቀልቢ ምላሽ ክህባ ኣይከኣላን ነይረን፡ ኢሉ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ስራሕ ዝነበረ ዶክተር እውን ምማተን ኣረጋጊጹ እዩ።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ሞንቶያ “ከባቢ ሰዓት 9፡00 ናብ ሕክምና ከም ዝኣተዋን፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ሕልፈተን ብዶክተር ከም ዝተነገረን”፡ ንወደን ጊልበር ሮዶልፎ ባልቤራን ብምጥቃስ ኣቃሊሐን።

በዓልቲ ፀጋ ዕድመ ቤላ ሞንቶያ ንምስትንፋስ ኣብ ዝጻዓራሉ ዝነበራ ግዜ፡ ክሳብ ብሓደ ኣባል ስድራ ዝተርኣየሉ፡ ንሰዓታት ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ እየን ነይረን።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ)፡ እተን በዓልቲ ፀጋ ዕድመ ኣብ ውሽጢ ዝተኸፈተ ሳንዱቕ ሬሳ ኰይነን ምሒር ከተንፍሳን ሰባት ከቢቦምወንን የርኢ።

ናብቲ ቦታ ዝመጽኡ ተሓጋገዝቲ ሓካይም'ውን፡ ንወይዘሮ ሞንቶያ ቅድሚ ናብ ባረላን ኣምቡላንስን ምድያቦም ክዕዘብወን ይረኣዩ።

ወደን ባልቤራን ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ቅሩብ ቅሩብ እንታይ ከም ዘጋጠመ ይርድኣኒ ኣሎ። ሕጂ ኵነታት ጥዕና ኣደይ ናብ ንቡር ክምለስ እየ ዝጽሊ፤ ብህይወት ክትነብርን ኣብ ጐነይ ክትከውንን እየ ዝደሊ፡” ኢሉ።